ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ ብናጻ ዚርከብ ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ቤተ መጻሕፍትና፡ ብዕምቈት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርን ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትርድኦን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ፍልጠትካ ንምስፋሕ ቪድዮታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኢንሳይክሎፔድያ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካርታ ወይ ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማህደረ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካልእ ብናጻ ዚርከብ ናውቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣንብብ

ንትሕዝቶ ትርጉም ሓዳስ ዓለም መርምሮ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብቐሊሉ ኸተንብቦን ክትርድኦን ትኽእል ኢኻ።

ቪድዮታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

መእተዊ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ዅለን መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ነጥብታትን ድሕረ ባይታን ዝሓዘ ሓበሬታ።

ኣገዳሲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ

እዚ ሓጸርቲ ትምህርትታት ቪድዮ እዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ንዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምልሶ፦ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ናውትን መወከሲታትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኤንሳይክሎፐድያ መጽሓፍ ቅዱስ

ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ብኣሽሓት ዚቝጸር ዝርዝር እታዋት ዝሓዘ እዩ። ገለ ኻብዚ ትሕዝቶኡ ብዛዕባ ሰባት፡ ቦታታት፡ ኣትክልቲ፡ እንስሳታት፡ ኣገዳሲ ፍጻመታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ቓላት እዩ። ነዚ ኤንሳይክሎፐድያ ምስ ኣራገፍካዮ፡ ኣብኡ ካርታታት፡ ፍቶግራፋት፡ ስእልታት፡ ከምኡ እውን መሐበሪ ርእሰ ነገርን መሐበሪ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ጽማቝ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ነቲ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትርድኦ እትሕግዝ ሓጻር ጽማቝ እያ።

ኣትላስ መጽሓፍ ቅዱስ

“ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እተፈላለየ ቦታታት ዚገልጽ ካርታታትን ሰሌዳታትን ዝሓዘት ኣትላስ እያ። ምናዳ ኸኣ ነቲ ምድሪ ተስፋ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ዝነበራ መልክዕ ትሕብር እያ።

ዕለታዊ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ነንመዓልቲ እተዳለወ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ነታ ጥቕሲ ዚኸውን ሓሳባትን ሒዛ ኣላ።

መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኸተንብብ፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን መደብ ከተውጽእ፡ ታሪኻዊ ፍጻመታት ክትፈልጥ፡ ወይ ንፈለማ እዋን መደብ ከተውጽእ እንተ ደሊኻ፡ እዚ መደብ እዚ ኺሕግዘካ እዩ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ የሱስ፡ ጸሎት፡ ስድራ ቤት፡ መከራ፡ በዓላት፡ ህይወት፡ ሞት ከምኡ እውን ካልእ ጉዳያት ንዚልዓል ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ኣንብብ።

ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት (opens new window)

ብሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌርካ፡ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ድለ።

ብሓገዝ ናይ ብሕቲ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ብናጻ ዚቐርብ ኣሳታፊ ትምህርቲ፡ ዝደለኻዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ንብዘለዉ ስድራ ቤትካ ወይ ንዝዀነ ዓርክኻ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ።

ክትብጻሕ ሕተት

ብዛዕባ ሕቶ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥ፡ ወይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ፍለጥ።