ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

1, 2. (ሀ) ህዝቢ ኤልያስ ተጐዲኡ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እንታይ ምጽራር እዩ ኣጋጢምዎ፧

ኤልያስ እቲ ህዝቢ ደፋእ እናበለ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኪድይብ ከሎ ይርኢ ነበረ። ጽልግልግ ኣብ ዚብል ብርሃን ወጋሕታ እኳ ኸይተረፈ፡ ድኽነትን ስእነትን ነቲ ህዝቢ ኸም ዚጐድኦ ብንጹር ይርአ ነበረ። እቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝገበረ ደርቂ ሕማቕ በሰላ ሓዲጉሎም ነበረ።

2 ኣብ ማእከሎም እቶም ብትዕቢት እተነፍሑን ነቲ ነብዪ የሆዋ ዝዀነ ኤልያስ ክቱር ጽልኢ ዝነበሮምን 450 ነብያት በዓል ሸናዕ ይብሉ ነበሩ። ንግስቲ ኢዛቤል ንብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ቐቲላ እኳ እንተ ነበረት፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣንጻር ኣምልኾ በዓል ጸኒዑ ኣሎ። እንተዀነ ግና ክሳዕ መዓስ፧ ምናልባት እቶም ካህናት ሓደ ሰብኣይ ጥራይ፡ ኣንጻር ኵሎም ኪቐውም ፈጺሙ ዘይክእል ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። (1 ነገ. 18:4, 19, 20) ንጉስ ኣከኣብ ከኣ ኣብ ሰረገላኡ ተወጢሑ መጺኡ ነይሩ እዩ። ንሱ እውን ንኤልያስ ኣይፈትዎን እዩ ነይሩ።

3, 4. (ሀ) ኤልያስ እታ ኣገዳሲት መዓልቲ ምስ ወግሐት ብእተወሰነ ፍርሂ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 እዚ በይኑ ዝነበረ ነብዪ ኣብ ህይወቱ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ፍጻመ ይጽበዮ ነይሩ እዩ። ኤልያስ እናተዓዘበ ኸሎ፡ ነቲ ቕድሚኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ዚግበር ኣዝዩ ዜደንቕ ግጥም ዚኸውን ሃዋህው ተፈጥረ። ምስ ወግሐ ኸመይ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ” ስለ ዝነበረ፡ ፍርሂ ዘይስምዖ ኣይኰነን ነይሩ። (ያእቆብ 5:17 ኣንብብ።) ኤልያስ በቶም ዘይኣምኑ ህዝብን ዓለወኛ ንጉሶምን ቀተልቲ ኻህናትን ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ፡ እንተ ወሓደ ንበይኑ ኸም ዝተረፈ ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ነገ. 18:22

4 ይኹን እምበር፡ ንእስራኤላውያን ናብዚ ሓደገኛ ዅነታት ዘእተዎም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንስኻኸ፡ ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ኤልያስ እምነት ብምርኣይ ዝገደፈልና ኣብነት ንመርምር እሞ፡ እዚ ሎሚ ንዓና ብኸመይ ግብራዊ ጥቕሚ ኺህልዎ ከም ዚኽእል ንርአ።

እቲ ነዊሕ ቃልሲ ኣብ ጥርዙ በጽሐ

5, 6. (ሀ) እስራኤላውያን ኣብ ከመይ ዝበለ ቓልሲ እዮም ነይሮም፧ (ለ) ንጉስ ኣከኣብ ንየሆዋ ኣዝዩ ዘጕሃዮ ብኸመይ እዩ፧

5 ኤልያስ ኣብ ህይወቱ እቲ ናይ ሃገሩን ህዝቡን ዝበለጸ ነገር ዝዀነ ኣምልኾ የሆዋ ተስፋ ብዜቚርጽ መገዲ ዕሽሽ ኪብሃልን ኪርገጽን ከሎ ረኣየ። እስራኤላውያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእከል እቲ ኣብ መንጎ ንጹህ ሃይማኖትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኣምልኾ የሆዋን እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዚስዕብዎ ኣምልኾ ጣኦትን ዚግበር ቃልሲ እዮም ነይሮም። ኤልያስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ እቲ ቓልሲ ኣብ ዝኸፍአ ዅነታት እዩ በጺሑ ነይሩ።

6 ንጉስ ኣከኣብ ንየሆዋ ኣዝዩ ኣጕህይዎ ነበረ። ንኢዛቤል ጓል ንጉስ ሲዶን ተመርዕዩ ነበረ። ኢዛቤል ከኣ ኣምልኾ የሆዋ ኻብ ምድሪ እስራኤል ኣጥፊኣ ኣምልኾ በዓል ከተስፋሕፍሕ መዲባ ነበረት። ንኣከኣብ ድማ ብቕልጡፍ ጸለወቶ። ኣከኣብ ንበዓል፡ መቕደስን መሰውእን ሰርሓሉ፣ ነቲ ኣረማዊ ኣምላኽ ብምስጋድ ዝመጸ እውን መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ።—1 ነገ. 16:30-33

7. (ሀ) ንኣምልኾ በዓል ፍንፉን ዝገበሮ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እቲ ብግዜ ኤልያስ ዝነበረ ደርቂ ብዛዕባ ዝጸንሓሉ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ሓሳባት ከም ዘይህብ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ( ሳጹን እውን ርአ።)

7 ንኣምልኾ በዓል ፍንፉን ዝገበሮ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንብዙሓት እስራኤላውያን ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺርሕቑ ኣስዲዕዎም እዩ። ጽዩፍን ጭካነ ዝመልኦን ሃይማኖት ከኣ እዩ ነይሩ። ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ መቕደስ ዚገብርዎ ምንዝርን ጠገለ ዘይብሉ ጾታዊ ርኽሰትን ቈልዑ ምስዋእን ዜጠቓልል ኣምልኾ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ ናብ ኣከኣብ ለኣኾ፣ ደርቂ ኸም ዚኸውንን ኣምላኽ ብነብዪኡ ኣቢሉ መወዳእታኡ ኽሳዕ ዚሕብር ከም ዚቕጽልን ድማ ነገሮ። (1 ነገ. 17:1) ኤልያስ ንኣከኣብ ከይተራእዮ እተወሰነ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ መሊሱ ተራእዮ እሞ ንዅሉ ህዝብን ንነብያት በዓልን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኪእክቦም ነገሮ። *

እቲ ቐንዲ መለለዪ ኣምልኾ በዓል ዝዀነ ነገራት ሎሚ እውን ሰሲኑ ኣሎ

8. ብዛዕባ በዓል ዚገልጽ ጸብጻብ ሎሚ ንዓና እንታይ እዩ ዚነግረና፧

8 እሞኸ ደኣ እዚ ቓልሲ ንዓና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ ገሊኦም ሎሚ መቕደስ ኰነ መሰውኢ በዓል ስለ ዘየለ፡ እዚ ብዛዕባ ኣምልኾ በዓል ዚገልጽ ታሪኽ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ ዚገልጽ ኣይኰነን። (ሮሜ 15:4) እታ “በዓል” እትብል ቃል፡ “ወናኒ” ወይ “ጐይታ” ማለት እያ። የሆዋ ንህዝቡ ኸም ‘በዓሎም’ ወይ ከም ሰብኣዮም ገይሮም ኪሓርይዎ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 54:5) ይኹን እምበር፡ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ክንዲ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንእተፈላለዩ ጐይተት የገልግሉ ኸም ዘለዉስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ሰባት ደድሕሪ ገንዘብን ስራሕን መዘናግዕን ጾታዊ ባህታን ንምስዓብ ህይወቶም ብምጥቃሞም፡ ወይ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ማእለያ ንዘይብሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላኾም ብርግጽ ጐይታኦም መሪጾም እዮም። (ማቴ. 6:24፣ ሮሜ 6:16 ኣንብብ።) ስለዚ፡ እቲ ቐንዲ መለለዪ ኣምልኾ በዓል ዝዀነ ነገራት ሎሚ እውን ሰሲኑ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ በዓልን ዝነበረ ጥንታዊ ቓልሲ፡ ንመን ከም እነገልግል ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ።

‘ዚሕንክሱ’ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

9. (ሀ) ከረን ቀርሜሎስ፡ ኣምልኾ በዓል ናይ ሓሶት ምዃኑ ንምቅላዕ ምሹእ ቦታ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ኤልያስ ነቶም ህዝቢ እንታይ እዩ ኢልዎም፧

9 ኣብቲ ንፋስ ዝበዝሖ ኸረን ቀርሜሎስ ኴንካ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ እስራኤል፡ ማለት ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ርባ ቂሶን ክሳብ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ (ባሕሪ መዲተራነያን)፡ ከምኡ እውን ክሳብ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ርሒቑ ዚርከብ ኣኽራን ሊባኖስ ኪርአ ይከኣል እዩ። * ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ወሳኒት መዓልቲ እዚኣ፡ እቲ ትርኢት ሕማቕ እዩ ነይሩ። ኣብታ የሆዋ ንደቂ ኣብርሃም ዝሃቦም ፍርያም ዝነበረት ምድሪ፡ ሞት ኣንጸላልዩ ነበረ። እታ ምድሪ በታ ምሕረት ዘይብላ ጸሓይ ፈንከው ኢላን በቶም ዓያሱ ህዝቢ ኣምላኽ ዓንያን ነበረት! እቲ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ኤልያስ ናብኦም ቀሪቡ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ፧ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ስዓቡ፣ በዓል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንዕኡ ስዓቡ” በሎም።—1 ነገ. 18:21

10. ህዝቢ ኤልያስ ‘ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ ዚሕንክሱ’ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እንታይ መሰረታዊ ሓቂኸ እዮም ረሲዖም ነይሮም፧

10 ኤልያስ “ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣምልኾ የሆዋን ኣምልኾ በዓልን ሓዲኡ ኺመርጹ ኸም ዘለዎም ኣይተገንዘቡን ነይሮም። በቲ ዓመጻ ዚመልኦ ጽምብላቶም ንበዓል ብምሕጓስን ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሞገስ ብምሕታትን፡ ንኽልቲኦም ኬምልኹ ዚኽእሉ ይመስሎም ነበረ። ምናልባት በዓል ንኣእካሎምን መጓሰኦምን ኪባርኸሎም ከሎ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ከኣ ኣብ ውግእ ኪከላኸለሎም ከም ዚኽእል ሓሲቦም ይዀኑ። (1 ሳሙ. 17:45) ነቲ ሎሚ እውን ብዙሓት ዘይተገንዘብዎ፡ የሆዋ ንዕኡ ዚግባእ ኣምልኾ ንኻልእ ከም ዘየካፍል ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቂ ረሲዖምዎ እዮም ነይሮም። የሆዋ ምሉእ ተወፋይነት እዩ ዚሓትት፣ ይግብኦ ኸኣ እዩ። ምስ ካልእ ኣምልኾ ተሓናፊጹ ዚቐርብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ተቐባልነት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽዩፍ እውን እዩ!—ዘጸኣት 20:5 ኣንብብ።

11. እቲ ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራትን ንኣምልኾናን እንደገና ኽንምርምሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 ስለዚ፡ እስራኤላውያን ልክዕ ከምቲ ብሓንሳእ ብኽልተ መገዲ ኪኸይድ ዚፍትን ሰብ ኰይኖም ‘ይሕንክሱ’ ነበሩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ካልኦት “በዓላት” ሰላሕ ኢሎም ናብ ህይወቶም ኪኣትዉ ብምፍቃድን ኣምልኾ የሆዋ ዕሽሽ ብምባልን ተመሳሳሊ ጌጋ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። እዚ ምሕንካስ ክንሓድግ ዜነቓቕሕ ጻውዒት ኤልያስ፡ ነቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራትን ንኣምልኾናን እንደገና ኽንምርምሮ ይሕግዘና።

ወሳኒ ፈተና

12, 13. (ሀ) ኤልያስ እንታይ ፈተና እዩ ኣቕሪቡ፧ (ለ) ከምቲ ኤልያስ ዝነበሮ ምትእምማን ከም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ኤልያስ ቀጺሉ ፈተና ኣቕረበ። እቲ ፈተና ኣዝዩ ቐሊል እዩ ነይሩ። ካህናት በዓል መሰውኢ ብምህናጽ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኼንብርዎ፡ ድሕርዚ ኸኣ ነቲ መስዋእቲ ብሓዊ ምእንቲ ኺበልዖ ናብ ኣምላኾም ኪጽልዩ ነበሮም። ኤልያስ እውን ናብ ኣምላኹ ኸምኡ ኺገብር ነበሮ። ኤልያስ፡ “እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ፡ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኼርኢ እዩ” በለ። ኤልያስ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ ኸኣ፡ ነቶም ተጻረርቱ ሰጋእ መጋእ ከይበለ ኵሉ ሓለፋታት ሃቦም። ኣቐዲሞም ኪጅምሩ ኸኣ ፈቐደሎም። ስለዚ፡ እቶም ነብያት በዓል ንመስዋእቲ ዝዀኖም ዝራብዕ ሓርዮም ናብ በዓል ቀረቡ። *1 ነገ. 18:24, 25

13 ሎሚ ተኣምራት ኣብ ዚግበረሉ እዋን ኣይኰንናን እንነብር ዘለና። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኣይተቐየረን። ንሕና እውን ከምቲ ኤልያስ ዝነበሮ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካልኦት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ዘይሰማምዑ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ከይፈራህና ኣቐዲሞም ሓሳቦም ከም ዚገልጹ ንገብር ኢና። ልክዕ ከም ኤልያስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዜጋጥመና ጕዳይ ኬደቅሶ ኽንጽበ ንኽእል ኢና። ከምዚ እንገብር ኣብ ገዛእ ርእስና ብምትእምማን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ “ንምቕናዕ” ተባሂሉ እተዳለወ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ትውክልቲ ብምግባር እዩ።—2 ጢሞ. 3:16

ኤልያስ ኣምልኾ በዓል ናይ ሓሶት ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ነዚ ኺግንዘቡ ደለዮም

14. ኤልያስ ንነብያት በዓል ብኸመይ እዩ ኣላጊጹሎም፧ ስለምንታይከ፧

14 ነብያት በዓል መስዋእቶም ኣሰናድዮም ናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። “ኦ በዓል፡ መልሰልና!” እናበሉ ድማ ደጋጊሞም ጨደሩ። ከምዚ እናበሉ ደቓይቕ ከምኡ እውን ሰዓታት ሓለፈ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ግናኸ፡ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚምልስ እውን ኣይነበረን” ይብለና። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ ኤልያስ፡ በዓል ንኺምልስ ይሓስብ ከይህሉ፡ ጾር ኬፋዅስ ከይዱ ኸይከውን፡ ወይ ደቂሱ ኸይህሉ ኼበራብርዎ ብምዝራብ ኬላግጸሎም ጀመረ። ነቶም መደናገርቲ ድማ፡ “ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ” በሎም። ኤልያስ ኣምልኾ በዓል ናይ ሓሶት ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ነዚ ኺግንዘቡ ደለዮም።—1 ነገ. 18:26, 27

15. ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ጐይታ ምምራጽ ዕሽነት ምዃኑ፡ ኣብ ካህናት በዓል እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

15 ካህናት በዓል ዝያዳ ዓበድበድ በሉ፣ “ዓው ኢሎም ከኣ ይጭድሩ፡ ከምቲ ልምዶም ድማ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም ክሳዕ ዚፈስስ ብሽቶልን ብሕላስን ሰብነቶም ይበጥሑ ነበሩ።” እዚ ግና ረብሓ ኣይነበሮን! “ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚምልስ ከኣ ኣይነበረን፡ ዜቕልብ እውን ኣይነበረን።” (1 ነገ. 18:28, 29) ብርግጽ፡ በዓል ኣይነበረን። ንሰባት ካብ የሆዋ ንምርሓቕ ተባሂሉ ብሰይጣን እተኣልመ ምህዞ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ጐይታ ምምራጽ ናብ ጓህን ውርደትን እዩ ዚመርሓና።—መዝሙር 25:3፣ 115:4-8 ኣንብብ።

ምላሽ

16. (ሀ) ኤልያስ ነቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝነበረ መሰውኢ ንየሆዋ ምሕዳሱ፡ ነቶም ህዝቢ እንታይ እዩ ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ኤልያስ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ምትእምማን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ፡ ኤልያስ መስዋእቲ ዜቕርበሉ ተራ በጽሐ። ንሱ ኸኣ በቶም ጸላእቲ ንጹህ ኣምልኾ ፈሪሱ ንዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ሓደሶ። ምናልባት ንሓያሎ ኻብቶም ብ10 ነገድ ዝቘሙ ህዝቢ እስራኤል ነቲ ንዅሎም እቶም 12 ነገድ እተዋህበ ሕጊ ኺሕልውዎ ግዴታ ኸም ዘለዎም ንምዝኽኻር ኢሉ እዩ ዚኸውን 12 ኣእማን ተጠቕመ። ድሕሪዚ ነቲ መስዋእቱ ኣብኡ ኣንበሮ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ባሕሪ መዲተራነያን ረኺብዎ ኪኸውን ዚኽእል ማይ ኣፍሰሰሉ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ጕድጓድ ኵዒቱ እውን ብማይ መልኦ። ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ምትእምማን ምእንቲ ኼርኢ፡ ንነብያት በዓል ኵሉ ሓለፋታት ሂቡ፡ ንየሆዋ ግና ዋላ ሓንቲ ሓለፋ ኣይሃቦን።—1 ነገ. 18:30-35

ብዛዕባ እቶም ህዝቢ ኸም ዚግደስ ኣርኣየ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ‘ንልቦም ናብኡ ኺመልሶ’ ኸሎ ኺርኢ ሃንቀው እዩ ዚብል ነይሩ

17. እቲ ኤልያስ ዘቕረቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራት ዚገልጽ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብ ጸሎትና ብኸመይ ኣብነቱ ኽንስዕብ ንኽእል፧

17 ኤልያስ ኵሉ ነገር ምስ ኣዳለወ ጸለየ። እቲ ዘቕረቦ ንጹር ጸሎት፡ ኤልያስ ቀዳምነት ዚህቦ ነገር እንታይ ምዃኑ ብንጹር ዚሕብር እዩ ነይሩ። ቅድም ቀዳድም፡ “ኣብ እስራኤል ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ደኣ እምበር፡ በዓል ከም ዘይኰነ ኺፍለጥ ደልዩ ነይሩ እዩ። ካልኣይ፡ ኣገልጋሊ የሆዋ ምዃኑን ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ኪውሃብ ከም ዚግባእን ኵሉ ሰብ ኪፈልጥ ደልዩ ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ እቶም ህዝቢ ኸም ዚግደስ ኣርኣየ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ‘ንልቦም ናብኡ ኺመልሶ’ ኸሎ ኺርኢ ሃንቀው እዩ ዚብል ነይሩ። (1 ነገ. 18:36, 37) ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ሕማቕ ተግባራት እኳ እንተ ገበሩ፡ ኤልያስ ግና ይፈትዎም ነይሩ እዩ። ንሕናኸ፡ ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ጸሎት፡ ትሕትና ኸም ዘሎናን ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኸም እንግደስን ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ከም እንርሕርሓሎምን ከነርኢ ንኽእል ዲና፧

18, 19. (ሀ) የሆዋ ነቲ ኤልያስ ዘቕረቦ ጸሎት ብኸመይ እዩ መሊሱሉ፧ (ለ) ኤልያስ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዚዝዎም፧ ካህናት በዓል ምሕረት ዘየድልዮም ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኤልያስ ቅድሚ ምጽላዩ፡ እቶም ህዝቢ፡ የሆዋ እውን ከም በዓል ናይ ሓሶት ዚኸውን እንተ ዀይኑ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ጸሎት ግና ዜተሓሳስብ ነገር ኣይነበረን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሽዑ፡ ሓዊ ኻብ የሆዋ ወረደ፡ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ዕንጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፣ ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይ ከኣ ለሓሶ።” (1 ነገ. 18:38) ከመይ ዝበለ መስተንክር ምላሽ ኰን እዩ! እሞኸ እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

“ሓዊ ኻብ የሆዋ ወረደ”

19 ኵሎም፡ “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ! የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ!” እናበሉ ጨደሩ። (1 ነገ. 18:39) ኣብ መወዳእታ እቲ ሓቂ ረኣዩ። ይኹን እምበር፡ ገና እምነት ኣየርኣዩን። ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ ጸሎት ምላሽ ኪህብ ድሕሪ ምርኣይ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምእማን፡ ዜደንቕ መርኣያ እምነት ከም ዘይኰነ ግልጺ እዩ። ስለዚ፡ ኤልያስ ብኻልእ መገዲ እምነቶም ንኼርእዩ ሓተቶም። ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ኪገብርዎ ዝነበሮም ነገር ኪገብሩ፡ ማለት ሕጊ የሆዋ ኺሕልዉ ሓተቶም። ሕጊ ኣምላኽ እቶም ናይ ሓሶት ነብያትን ኣምለኽቲ ጣኦትን ኪቕተሉ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 13:5-9) እዞም ካህናት በዓል ደይ መደይ ኢሎም ምስ ዕላማ የሆዋ ኣምላኽ ብምጽራሮም፡ ጸላእቱ እዮም ነይሮም። ምሕረት ዚግብኦም ድዮም ነይሮም፧ ነቶም ብህይወቶም ከለዉ ንበዓል መስዋእቲ ኪዀኑ ተባሂሎም ኣብ ሓዊ እተደርበዩ ኽፍኣት ዘይብሎም ቈልዑ መንዶ ምሕረት ገይሩሎም እዩ፧ (ምሳሌ 21:13 ኣንብብ፣ ኤር. 19:5) እቶም ሰባት እቲኦም ምሕረት ዚግብኦም ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ ኤልያስ ኪቕተሉ ኣዘዘ እሞ ተቐትሉ።—1 ነገ. 18:40

20. ዘመናውያን ሓያስያን፡ ኤልያስ ንኻህናት በዓል ብምቕታሉ ዜቕርብዎ ነቐፋ መሰረት ዘይብሉ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

20 ገሊኦም ዘመናውያን ሓያስያን፡ ንመደምደምታ እዚ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተገብረ ፈተና ይነቕፍዎ እዮም። ገሊኦም ሰባት፡ እቶም ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ቕንኣት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ዘይብሉ ናይ ዓመጽ ተግባራቶም ከም መመኽነይታ ኸይጥቀምሉ ይጭነቑ ይዀኑ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ሎሚ ብዙሓት ሕሱማት ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ምህላዎም እዩ። ኤልያስ ግና ኣኽራሪ ኣይነበረን። ከም ወኪል የሆዋ ዀይኑ እዩ ብፍትሓዊ መገዲ ዝቐተሎም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰይፊ ብምልዓል ንመገዲ ኤልያስ ኪስዕቡ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም። እቲ መሲሕ ድሕሪ ምምጻኡ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በተን፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ” ዚብላ ክርስቶስ ንጴጥሮስ እተዛረበን ቃላት ኪምርሑ ኣለዎም። (ማቴ. 26:52) የሆዋ ብወዱ ገይሩ ኣብ መጻኢ ፍትሒ ኺፍጽም እዩ።

21. ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኤልያስ ዝገደፎ ኣብነት ኪስዕቡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

21 ሓላፍነት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብእምነት ምንባር እዩ። (ዮሃ. 3:16) ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ኣስኣሰር እቶም ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ብምስዓብ እዩ። ኤልያስ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ ዜምልኽ ነይሩ፣ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ድማ የተባብዕ ነይሩ እዩ። እቲ ሰይጣን ንሰባት ካብ የሆዋ ንምርሓቕ ዚጥቀመሉ ሃይማኖት፡ መታለሊ ምዃኑ ብትብዓት ኣቃሊዑ እዩ። ኣብ ናይ ርእሱ ኽእለትን ፍቓድን ኣብ ክንዲ ዚምርኰስ ከኣ፡ ነቲ ጕዳይ መዕለቢ ኺገብረሉ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። ብርግጽ፡ ኤልያስ ንንጹህ ኣምልኾ ተሓሊቑሉ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ኣስኣሰር እምነቱ ንስዓብ!

^ ሕ.ጽ. 9 ከረን ቀርሜሎስ ካብቲ ኻብ ባሕሪ ተላዒሉ ብእኡ ኣቢሉ ዚሓልፍ ጠሊ ዘለዎ ንፋስ ብተደጋጋሚ ዝናምን ኣውልን ስለ ዚረክብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ልሙዕን ሓምላይን እዩ። በዓል፡ ዝናም ከም ዜምጽእ ጌርካ ይእመነሉ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ኸረን እዚ ንኣምልኾ በዓል ኣገዳሲ ስፍራ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቀርሜሎስ ምድሪ ኣጻምእን ደረቕን ምዃኑ ግና፡ ኣምልኾ በዓል ናይ ሓሶት ምዃኑ ንምቅላዕ ምሹእ ቦታ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ኤልያስ፡ ነቲ መስዋእቲ “ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” ኸም ዝበሎም ከነስተውዕል ኣሎና። ሓድሓደ ምሁራት ከም ዚብልዎ ገሊኦም ኣምለኽቲ ጣኦት ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ኣብ ዚርከብ ስዉር ክፉት ቦታ ሓዊ ይገብሩሉ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ልዕለ ባህርያዊ ደገፍ ከም ዘለዎም የምስሉ ነበሩ።