ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት

ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ (ካታግላይፊስ ቦምባይሲና) ሓደ ኻብቶም በቲ ንሙቐት ዘለዎም ተጻዋርነት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስርዑ እንስሳታት ምድሪ እዩ። ኣብ ሰሃራ ኣብ ኣጋ ፋዱስ ዘላ ብርትዕቲ ጸሓይ ነቶም ሃደንቱ ኣብ ጽላል ኪዀኑ ምስ ኣገደደቶም፡ እቲ ጻጸ ምግቡ ኺምእርር ንሓጺር እዋን ካብ ጕድጓዱ ይወጽእ። ገለ ኻብቲ ምግቡ ድማ፡ በቲ ብርቱዕ ሙቐት ዝሞቱ ኻልኦት ሓሸራታት እዮም።

[50] ማይክሮሜተር

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ብሩራዊ ጻጸ ነዚ ብርቱዕ ሙቐት ኪጻወሮ ዝኸኣለ፡ ዝባኑን ጐድኑን ብፍሉይ ጸጕሪ እተሸፈነ፡ ከብዱ ድማ ጸጕሪ ዘይብሉ ብምዃኑ እዩ። እቲ ብሩራዊ ዝሕብሩ ብሪቕሪቕ ዚብል ጸጕሩ (1, 2)፡ ስሉስ ኵርናዓዊ ብዚቕርጹ ንኣሽቱ ትቦታት ዝቘመ እዩ (3)። እቲ ኻብ ኣካላቱ ንንየው ገጹ ዝኣንፈተ ዝባን እቲ ጸጕሪ ብማይክሮስኮፕ ኺርአ ኸሎ ኸም ዝዓጠረ ዚመስል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ናብ ኣካላቱ ኣንፈት ዘሎ ግና ልሙጽ እዩ። እዚ ንድፊ እዚ ኽልተ ጥቕሚ ኣለዎ። ቀዳማይ፡ እቲ ጸጕሪ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዚመጽእ ብዓይኒ ዘይርአ ሙቐት ዚህብ ጸርጊ ኣንጸባሪቑ ይመልሶ። ካልኣይ፡ ነቲ እቲ ጻጸ ኻብ ኣከባቢ ዚረኽቦ ሙቐት የዝሕሎ። ከብዲ እቲ ጻጸ ብዘይ ጸጕሪ ምዃኑ ኸኣ፡ ነቲ ኻብ ባይታ እቲ ምድረ በዳ ዚመጽእ ዓይነት ጸርጊ ኣንጸባሪቑ ኺመልሶ ይሕግዞ። *

[10] ማይክሮሜተር

እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት፡ ንሙቐት ኣካላቱ ትሕቲ እቲ ኺጻወሮ ዚኽእል ዝለዓለ መጠን፡ ማለት ትሕቲ 53.6 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኪኸውን የኽእሎ። ተመራመርቲ ኸኣ በዚ ደቂቕ ፍጥረት እዚ ተለዓዒሎም፡ ብዘይ ሓገዝ መንበድበዲ ወይ ካልእ ንዋት ኬዝሕል ዚኽእል ፍሉይ ኣልባሳት የዳልዉ ኣለዉ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ብሩራዊ ጻጸ ሰሃራ ዘለዎ መከላኸሊ ሙቐት ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 4 ካልእ ነቲ ጻጸ ዚሕግዞ ነገር ድማ፡ እቲ ኣብ ኣካላቱ ዚርከብ ብብርቱዕ ሙቐት ብቐሊሉ ዘይመክኽ ፍሉይ ፕሮቲን፡ ካብቲ ዝረሰነ ሑጻ ኽብ ኢሉ ብፍጥነት ኪጐዪ ዜኽእሎ ነዋሕቲ ኣእጋር፡ ናብ ጕድጓዱ ብዝሓጸረ መገዲ ኺምለስ ዜኽእሎ ኣንፈት ናይ ምፍላጥ ብሉጽ ክእለት ኪጥቀስ ይከኣል።