ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ራጀሽ ካላርያ

ሓደ ተመራማሪ ሓንጐል ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሓደ ተመራማሪ ሓንጐል ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ራጀሽ ካላርያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል፡ ዓዲ እንግሊዝ እዩ ዚዓዪ። ብዛዕባ ሓንጐል ደቂ ሰብ ንልዕሊ 40 ዓመት እዩ ኣጽኒዑ። ብፍልቀት ድማ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ጸኒሑ ግና ኣረኣእያኡ ቐየረ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ ዕዮኡን እምነቱን ሓቲታቶ ኣላ።

ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታኻዶ ኽትነግረና፧

ኣቦይ ኣብ ህንዲ እዩ ተወሊዱ። ኣደይ መበቈላ ህንዲ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኡጋንዳ እያ ተወሊዳ። ናብራኦም ብልምድታት እምነት ሂንዱ ኣጸቢቑ እተጸልወ እዩ ነይሩ። ካብ ሰለስተ ውሉዳት፡ ካልኣይ እየ። ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ኢና ንነብር ኔርና። ሓያሎ ኣመንቲ ሂንዱ ድማ ኣብ ጥቓና ይነብሩ ነይሮም።

ብስነ ፍልጠት ከም እትግደስ ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብእንስሳታት እግደስ ነይረ እየ፣ ነቶም ዜደንቑ እንስሳ ዘገዳም ንምርኣይ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣዕሩኸይ ብእግሪ እጐዓዝን ኣብ ግዳም ቴንዳ ተኺለ እሓድርን ነይረ። ኣብ ፈለማ፡ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም እንስሳ ክኸውን ሸቶ ነይሩኒ። ኣብ ናይሮቢ ኻብ ዚርከብ ኮሌጅ ተክኒክ ምስ ተመረቕኩ ግና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ብዛዕባ ስነ ሕማም ከጽንዕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይደ። ጸኒሐ ብዛዕባ ሓንጐል ደቂ ሰብ ምርምር ኣብ ምግባር ኣተኲረ።

እቲ ዝገበርካዮ መጽናዕትታት ንሃይማኖታዊ እምነታትካ ጸልይዎዶ፧

እወ። ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዝያዳ ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ንጽውጽዋያትን ልምድታትን ሂንዱ ኽኣምኖ እናኸበደኒ መጺኡ። ገለ ኻብኡ ንእንስሳታትን ንምስልታትን ምምላኽ እዩ ነይሩ።

ስለምንታይ ኢኻ ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ተቐቢልካዮ፧

ኣብ ግዜ ንእስነተይ፡ ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ሰብኣዊ ፍልቀት ኣብ ኣፍሪቃ ኸም ዝጀመረ ይኣምኑ ነይሮም፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እዚ ንመያየጥ ኔርና። መምህራንን ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲን እውን ኵሎም ኣኽቢርካ ዚርኣዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ፍልቀት ከም ዚኣምኑ ጌርና ኸም እንሓስብ እዮም ገይሮምና።

ድሕሪ ግዜ ነቲ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝነበረካ ኣረኣእያ ዳግመ ግምት ጌርካሉ። ስለምንታይ፧

ንእተወሰነ ዓመታት ብዛዕባ ስነ ህይወትን ስነ ቕርጽን ምስ ኣጽናዕኩ፡ ሓደ መማህርተይ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርዎ ነገራት ነጊሩኒ። ኣነ ኸኣ ብዝያዳ ኽፈልጥ ደልየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዚርከብ ኣዳራሽ ኮሌጅና ዓብዪ ኣኼባ ምስ ገበሩ ድማ፡ ኣብኡ ተኣኪበ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ሚስዮናውያን ብዛዕባ ገሊኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጸናለይ። ኣምላኽ ኣብ ህይወት ንዚልዓል ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ዘለዎ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ነዳፊ ኸም ዝዀነ እየን ዚኣምና ነይረን። እዚ እምነተን እዚ፡ ጽውጽዋይ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ርትዓዊ ኸም ዝዀነ እየ ተገንዚበ።

ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘጥረኻዮ ፍልጠት ኣብ ፍጥረት ከይትኣምን ዕንቅፋት ኰይኑካዶ፧

ብኣንጻሩ እምበር! ብዛዕባ ስነ ቕርጺ ኸጽንዕ ከለኹ፡ ህይወታውያን ብግቡእ እተነድፉን እተሓላለኹን ምዃኖም ክርኢ ኽኢለ እየ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ እተራቐቐ ነገር ባዕሉ ኣብ ህልውና ኸም ዝመጸ ዚገልጽ ሓሳብ ደጊም ኪውሓጠለይ ኣይከኣለን።

ኣብነትዶ ምሃብካና፧

ካብ መጀመርታ 1970ታት ኣትሒዘ ብዛዕባ ሓንጐል ደቂ ሰብ ኣጽኒዐ እየ። እዚ ፍሉይ ኣካልና ኸኣ ወትሩ እዩ ዜደንቐኒ። ሓንጐልና መደበር ሓሳብን ተዘክሮን መቈጻጸሪ ማእከል ሓያሎ ዕማማት ሰብነትናን እዩ። ካብ ውሽጥን ወጻእን ሰብነትና ንዚመጽእ ሓበሬታ ዚትርጕም ሕምብርቲ ብዙሓት ህዋሳትና እውን እዩ።

ሓንጐልና ብግቡእ ኪዓዪ ዚኽእል ብቐንዱ ሳላ እቲ እተሓላለኸ ቐመማዊ ኣሰራርሓኡን ሳላ እቲ ቐንዲ ዋህዮታት ሓንጐል ዝዀነ እተጠናነገ መርበባት ኒውሮንን እዩ። ሓንጐል ደቂ ሰብ፡ ኣክሶን ብዚብሃሉ ነዋሕቲ ጽሕጎ ገይሮም ንሓድሕዶም ዚረዳድኡ ቢልዮናት ኒውሮናት ኣለዎ። ሓደ ኒውሮን ድማ ደንድራይት ብዚብሃሉ ጨናፍር ጽሕጎ ገይሩ ምስ ካልኦት ኒውሮን ኣሽሓት መራኸቢ መስመራት ኪገብር ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ሓንጐልና ዘሎ ጠቕላላ ቝጽሪ መራኸቢ መስመራት ማእለያ የብሉን። ብተወሳኺ፡ እዚ ብኒውሮንን ብደንድራይትን ዝቘመ ጽዑቕ ዱር ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ዘይኰነስ፡ ብልክዕ እዩ ዚዓዪ። ብሓቂ፡ መስተንክር ዝዀነ ስርዓተ መስመር እዩ።

ከተብርሃልናዶ፧

እዚ መስመር እዚ፡ ሓደ ሕጻን ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዀነ ምስ ተወልደ ኣብ ዚገብሮ ዕቤት ብኣዝዩ ምዕሩይ ስርዓት እዩ ዚምዕብል። ሓደ ኒውሮን ምስ ሓደ ኻብኡ ሒደት ሰንቲ ሜተር ጥራይ ርሒቑ ዚርከብ፡ ብዋህዮኣዊ ደረጃ ግና ኣዝዩ ርሑቕ ዘሎ ኻልእ ኒውሮን ምእንቲ ኺራኸብ ጽሕጎ ይሰድድ። እዚ ጽሕጎ እዚ ዕላማ ገይርዎ ዘሎ ግና ሓደ እተወሰነ ዋህዮ ዘይኰነስ፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ዋህዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካብ ሓደ ኒውሮን ሓድሽ ጽሕጎ ኺወጽእ ከሎ፡ ናብ ዕላማኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ፡ “ደው በል፡” “ኪድ፡” ወይ “ተጠወ” ዝኣመሰለ መልእኽቲ ብዜመሓላልፍ ከሚካዊ ምልክታት እዩ ዚምራሕ። እናዓበዩ ዚኸዱ ጽሕጎ ንጹር መምርሒ እንተ ዘይተዋሂብዎም ነዊሕ ከይጸንሑ እዮም ኣንፈቶም ዚስሕቱ። ካብቲ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. እተጻሕፈ መምርሒታት ጀሚርካ፡ ኵሉ እቲ መስርሕ ብዜደንቕ መገዲ እተወሃሃደ እዩ።

ስለዚ፡ ሓንጐልና ብኸመይ ከም ዚምዕብልን ዚዓይን፡ ተዘክሮን ስምዒትን ሓሳባትን ድማ ብኸመይ ከም ዚፈጥር ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ይተረፍዶ እቲ ሓንጐልና ዚዓይየሉን ዚምዕብለሉን ብሉጽ መገዲ፡ ሓንጐልና ዚዓዪ ምዃኑ ምስ ረኣኹ ጥራይ፡ ካብ ናትና ኣጸቢቑ ዚበልጽ ኣእምሮ ዘለዎ ኸም ዘሎ ተገንዚበ።

ስለምንታይ ኢኻ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ መርትዖ ኣቕሪቦምለይ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ስነ ፍልጠታዊ ጕዳያት ኪዛረብ ከሎ ግና፡ ወትሩ ቕኑዕ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብልክዕ እተፈጸመ ትንቢታት ዝሓዘ እዩ። ንህይወት እቶም ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ትምህርቲ ዚትግብርዎ ሰባት ድማ የመሓይሾ እዩ። ህይወተይ ናይዚ መርትዖ እዩ። ብ1973 ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን ኣትሒዘ ብመጽሓፍ ቅዱስ እየ ዝምራሕ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ህይወተይ ዕግበትን ትርጉምን ዘለዋ ዀይና ኣላ።