ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ብምስባኾም ድሕነት ከም ዚረኽቡ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖም፧

ብዛዕባ ድሕነትን ድሕነት ብዛዕባ እንረኽበሉ መገድን እንታይ ከም እንኣምን ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ብምስባኾም ድሕነት ከም ዚረኽቡ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖም፧

ብዛዕባ ድሕነትን ድሕነት ብዛዕባ እንረኽበሉ መገድን እንታይ ከም እንኣምን ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመአከቢኦም ቤተ ክርስትያን ኢሎም ዘይጽውዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

መበቈል እቲ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል መጸውዒ እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ከም እንጥቀመሉን ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ይህቡ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወሰነ መጠን ገንዘብ ኪውፍዩ ይሕተቱ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ይኣምኑ ድዮም፧

ብየሱስ ምእማን ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለምንታይ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖቶም ጥራይ ናይ ሓቂ ኸም ዝዀነት ድዮም ዚኣምኑ፧

የሱስ፡ ናብ ድሕነት ዚወስድ ብዙሕ መገድታት ከም ዘሎ ተዛሪቡ ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሳቶም ጥራይ ዚድሕኑ ድዩ ዚመስሎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ መን ኪድሕን ከም ዚኽእል ይገልጽ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሃይማኖታት ይጻወርወን ድዮም፧

ተጻዋርነት ምርኣይ፡ ብኸመይ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀነ ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

ምስ ምምሕልላፍ ደም ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግጉይ ምርዳእ ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት፡ ብዛዕባ እምነታትና እቲ ቕኑዕ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክታበት ይቃወሙ ድዮም፧

ብዛዕባ ክታበት ኣብ እንገብሮ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ኽልተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ድዮም ዚኣምኑ፧

ኵሉ ፍጥረት ቃል ብቓሉ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸም እተፈጥረ ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ትፈልጥዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ስነ ፍልጠት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

እምነታቶም ምስ ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ይሰማማዕ ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሉይ ኪዳን ይኣምኑ ድዮም፧

ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧ ክርስትያናት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እንታይ ጠቓሚ ታሪኽን ግብራዊ ምኽርን ከም ዚረኽቡ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለ ኻብ እምነታቶም ዝቐየሩ ስለምንታይ እዮም፧

እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎና ምርዳእ እንገብሮ ምትዕርራይ ኬሰምብደና የብሉን። ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ንኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት እውን፡ ኣረኣእያኦም ኣዐርዮም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ኣምልኾና መስቀል ኣይንጥቀምን ኢና። ስለምንታይ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ በየናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታት እዮም ዚምርሑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚረኽብዎ ወፈያታት ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃብቲ ንምኽዕባት ድዮም ዚጥቀሙሉ፧

ስለምንታይ ኢኹም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልኩም፧

ምንጪ ስምና እንታይ ምዃኑ ኣንብብ።

ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧

ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እንጽብጽብ ርአ።

መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዩ፧

ቻርለስ ቴዝ ራስል ስለምንታይ መስራቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይኰነ ኣንብብ።

ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ነቲ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ዚጥቀማሉ ሜላታት ኣይንጥቀምን ኢና።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ይህቡ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተወሰነ መጠን ገንዘብ ኪውፍዩ ይሕተቱ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሞዝ ዚኽፈሎም ኣቕሽሽቲ ኣለውዎም ድዮም፧

ቀሺ-ምእመናን ዚብሃል ክፍፍል ኣሎ ድዩ፧ መዝነት እተዋህቦም ኣገልገልቲ መን እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰበኽቲ ኣለዋኦምዶ፧

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት፡ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ግደ ኣለወን፧

ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እየን ዚውደባ፧

መምርሒታትን ትምህርትታትን ብኸመይ ከም እንረክብ ኣንብብ።

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ እዩ፧

ምስ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ዚቐርበሎም ክሲ ዘይምልሱሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክስታትን ሕቶታትን ምስ ዚቐርበሎም፡ ነቲ “ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” ዚብል ስርዓታት መጻሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ እንታይ ከም ዚገብሩ ኪውስኑ ይጽዕሩ።—መክብብ 3:7።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ብምስባኾም ድሕነት ከም ዚረኽቡ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖም፧

ብዛዕባ ድሕነትን ድሕነት ብዛዕባ እንረኽበሉ መገድን እንታይ ከም እንኣምን ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ የገድድዎም ድዮም፧

እቲ ብግህዶ ዚግበር ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰባት ሃይማኖቶም ከም ዚቕይሩ ንምግባር ድዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ሃይማኖቶም ኪቕይሩ ኼገድድዎም ድዮም ዚፍትኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ብናጻ ዚቐርብ ኣሳታፊ ትምህርቲ፡ ዝደለኻዮ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ንብዘለዉ ስድራ ቤትካ ወይ ንዝዀነ ዓርክኻ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዕዮ ሚስዮናውነት ይዓይዩ ድዮም፧

ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ዚካፈሉ መን እዮም፧ ስለምንታይ፧ ነዚ ዕዮ እዚኸ ፍሉይ ስልጠና ይውሃበኩም ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰበኽቲ ኣለዋኦምዶ፧

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት፡ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ግደ ኣለወን፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመአከቢኦም ቤተ ክርስትያን ኢሎም ዘይጽውዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

መበቈል እቲ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል መጸውዒ እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ከም እንጥቀመሉን ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ኣምልኾና መስቀል ኣይንጥቀምን ኢና። ስለምንታይ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንድራር ጐይታ ወይ ንበዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ እንታይ ከም ዚብል ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ በየናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታት እዮም ዚምርሑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ርእሶም መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ ዘለዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ዝያዳ ረብሓ ኽትረክብ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መጽናዕትኻ ኽትጥቀመሉ ምኽንያት ኪዀነካ ዚኽእል ሰለስተ ነጥብታት ኣሎ።

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ካብ ካልእ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሉይ ኪዳን ይኣምኑ ድዮም፧

ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧ ክርስትያናት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እንታይ ጠቓሚ ታሪኽን ግብራዊ ምኽርን ከም ዚረኽቡ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዘይዋግኡ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይዋግኡን እዮም። ስለምንታይ ከም ዘይንዋጋእ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑን ንዘይኰኑን ሰባት ብኸመይ ግብራዊ ሓገዝ ከም እንገብረሎም ተምሃር።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕክምናዊ ሓገዝ ይቕበሉ ድዮም፧

ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ዓይነት ሕክምና ኸም ዚነጽግዎ እዮም ዚሓስቡ። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክታበት ይቃወሙ ድዮም፧

ብዛዕባ ክታበት ኣብ እንገብሮ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና ኽልተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧

ምስ ምምሕልላፍ ደም ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግጉይ ምርዳእ ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት፡ ብዛዕባ እምነታትና እቲ ቕኑዕ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርቲ ብኸመይ ይርእይዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዓለማዊ ትምህርቲ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ነየናይ ስርዓታት እዮም ኣብ ግምት ዜእትዉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ሃይማኖቶም ኪስዕቡ ይግድድዎም ድዮም፧

ከምቲ ብዙሓት ወለዲ ዚምነይዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንደቆም ጽቡቕ እዮም ዚምነዩሎም። ንደቆም ይጠቕሞም ኢሎም ዝኣመኑሉ ነገራት ይምህርዎም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ይበታትኑ ድዮም ወይስ ይሃንጹ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤታት ከም ዚበታትኑ ይኽሰሱ እዮም። ብሓቂ ግና ስድራ ቤታት ይበታትኑ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ሕግታት ኣለዎም ድዩ፧

ዓርኪ ምሓዝ መዘናግዒ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ረዚን ምኽንያት ኣለዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ፍትሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓዳሮም ጸገም ንዘለዎም ሰብ ሓዳር ይሕግዝዎም ድዮም፧ ሽማግለታት ጉባኤ ንፍትሕ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኬጽድቕዎ የድልዮም ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእግድዎ ፊልም፡ መጽሓፍ፡ ወይ ሙዚቃ ኣሎዶ፧

ሓደ ክርስትያን መዘናግዒ ኺመርጽ ከሎ ኺሓስበሉ ዘለዎ መሰረታዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን በዓላትን ዚልዓል ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ርአ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓያሎ ሰባት፡ በዓል ልደት ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ እናፈለጡ የብዕሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ስለምንታይ ከም ዘየብዕሉ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓያሎ ሰባት፡ በዓል ልደት ክርስትያናዊ በዓል ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘየብዕልዎ ግና ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ኣምላኽ ንበዓላት ዕለተ ልደት ዘይሕጐሰሉ ምኽንያት ዜርኢ ኣርባዕተ መዳያት መርምር።

ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ዚግበር፧

ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኵሉ ሕደ ዝዀነ ቐንዲ ነገር ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንድራር ጐይታ ወይ ንበዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ እንታይ ከም ዚብል ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቐብሪ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቐብሪ ብዚምልከት ዚገብርዎ ውሳነታት ኣብቲ ብዛዕባ ሞት ዘለዎም እምነት እተሞርከሰ እዩ። ብመሰረት እንታይ ስርዓታት እዮም ውሳነ ዚገበሩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ድዮም፧

ክርስትያናት ካብ ዚብሃሉ ኻልኦት ሃይማኖታት ብኸመይ ከም እንፍለ ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧

ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ክርስትያናት ዚብሃላ ካቶሊክ ዘይኰና ሃይማኖታት ዚፈልዮም ክልተ ሓቅታት ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኑፋቐ ኣመሪካውያን ዲኹም፧

ብዛዕባ እዚ ዓለምለኻዊ ውደብ እዚ፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዮናውያን ድዮም፧

እምነታትና ኣብቲ ንዝዀነ ዓሌት ካብ ካልኦት ክብ ዘየብል ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መናፍቕ ድዮም፧

ነቲ ብዛዕባ መናፍቕ ዚገልጽ ክልተ ኣረኣእያ ምስቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ሓቂ ኣወዳድሮ።

ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧

ብዝሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እንጽብጽብ ርአ።

ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ማቴዎስ 28:19, 20 ኣገዳሲ ዝዀነ ሰለስተ ስጕምቲ ይገልጽ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ እዮም። ምሳና እንተ ኣጽኒዕካ ግና፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ኣሎካ ማለት ድዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሃይማኖቶም ንዝነበሩ ሰባት የርሕቕዎም ድዮም፧

ሓድሓደ እዋን ውገዳ ኣድላዪ እዩ፡ ነቲ ሰብ ድማ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።