ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

መዝሙር 111 መሐጐሲና

ካብ መንፈሳዊ ገነት ኣይትውጻእ

ካብ መንፈሳዊ ገነት ኣይትውጻእ

“በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ዘለኹ ተፈስሁ፡ ንዘለኣለም እውን ተሓጐሱ።”ኢሳ. 65:18

ኣትኵሮ

ካብ መንፈሳዊ ገነት ብኸመይ ከም እንጥቀምን ንሰባት ናብኡ ብኸመይ ከም እንስሕቦምን ተምሃር።

1. መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧ እንታይ ንምግባርከ ኢና ቘሪጽና ዘለና፧

 ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ብዙሓት ሰባትን ብዙሕ ንጥፈታትን ዘለዎ ገነት ኣሎ። ኣብቶም ኣብኡ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ። እቶም ኣብዚ ገነት እዚ ዘለዉ፡ ካብኡ ንዘይምውጻእ ቈሪጾም ኣለዉ። ንብዙሓት ሰባት እውን፡ ኣብዚ ፍሉይ ኵነታት ኪጽምበርዎም ዕድመ የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ዅነታት እዚ እንታይ እዩ፧ መንፈሳዊ ገነት እዩ! a

2. ንመንፈሳዊ ገነት ዜደንቕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

2 የሆዋ ኣብዛ ጽልእን እከይን ዝመልኣ ሓደገኛ ዓለም፡ ህድኣት ዝሰፈኖ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ራእ. 12:12) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ነቲ እዚ ስርዓት እዚ ዜሕድሮ ጎዳኢ ጽልዋ ይርእዮ ኣሎ። ብመንፈሳዊ መዳይ ክንብልጽግ ዜድልየና ዕቝባ ድማ ኣዳልዩልና ኣሎ። ቃሉ ነዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ፡ “መዕቈቢ” ወይ “ማይ . . . ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳ. 4:6፣ 58:11) እቶም ኣብዚ ገነት እዚ ዚነብሩ ሰባት ኣብዚ ኣጸጋሚ ዳሕሮት መዓልትታት እኳ፡ ብበረኸት የሆዋ ሓጐስን ዕቝባን ኪረኽቡ ኽኢሎም ኣለዉ።—ኢሳ. 54:14፣ 2 ጢሞ. 3:1

3. ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 65 ዘሎ ትንቢት ኣብ መጀመርታ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

3 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ምንባር ከመይ ከም ዝዀነ ገሊጹልና ኣሎ። ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 65 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትንቢት ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ብ537 ቅ.ክ. እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እተነስሑ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ወጹ፣ ናብ ዓዶም እውን ተመልሱ። የሆዋ ድማ ንህዝቡ ባረኾም፣ ነታ ዓንያ ዝነበረት ከተማ የሩሳሌም ዳግም ውቅብቲ ኺገብርዋን ነታ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዳግም ኪሃንጽዋን እውን ሓገዞም።—ኢሳ. 51:11፣ ዘካ. 8:3

4. ኢሳይያስ ምዕራፍ 65 ኣብዚ ግዜና ብኸመይ እያ ተፈጺማ፧

4 ብ1919 ድ.ክ. ትንቢት ኢሳይያስ ካልኣይ ሳዕ ኪፍጸም ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጹ። ድሕሪኡ፡ እቲ መንፈሳዊ ገነት ኣብ ብዘላ ምድሪ ቕርጺ ኺሕዝ ጀመረ። ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሓት ጉባኤታት ኣቘሙ፡ መንፈሳዊ ፍረ እውን ፈረዩ። ዓመጽትን ርኹሳትን ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን፡ “ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ለበሱ። (ኤፌ. 4:24) ልክዕ እዩ፡ ሓያሎ ኻብቲ ኣብ ኢሳይያስ ተገሊጹ ዘሎ በረኸት፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ሓዳስ ዓለም እዩ ቓል ብቓሉ ዚፍጸም። ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺብና ኣለና። እምበኣር፡ እዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና፡ ካብኡ እውን ስለምንታይ ክንወጽእ ከም ዘይብልና እስከ ንርአ።

መለለዪ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዘለዉ ሰባት

5. ኣብ ኢሳይያስ 65:13 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ገነት እንታይ በረኸት እዩ ዘሎ፧

5 ጥዕናን ዕረፍትን ኣለዎም። ትንቢት ኢሳይያስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ገነት ዘለዉ ሰባትን ካብኡ ወጻኢ ዘለዉ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 65:13 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ኣምለኽቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ብብዝሒ የማልኣሎም እዩ። ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ሂቡና ኣሎ። ስለዚ፡ ‘ክንበልዕን ክንሰትን ክንሕጐስን’ ንኽእል ኢና። (ራእይ 22:17 ኣረኣኢ።) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ካብ መንፈሳዊ ገነት ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ‘ይጠምዩን ይጸምኡን ይሓፍሩን’ እዮም። ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ኸኣ ኣይረኽቡን እዮም።—ኣሞ. 8:11

6. መንፈሳዊ መሰናድዎና ኣብ ዮኤል 2:21-24 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ ካብኡኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

6 ዮኤል ኣብ ትንቢቱ፡ የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት፡ እንተላይ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዜማልኣሎም ንምግላጽ፡ ከም እኽልን ወይንን ዘይቲ ኣውልዕን ዝኣመሰለ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። (ዮኤ. 2:21-24) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ብወብሳይትናን ብኣኼባታትናን ኣቢሉ እዩ ዜድልየና ዘበለ ዜማልኣልና። ካብዚ መንፈሳዊ መሰናድዎ እዚ መዓልቲ መዓልቲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጥዕናን ዕረፍትን ንረክብ።

7. እንታይ ነገራት እዩ “ብሓጐስ ልቢ” እልል ከም እንብል ዚገብረና፧ (ኢሳይያስ 65:14)

7 ሓጐስን ዕግበትን ኣለዎም። ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ልቦም ሞሳ ስለ ዚጅርብብ፡ “እልል ኪብሉ” ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 65:14 ኣንብብ።) እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዜተባብዕ ሓቅታትን ዜጸናንዕ ተስፋታትን፡ ከምኡ ድማ እቲ ክርስቶስ ኣብ ዝኸፈሎ በጃ እተመርኰሰ ርግጽ ተስፋ “ብሓጐስ ልቢ” እልል ከም እንብል ይገብረና እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምዝርራብ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።—መዝ. 34:8፣ 133:1-3

8. ክልተ ኻብቲ ቐንዲ መለለዪ መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧

8 ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ክልተ ኻብቲ ቐንዲ መለለዪ መንፈሳዊ ገነት እዩ። እዚ “ማእሰር ሓድነት” እዚ፡ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ከም ዚመስል ክንስእሎ የኽእለና እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝያዳ ፍቕርን ሓድነትን ኬስተማቕሩ እዮም። (ቈሎ. 3:14) ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ምስ ህዝቢ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ኣብ እተራኸበትሉ እዋን እንታይ ከም እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ መንጎ ቤተ ሰበይ እውን እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ሕጕስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ ንመጀመርታ እዋን ብግብሪ እተሰነየት ፍቕሪ ርእየ” ትብል። ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኪረክብ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንመንፈሳዊ ገነትና ኺጥዕሞ ኣለዎ። እዛ ዓለም እዚኣ ብዛዕባ ኣገልገልቲ የሆዋ እትሓስቦ ብዘየገድስ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ንዕኡ ዜምልኹ ፍጡራትን ጽቡቕ ስም ኣለዎም።—ኢሳ. 65:15

9. ኢሳይያስ 65:16, 17 ብዛዕባ ጭንቂ እንታይ እያ እተተስፉ፧

9 ቅሳነትን ህድኣትን ኣለዎም። ኢሳይያስ 65:14 ነቶም ካብ መንፈሳዊ ገነት ወጻኢ ኺነብሩ ዚውስኑ፡ “ብሰንኪ ስቓይ ልቢ ኽትግዕሩ፡ ብሰንኪ ስቡር መንፈስ ድማ ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም” ትብሎም እያ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜሕልፍዎ ብዙሕ ስቓይን ጭንቅን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብ መወዳእታኡ፡ ‘ኪርሳዕ፡ ካብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ከኣ ኪኽወል እዩ።’ (ኢሳይያስ 65:16, 17 ኣንብብ።) የሆዋ ንጸገማትና ኼወግዶ እዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ እቲ መከራ ዜስዕቦ ሕማቕ ተዘክሮ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ እዩ።

10. ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ክትሓብር ምኽኣልካ ብሓቂ በረኸት እዩ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ሕጂ እውን እንተ ዀነ የህድኣና እዩ። ኣብኡ ነቲ እዛ እክይቲ ዓለም እተስዕቦ ውጥረት ስለ እንርስዖ፡ ፍዅስ ይብለና እዩ። ምስ ፍረ መንፈስ ዚጽብጸብ ከም እኒ ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን ለውሃትን ልእመትን ዝኣመሰለ ባህርያት ከነርኢ ኸለና ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ሃዋህውና ዘሎ ህድኣት ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (ገላ. 5:22, 23) ክፍሊ ውድብ ኣምላኽ ምዃንና ብሓቂ በረኸት እዩ! እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዚነብሩ ሰባት፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ዘተስፈዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም።

ክፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኴንካ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ምእታው ብሓቂ በረኸት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) c


11. ብመሰረት ኢሳይያስ 65:18, 19 እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ መንፈሳዊ ገነት ኣባና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ኣለዎ፧

11 ምስጋናን ህንጥዮትን ኣለዎም። ኢሳይያስ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንነብር ዘበልና “ተፈስሁ፡ ንዘለኣለም እውን ተሓጐሱ” ዝበለሉ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። ነዚ ሃዋህው እዚ የሆዋ እዩ ፈጢርዎ። (ኢሳይያስ 65:18, 19 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንሰባት ካብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ደረቕ ዝዀነ ውድባት እዛ ኣረጊት ዓለም ናብቲ ውቁብ መንፈሳዊ ሃዋህው ክንመርሖም እንተ ተጠቕመልና ዜገርም ኣይኰነን። በቲ ኣብ ሓቂ ብምዃንና ዝረኸብናዮ በረኸት ንህንጠ ኢና፣ ንሰባት እውን ብዛዕባኡ ንምንጋር ንለዓዓል ኢና።—ኤር. 31:12

12. ኣብ ኢሳይያስ 65:20-24 ዘሎ ተስፋታት እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧ ስለምንታይከ፧

12 እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንነብር ዘበልና፡ ስለቲ ተስፋና ነመስግን ኢና፡ ብእኡ እውን ንህንጠ ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም እንርእዮን እንገብሮን እሞ ሕስብ ነብል። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል እዩ ዜተስፍወና፦ “ሒደት መዓልትታት ጥራይ ዚነብር ሕጻን ኰነ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ዘይነብር ኣረጊት ኣብኣ ኣይኪርከብን እዩ። . . . ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም።” ሽዑ ‘ብየሆዋ እተባረኽና’ ስለ እንኸውን፡ ‘ንኸንቱ ኣይክንጽዕርን’ ኢና። ናይ ሓቂ ዕላማ ዘለዎ ውሑስን ዜዕግብን ህይወት ከም እንረክብ እዩ ኣተስፍዩና ዘሎ። ‘ከይጸዋዕና እኳ’ እንታይ ከም ዜድልየና ስለ ዚፈልጥ፡ ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኼዕግብ እዩ።’—ኢሳ. 65:20-24፣ መዝ. 145:16

13. ኢሳይያስ 65:25 ነቲ ሰባት ንየሆዋ ኼገልግሉ ምስ ጀመሩ ኣብ ህይወቶም ዚገብርዎ ለውጥታት ብኸመይ ትገልጾ፧

13 ሰላምን ውሕስነትን ኣለዎም። ኣቐዲሞም ከም ናይ ኣራዊት ዝኣመሰለ ባህርያት ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት፡ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ዜደንቕ ለውጢ ገይሮም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 65:25 ኣንብብ።) ነቲ ናይ ቀደም ሕማቕ ባህርያቶም ኣወጊዶምዎ እዮም። (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:22-24) ልክዕ እዩ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ገና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ጌጋታት ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዘይብተኽ ማእሰር ፍቕርን ሰላምን ኣብ መንጎ ‘ዅሎም ዓይነት ሰባት’ ሓድነት ከም ዚሰፍን ገይሩ ኣሎ። (ቲቶ. 2:11) እዚ ኸኣ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ኪገብሮ ዚኽእል ተኣምር እዩ!

14. ኢሳይያስ 65:25 ኣብ ህይወት ሓደ ሓው እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

14 ሰባት ብሓቂዶ ስብእናኦም ኪልውጡ ይኽእሉ እዮም፧ ነዚ ዚስዕብ ተመክሮ እስከ ንርአ። ሓደ ብርኽሰትን ብዓመጻን ዚመላለስ ዝነበረ መንእሰይ ገና ወዲ 20 ዓመት ከይኰነ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። ኣብ ስርቅን ኣብ ካልእ ከቢድ ገበንን ስለ እተሳተፈ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ምስ ዝረኸቦ ዅሉ እዩ ዚበኣስ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምስ ሰምዐን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪእከብ ምስ ጀመረን ግና፡ ኣብ ህይወቱ ሓድሽ ዕላማ ረኸበ። እዚ ድማ መንፈሳዊ ገነት እዩ። ተጠሚቑ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ ኢሳይያስ 65:25 ብኸመይ ኣብኡ ኸም ዝወዓለት ብዙሕ ሳዕ ይሓስብ እዩ። ከም ተዅላ ዓማጺ ዝነበረ ሰብ፡ ከም ዕየት እዩ ሰላማዊ ዀይኑ።

15. ካልኦት ሰባት ኣብቲ መንፈሳዊ ገነት ኪሓብሩና እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርና ኢናኸ ኸምኡ እንገብር፧

15 ኢሳይያስ 65:13፡ “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል” ብዚብል ቃላት እያ እትጅምር። ፍቕዲ 25 ከኣ፡ “ይብል የሆዋ” ብዚብል ቃላት እያ እትዛዝም። ቃሉ ወትሩ ይፍጸም እዩ። (ኢሳ. 55:10, 11) መንፈሳዊ ገነት ሕጂ ንርእዮ ኣለና። የሆዋ ብሓቂ ፍሉይ ዝዀነ ሕውነት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ህዝቡ ተዛማዲ ሰላም ረኺብና ኣለና። ኣብዛ ዓመጻ ዚመልኣ ዓለም ከኣ ውሕስነት ነስተማቕር ኣለና። (መዝ. 72:7) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ኣብዚ ክርስትያናዊ ሕውነት እዚ ምእንቲ ኺሓብሩና ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብምትኳር ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—ማቴ. 28:19, 20

ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ናብ መንፈሳዊ ገነት እንስሕቦም፧

16. ሰባት ናብ መንፈሳዊ ገነት ዚሰሓቡ ብኸመይ እዮም፧

16 ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ ገነት ንኻልኦት ሰሓቢ ኸም ዚኸውን ናይ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኣሎና። ንየሆዋ እንተ መሲልናዮ፡ ነዚ ግደና ኽንፍጽም ንኽእል ኢና። ንሱ ንሰባት ከይደለዩ ኣይኰነን ናብ ውድቡ ዚጐትቶም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብለውሃት እዩ ናብኡ ‘ዚስሕቦም።’ (ዮሃ. 6:44፣ ኤር. 31:3) ብዛዕባ እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ባህርያት የሆዋ ዚሰምዑ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ይስሓቡ እዮም። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ብጽቡቕ ባህርያትናን ብሰናይ ኣካይዳናን ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ገነት ክንስሕቦም እንኽእል፧

17. ከመይ ጌርና ኢና ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ገነት እንስሕቦም፧

17 ሓደ ኻብቲ ንሰባት ናብ መንፈሳዊ ገነት ክንስሕበሉ እንኽእል መገዲ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብፍቕርን ብለውሃትን ብምሓዝ እዩ። ሓደስቲ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ምስ መጹ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ናብ ኣኼባታት ምስ ከዱ እተሰምዖም ስምዒት ኪስምዖም ንደሊ ኢና። ንሳቶም “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” ኢሎም እዮም ተዛሪቦም። (1 ቈረ. 14:24, 25፣ ዘካ. 8:23) ስለዚ፡ ነቲ “ንሓድሕድኩም . . . ብሰላም ንበሩ” ዚብል ምኽሪ ወትሩ ኽንዓይየሉ ኣሎና።—1 ተሰ. 5:13

18. ንሰባት ናብ ውድብና ኺስሕቦም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

18 ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወትሩ ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኢና ኽንርእዮም ዘሎና። ኣብቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዚጠፍእ ዘይፍጽምናኦም ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ ባህርያቶም ብምትኳር ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ዚብል ምኽሪ ዅሉ ሳዕ ንዓይየሉ እንተ ዄንና፡ ንዝዀነ ይኹን ፍልልያት ብናይ ፍቕሪ መንፈስ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:32) ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ መንፈሳዊ ገነት ነቶም ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ዚደልዩ ሰባት ኪስሕቦም እዩ። b

ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ገነት ንበር

19. (ሀ) ኣብታ “ ወጺኦም፡ ግናኸ ተመሊሶም” ዘርእስታ ሳጹን ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ገሊኦም ናብ መንፈሳዊ ገነት እተመልሱ እንታይ እዮም ኢሎም፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

19 ንመንፈሳዊ ገነትና ኣዚና ነማስወሉ ኢና! ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ወቂቡ ኣሎ። ኣዝዮም ብዙሓት ንየሆዋ ዚውድሱ ሰባት እውን ኣብኡ ኣለዉ። እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ገነት ኵሉ ሳዕ ነማስወሉ። ዕረፍትን ዕግበትን ህድኣትን ውሕስነትን ዚደሊ ዘበለ ዅሉ፡ ናብ መንፈሳዊ ገነት ኪመጽእ ኣለዎ፣ ካብኡ እውን ኪወጽእ የብሉን። እንተዀነ ግና፡ ሰይጣን ካብኡ ኼውጽኣና ይጽዕር ስለ ዘሎ ንጠንቀቕ። (1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 12:9) ኪዕወት ኣይነፍቅደሉ። ንጽባቐን ንንጽህናን ንሰላምን መንፈሳዊ ገነት ድማ ብትግሃት ንሓልዎ።

እቶም ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዘለዉ ሰባት ኣብ መጻኢ ቓል ብቓሉ ናብ ገነት ኪኣትዉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)


እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧

  • ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ናብኡ ኽንስሕቦም እንኽእል፧

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

a መግለጺ ቓላት፦ “መንፈሳዊ ገነት” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንየሆዋ እነምልኸሉ ሃዋህው እዩ ዜመልክት። ኣብዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ሰላማዊ ርክብ ነስተማቕር ኢና።

b ኣብታ ኣብ jw.org እትርከብ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ፧ ኣሌና ዚትኒኮቫ፦ ሕልመይ እተጋህደሉ መገዲ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ብምዃና ዝረኸበቶ በረኸት ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣኼባ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ይቃራረቡ፣ ሓደ ሓው ግና ርእሱ ይፈሊ።