ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መገዲ ሓጐስ

ይቕረታ

ይቕረታ

“ብቝልዕነተይ ጸርፍን ቈየቛን እናሰማዕኩ እየ ዓብየ። ይቕረ ምባል ኣይተምሃርኩን። ምስ ዓበኹ እውን፡ ንእተበደልክዎ በደል ንነዊሕ መዓልትታት ኣይርስዖን እየ ነይረ፣ ብእኡ ድማ ድቃስ እስእን ነይረ።” ነዚ ቓላት እዚ እተዛረበት፡ ሓንቲ ፓትሪሲያ እትብሃል ሰበይቲ እያ። እወ፡ ህይወትና ቝጥዓን ቅሬታን ዝመልኦ እንተ ዀይኑ፡ ሓጐስ ኰነ ጥዕና ኣይንረክብን ኢና። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ይቕረ ዘይብሉ ሰባት እዚ ዚስዕብ ኵነታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ፦

  • ቍጥዓን ምረትን ንርክባቶም የሐርፍፎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ግሉላት ይዀኑ

  • ብቐሊሉ ዚቕየሙ ይዀኑ፡ ሕዱር ጭንቀት ድማ ይገብሩ

  • ኣብ ጌጋታት ስለ ዜተኵሩ፡ ኣብ ህይወቶም ባህታ ኣይህልዎምን

  • ከም እተጋገዩ ስለ ዚፍለጦም፡ ውሽጣዊ ሰላም ይስእኑ

  • ሓያል ውጥረትን ከቢድ ጸገማት ጥዕናን የጋጥሞም፣ ገለ ኻብቲ ጸገማት ጥዕና፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ልቢ፡ ሪሕ፡ ሕማም ርእሲ ኺጥቀስ ይከኣል *

ይቕረ ምባል እንታይ እዩ፧ ንበዳሊ ምምሓር፡ ቍጥዓን ቅሬታን ሕነን ምሕዳግ ማለት እዩ። እዚ ማለት ግና ነቲ በደል ሸለል ምባል፡ ኣትሒትካ ምርኣይ፡ ወይ ከም ዘይተፈጸመ ጌርካ ምርኣይ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣጸቢቕካ እተሓስበሉ ብሕታዊ ውሳነ ዀይኑ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምስቲ ሰብ ሰላም ምግባርን ጽቡቕ ርክብ ምምስራትን ከም እትደሊ ዜርኢ እዩ።

ይቕረ ዚብል ሰብ ነቲ በዳሊ ኸም እተረድኣሉ እዩ ዜርኢ። ከመይሲ፡ ይቕረ ዚብል ሰብ፡ ኵሉ ሰብ ብቓልን ብግብርን ከም ዚጋገ ወይ ከም ዚሓጥእ ይርዳእ እዩ። (ሮሜ 3:23) መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” እዩ ዚብል።—ቈሎሴ 3:13

እምበኣር፡ ይቕረ ምባል ኣገዳሲ ኽፋል እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ እዩ። (ቈሎሴ 3:14) እወ፡ ብመሰረት ወብሳይት ክሊኒክ ማዮ፡ ይቕረ ምባል ናብዚ ዚስዕብ ይመርሕ፦

  • ዝሓሸ ርክብ፣ ንኣብነት፡ ንበዳሊ ትድንግጸሉን ትርድኣሉን ትርሕርሓሉን

  • ዝሓሸ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ጥዕና

  • ዝወሓደ ጭንቀትን ውጥረትን ጽልእን

  • ዝወሓደ ምልክታት ሕዱር ጭንቀት

ንርእስኻ ይቕረ በል። ብመሰረት መጽሔት ዲስኣቢሊቲ ኤንድ ሪሃቢሊቴሽን፡ ንርእስኻ ይቕረ ምባል፡ ‘ንምግባሩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ፡ ግናኸ፡ ንኣእምሮኣውን ንኣካላውን ጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንርእስኻ ይቕረ ንምባል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

  • ከም ኵሉ ኻልእ ሰብ ጌጋ ኸም እትገብር ኣሚንካ ተቐበል ደኣ እምበር፡ ካብ ገዛእ ርእስኻ ፍጽምና ኣይትጸበ።—መክብብ 7:20

  • ጌጋታትካ ምእንቲ ኸይትደግሞ፡ ካብ ጌጋታትካ ተምሃር

  • ገሊኡ ጕድለት ባህርያትን ሕማቕ ልማዳትን ብሓንሳእ ስለ ዘይውገድ፡ ዕጉስ ኩን።—ኤፌሶን 4:23, 24

  • ምስ ኣተባባዕትን ኣወንታውያንን ለዋሃትን፡ ግናኸ ሓቂ ምስ ዚነግሩኻ ተዓራረኽ።—ምሳሌ 13:20

  • ንሰብ እንተ ጐዲእካ፡ ጌጋኻ ኣሚንካ ቐልጢፍካ ይቕረታ ሕተት። ሰላም እንተ ጌርካ፡ ውሽጣዊ ሰላም ትረክብ።—ማቴዎስ 5:23, 24

ብሓቂ ዚዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ፓትሪሲያ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት፡ ይቕረ ምባል ተማህረት። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ንህይወተይ ካብ ዝመረዞ ቝጥዓ ሓራ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሕጂ፡ ኣነ ኣይሳቐን እየ፣ ንኻልኦት እውን ኣየሳቕን እየ። ኣምላኽ ከም ዜፍቅረናን ጽቡቕና ኸም ዚደልን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ እዩ” ኢላ ጸሓፈት።

ሮን ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ፡ “ሓሳባትን ተግባራትን ካልኦት ክቈጻጸር ኣይክእልን እየ። ነቲ ናተይ ግና ክቈጻጸሮ እኽእል እየ። ሰላም እንተ ደልየ፡ ቅሬታ ኽሓድግ ነይሩኒ። ንሰላምን ንቕሬታን፡ ከም ሰሜንን ደቡብን ገይረ ኽርእዮ ጀሚረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ክልቲኡ ቦታ ክኸውን ኣይክእልን እየ። ሕጂ ሰናይ ሕልና ኣሎኒ” ይብል።

^ ሕ.ጽ. 8 ምንጪ፦ ወብሳይት ክሊኒክ ማዮ፡ ወብሳይት ጆንስ ሆፕኪንስ መዲስን፡ መጽሔት ሶሻል ሳይክያትሪ ኤንድ ሳይክያትሪክ ኢፒደሚዮሎጂ።