ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቍጥዐ ኣካልን ጸገም ምሕቃቕ ምግብን—እንታይ እዩ ፍልልዩ፧

ቍጥዐ ኣካልን ጸገም ምሕቃቕ ምግብን—እንታይ እዩ ፍልልዩ፧

ኤሚሊ፦ “ፋርኬታይ ኣቐመጥክዋ፣ ሕማቕ ክስምዓኒ ጀመረ። ኣፈይ የሳሕየንን መልሓሰይ ይሓብጥን ነበረ። ርእሰይ ጽርውርው ኪብለኒ፡ ትንፋስ ድማ ኪሓጽረኒ ጀመረ። ኣብ ቈርበት ኣእዳወይን ክሳደይን ከኣ ቀይሕ ነጠብጣብ ኪወጽእ ጀመረ። ስምባደይ ኪቈጻጸር እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ክኸይድ ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ!”

ንብዙሓት ሰባት፡ ምግቢ ምምጋብ ባህ እዩ ዜብሎም። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ንገሊኡ ምግቢ ኸም “ጸላኢኦም” ኪርእይዎ ተገዲዶም እዮም። ልክዕ ከምታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ኤሚሊ፡ ብምግቢ ዚመጽእ ቍጥዐ ኣካላት (ኣለርጂ) ይሳቐዩ እዮም። እቲ ንኤሚሊ ዘጋጠማ ኸቢድ ቍጥዐ ኣካላት፡ ኣናፊሌክሲስ ዚብሃል ኰይኑ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግና መብዛሕትኡ ቝጥዐ ኣካላት ክሳዕ ክንድዚ ሓደገኛ ኣይኰነን።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ቍጥዐ ኣካላትን ጸገም ምሕቃቕ ምግብን ከም ዘለዎም እተሓበረ ሰባት ወሲኹ እዩ። ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ግና ካብቶም ቍጥዐ ኣካላት ከም ዘለዎም ዚሓስቡ ሰባት ናይ ሒደት ጥራይ እዩ ብሕክምና ተረጋጊጹ።

ቍጥዐ ኣካላት እንታይ እዩ፧

ብመሰረት እቲ ብዶክተር ጀኒፈር ሽናይደር ቻፈን ዚምርሑ ጕጅለ ስነ ፍልጠታውያን ኣብ ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶስየሽን ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ “ቍጥዐ ኣካላት ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዝረኸበ መግለጺ የብሉን።” እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኦም ክኢላታት፡ ቍጥዐ ኣካላት ብቐዳምነት ብስርዓተ ምክልኻል ሕማም ከም ዚለዓዓል እዮም ዚኣምኑ።

ሓደ ዓይነት ምግቢ ቝጥዐ ኣካላት ዜለዓዕል ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ምግቢ ዘሎ ፕሮቲን እዩ። ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ብጌጋ ነዚ ፕሮቲን ከም ጐዳኢ ገይሩ ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ሓደ ዓይነት ፕሮቲን ናብ ኣካላት ሰብ ምስ ዚኣቱ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ነዚ ኸም ወራሪ ገይሩ ዝረኣዮ ፕሮቲን ንምልማስ ኢሙኖግሎቢን ኢ (IgE) ተባሂሉ ዚፍለጥ ጸረ ኣካል ይፈጥር። እቲ ቍጥዐ ኣካላት ዜስዕብ ነገር ኪሓቅቕ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተፈጥረ ሕማም ዚከላኸል ጸረ ኣካል፡ ከም ሂስታማይን ዝኣመሰሉ ከሚካላት ከም ዚነዝዑ ኺገብር ይኽእል።

ኣብ ንቡር ኵነታት፡ ሂስታማይን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ጠቓሚ ዕማም እዩ ዚዓምም። ይኹን እምበር፡ ንጹር ብዘይኰነ ምኽንያት፡ ህላወ እቲ ኢሙኖግሎቢን ኢ ዚብሃል ጸረ ኣካልን ምንዛዕ እቲ ንዕኡ ተኸቲሉ ዚመጽእ ሂስታማይን ዚብሃል ከሚካልን ነቶም ኣብ ሓደ ዓይነት ምግቢ ንዚርከብ ፕሮቲን ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ሰባት ቍጥዐ ኣካላት የለዓዕለሎም እዩ።

ሓደ ምግቢ ንፈለማ ግዜ ኽትምገቦ ኸለኻ ዝዀነ ይኹን ምልክት ቍጥዐ ኣካላት ዘይረኣኻሉ፡ ንኻልኣይ ግዜኻ ኽትበልዖ ኸለኻ ግና ቍጥዐ ኣካላት ዜስዕበልካ ምኽንያት እምበኣር እዚ እዩ።

ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ እንታይ እዩ፧

ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ እውን ልክዕ ከም ቍጥዐ ኣካላት፡ ኣካላትካ ንሓደ ዓይነት ምግቢ ንምንጻግ ዜርእዮ መልሰ ግብሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ፡ ከምቲ ብስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዚለዓዓል ቍጥዐ ኣካላት ዘይኰነስ፡ ብስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ እዩ ዚለዓዓል፣ ምስ ዝዀነ ጸረ ነፍሳት ዚተሓሓዝ እውን ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ምግቢ ምሕቃቕ ዜሸግሮ፡ ብጕድለት ኤንዛይም ወይ ብሰንኪ ኣብቶም ንምሕቃቕ ዜሸግሩ ምግቢ ዘለዉ ከሚካላት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መዓናጡና ኣብ ውጽኢት ጸባ ዝዀኑ ምግቢ ንዚርከቡ ዓይነት ሽኮር ንምሕቃቕ ዜድሊ ኤንዛይም ምስ ዘየፍሪ፡ ጸገም ምሕቃቕ ላክቶስ (ኣብ ጸባ ዚርከብ ሽኮር) የጋጥም።

ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ፡ ብምፍጣር ጸረ ነፍሳት ዚመጽእ ስለ ዘይኰነ፡ ምግቢ ንፈለማ እዋን ክትምገቦ ኸለኻ ኣትሒዙ እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። መጠን እቲ እንበልዖ ምግቢ ወሳኒ ረቛሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሒደት ምግቢ ኺጽወር ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ምግቢ ምስ እትምገብ ግና ጸገም ኬምጽእ ይኽእል። እዚ ኻብቲ ብሒደት ምግቢ እውን ከይተረፈ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሳዕቤን ዜምጽእ ከቢድ ቍጥዐ ኣካላት እተፈልየ እዩ።

እንታይ ምልክታት ኣለዎ፧

ብቝጥዐ ኣካላት ትሽገር እንተ ኣሊኻ፡ ስሓ፡ ኣብ ቈርበት ቀይሕ ነጠብጣብ፡ ሕበጥ ጐረሮን ዓይንን መልሓስን፡ ዕግርግር፡ ተምላስ ወይ ውጽኣት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከቢድ ኵነታት ከኣ ትሑት ጸቕጢ ደም፡ ጽርውርው ምባል፡ ውኖኻ ምጥፋእ፡ ከምኡ እውን ደው ምባል ህርመት ልቢ ኺህልወካ ይኽእል። ከቢድ ቍጥዐ ኣካላት ብቕልጡፍ ዚምዕብልን ሓደገኛን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዝዀነ ይኹን ምግቢ ቝጥዐ ኣካላት ኬስዕብ ተኽእሎ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ቍጥዐ ኣካላት መብዛሕትኡ ግዜ በዞም ዚስዕቡ ሒደት ምግቢ እዩ ዚለዓዓል፦ ጸባ፡ እንቋቕሖ፡ ዓሳ፡ ድርዓውያን እንስሳታት፡ ፉል፡ ኣዳጕራ፡ ካዕካዕ፡ ከምኡ እውን ስርናይ። ሓደ ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ቝጥዐ ኣካላት ኬማዕብል ይኽእል እዩ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ጂን ወይ ተወርሶ ኣብዚ ዓቢ ተራ ኣለዎ፣ ሓደ ቘልዓ፡ ሓደ ኻብ ወለዱ ወይ ክልቲኦም ቍጥዐ ኣካላት ምስ ዚህልዎም፡ እዚ ሕማም እዚ ኼማዕብል ሰፊሕ ተኽእሎ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ቈልዑ ምስ ዓበዩ፡ ነዚ ዓይነታት ምግቢ ዝነበሮም ቍጥዐ ኣካላት የቋርጽ እዩ።

ብሓፈሻኡ፡ ምልክታት ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ ኸም ምልክታት ከቢድ ቍጥዐ ኣካላት ኣዝዩ ዜስግእ ኣይኰነን። ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ፡ ከም እኒ ቕርጸት፡ መንፋሕቲ፡ ቅርጥማት፡ ሕማም ርእሲ፡ ዕንፍሩር፡ ድኻም ወይ ድማ ቀጨውጨው ምባል ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ ብእተፈላለየ ዓይነታት ምግቢ ኺመጽእ ይኽእል፣ ገለ ኻብቲ ልሙድ ከኣ ውጽኢት ጸባ፡ ስርናይ፡ ኣልኮል ከምኡ እውን መባዅዕቲ እዩ።

ምርመራን ሕክምናን

ብቝጥዐ ኣካላት ወይ ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ ትሽገር እንተ ኣሊኻ፡ ናብ ብዓል ሞያ ሕክምና ኼድካ ኽትምርመር ትውስን ትኸውን። ኣብ ሕክምና ኸይተመርመርካ፡ ባዕልኻ እተወሰነ ምግቢ ምግዳፍ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ከይተፈለጠካ ንኣካላትካ ኻብ ኣድላዪ ንጥረ ነገራት ክትሕርሞ ትኽእል ኢኻ።

ቍጥዐ ኣካላት ካብ ዜለዓዕሉ ምግብታት ክትቍጠብ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ነዚ ዚኸውን ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሕክምና የለን። * ብኻልእ ሸነኽ፡ ቅልል ዝበለ ቝጥዐ ኣካላት ወይ ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ሽግር ዝፈጥረልካ ምግቢ ምቕናስን ኣብ እተናውሐ እዋን ምምጋብን ጽቡቕ ውጽኢት ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ እቶም በዚ ሕማም እዚ ዚሽገሩ ሰባት፡ ከከም ክብደት እቲ ሕማም ነቲ ዜስግኦም ምግቢ ንእተወሰነ እዋን ወይ ድማ ጠሪሶም ኪሓድግዎ ተገዲዶም እዮም።

ስለዚ እምበኣር፡ ቍጥዐ ኣካላት ወይ ጸገም ምሕቃቕ ምግቢ እንተ ኣልዩካ፡ ብዙሓት በዚ ዚሽገሩ ሰባት ንዅነታቶም ኪቈጻጸርዎ ኸም ዝኸኣሉ፡ ገና እውን እተፈላለየ ዓይነት መኣዛ ዘለዎን ምቍርን ምግቢ ኸም ዚምገቡ ምፍላጥካ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 19 ነቶም ብኸቢድ ቍጥዐ ኣካላት ዚሽገሩ፡ ኣብ ሃንደበታዊ ዅነታት ንገዛእ ርእሶም ኪወግኡላ ዚኽእሉ ኣድረናሊን (ኢፒነፍራይን) ዝሓዘት ፍልይቲ ፒሮ ሒዞም ኪንቀሳቐሱ ብዙሕ ግዜ ምሕጽንታ ይውሃቦም እዩ። ገሊኦም ክኢላታት ሕክምና፡ እቶም ቍጥዐ ኣካላት ዘለዎም ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ኵነታት ንመምሃራኖም ወይ ድማ ንኣለይቶም ምልክት መጠንቀቕታ ኪዀኖም ዚኽእል ነገር ኪሕዙ ወይ ኪለብሱ ኸም ዘለዎም ሓሳብ ይህቡ እዮም።