ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ

ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ

ጸገም

ሰብኣይ ዚብሎ፦ “ምስ ተመርዓና ኣነን ሰበይተይን ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ነይሩና። ናይ ሓዴና ቕኑዕ ናይ ሓዴና ድማ ግጉይ ነይሩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እተፈላለየ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰበይተይ ኣብ ኣገባብ ኣዘራርባኣ ዝያዳ ኣኽብሮት ከተርእየኒ ዘለዋ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።”

ሰበይቲ እትብሎ፦ “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ፡ ዓው ኢልካ ምዝራብን ፍሉይ ምልክታት ገጽ ምጥቃምን ካልኦት እናተዛረቡ ምዅላፍን ልሙድ እዩ ነይሩ። ነዚ ኸም ንዕቀት ጌርና ኣይንቘጽሮን ኢና። ሰብኣየይ ግና ካብ ናተይ ኣዝዩ እተፈልየ ኣተዓባብያ እዩ ነይርዎ።”

ኣብ ሓዳር፡ ኣኽብሮት ኣብ ቃሕ ዝበለካ እዋን እተርእዮ ነገር ኣይኰነን፣ መሰረታዊ ነገር እዩ። እሞ ደኣ ንመጻምድትኻ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሰብኡት ኪኽበሩ ይደልዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ” ይብሎም። ቀጺሉ ኸኣ “እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ይብል። (ኤፌሶን 5:33) ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኺፍቀሩን ኪኽበሩን ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሰብኡት ቀንዲ ዚደልይዎ ነገር ኣኽብሮት እዩ። ካርሎስ * ዝስሙ ብዓል ሓዳር “ሰብኡት ንዅነታት ኪቈጻጸርዎን ጸገማት ኪፈትሑን ንስድራ ቤቶም ኪኣልዩን ከም ዚኽእሉ ኺስምዖም ይደልዩ እዮም” ይብል። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽእለት ዘለዎ ብምዃኑ ምስ እተኽብሮ፡ ንዕኡ ትጠቕሞ ጥራይ ዘይኰነስ ንርእሳ እውን ትጥቀም እያ። ኮሪን ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ሰብኣየይ ኣኽብሮት ከርእዮ ኸለኹ እዩ ንዓይ ዘለዎ ፍቕሪ ብዝያዳ ዜርእየኒ” በለት።

ኣንስቲ እውን ኣኽብሮት ይደልያ እየን። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘየኽብራ እንተ ዀይኑ፡ ብሓቂ ኼፍቅራ ኣይክእልን እዩ። ዳንኤል ከምዚ ይብል፦ “ንርእይቶን ንሓሳባትን ሰበይተይ ኬኽብሮ የድልየኒ እዩ፣ ስምዒታታ እውን ኬኽብረላ የድልየኒ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ዅነታት ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዓ ስለ ዘይተረድኣኒ ጥራይ ንስምዒታታ ሸለል ክብሎ እኽእል እየ ማለት ኣይኰነን።”

ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኣኽብሮት ዘለዎ ኣረኣእያ እተፈላለየ እዩ። ንስኻ ንመጻምድትኻ ኣኽብሮት ከም እተርእዮ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን፣ እቲ ቐንዲ ዜገድስ ግና መጻምድትኻ ኸም ዚኽበር ኰይኑ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ እዩ። እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ፡ “ጸገም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ እተጠቕሰት ብዓልቲ ሓዳር ነዚ ተረዲኣቶ እያ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ዋላ እኳ ንሰብኣየይ ኣኽብሮት ከም ዘየርኣኽዎ ገይረ እንተ ዘይሓሰብኩ፡ ኣኽብሮት ከም ዘየርኣኽዎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ገይረ እንተ ዀይነ፡ ኣነ እየ ለውጢ ኽገብር ዘሎኒ።”

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  • ብዛዕባ መጻምድትኻ እተድንቖ ሰለስተ ነገራት ጽሓፍ። እቲ መጻምድትኻ ዘለዎ ዚድነቕ ባህርያት፡ ንዕኡ ዘሎካ ኣኽብሮት ንኸተዕቢ መሰረት ኪዀነካ ይኽእል እዩ።

  • ንሓደ ሰሙን ዚኸውን፡ ኣብዘን ዚስዕባ መዳያት ንጠባይካ ኣስተብህለሉ (ንጠባይ መጻምድትኻ ኣይኰነን)።

ቃላትካ። ብዛዕባ መጻምድቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ “እቶም ሕጉስን ድልዱልን ሓዳር ዘለዎም መጻምድቲ ብዛዕባ ግጭታቶም ኪዘራረቡ ኸለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጠቐስዎ ሓደ ኣሉታዊ ነጥቢ፡ ሓሙሽተ ኣወንታዊ ነጥብታት ኪጠቕሱ ኸለዉ፡ እቶም ናብ ፍትሕ ገጾም ዜምርሑ ሰብ ሓዳር ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝጠቐስዎ ሓደ ኣሉታዊ ነጥቢ፡ ሓደ ኣወንታዊ ነጥቢ ኺጠቕሱ እኳ ጋዶ እዩ ዀይንዎም።” *ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 12:18

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንመጻምድተይ ብኣኽብሮት ድየ ዝዛረቦ፧ ክንደይ ግዜ እየ ዝነቕፎ፧ ክንደይ ግዜ እየኸ ዝንእዶ፧ ብዛዕባ ገለ እተዓዘብክዎ ኺዕረ ዘለዎ ነገር ክዛረቦ ኸለኹ ቓና ድምጸይ ከመይ እዩ፧’ መጻምድትኻ ነቲ እትህቦ መልሲ ምተሰማማዓሉዶ፧—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:13

ነዚ ፈትኖ፦ ንመጻምድትኻ ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ክትንእዶ ሸቶ ግበር። ርእይቶ፦ ነቲ ኣቐዲምካ ዝመዝገብካዮ እተድንቖ ባህርያት መጻምድትኻ ምልስ ኢልካ ርኣዮ። ንመጻምድትኻ ብዛዕባኡ እተድንቖ ነገራት ናይ ምንጋር ልማድ ይሃሉኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 8:1

ተግባራትካ። ኣሊስያ ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ዕዮ ቤት ኣብ ምዕያይ ብዙሕ ግዜ እየ ዘሕልፍ፣ ብዓል ቤተይ ናውቱ ብምውጋን ወይ ኣቑሑት ብምሕጻብ ንጻዕርታተይ ከም ዜኽብሮ ኽርኢ ኸለኹ ድማ ጻዕርታተይ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነን ኣብ ሓዳርና ዋጋ ኸም ዘሎንን እዩ ዚስምዓኒ” በለት።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እቲ ንመጻምድተይ ዝሕዘሉ መገዲ ንዕኡ ዘሎኒ ኣኽብሮት ዜርኢ ድዩ፧ ንመጻምድተይ እኹል ግዜን ኣቓልቦን እህቦ ድየ፧’ መጻምድትኻ ነቲ እትህቦ መልሲ ምተሰማማዓሉዶ፧

ነዚ ፈትኖ፦ መጻምድትኻ በየናይ ሰለስተ መገድታት ኬኽብረካ ኸም እትደሊ ጽሓፍ። መጻምድትኻ እውን ከምኡ ኸም ዚገብር ግበር። ነፍሲ ወከፍኩም፡ መጻምድትኹም ኣበየናይ መዳያት ኪኽበር ከም ዚደሊ ፈሊጥኩም ምእንቲ ኽትዓዩሉ፡ ነቲ ዘዳለኹምዎ ዝርዝር ተቐያየሩ። ኣብቲ ንስኻ ኣኽብሮት ከተርእየሉ ዜድልየካ መዳያት ኣተኵር። ሓዴኹም ተበግሶ እንተ ወሲዱ፡ እቲ ሓደ ኺስዕብ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ካብታ ቴን ለሰንስ ቱ ትራንስፎርም ዮር ሜሬጅ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።