ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በርነት፡ ሲሞን፡ ኢስተን፡ ኬለብ

ፈትዮም ይመጹ—ኦሽያንያ

ፈትዮም ይመጹ—ኦሽያንያ

ረኔ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመ እትርከብ ቀናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዘዕብይዋ ሓብቲ እያ። ንሳ ድማ፡ “ብዙሕ ግዜ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ኬድና ነገልግል ኔርና። ማማን ባባን ነቲ እነሕልፎ ግዜ መሳጥን ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ይገብርዎ ነይሮም። ክልተ ቘልዑ ምስ ወለድኩ ኸኣ፡ ደቀይ ከም ናተይ ዓይነት ህይወት ኪህልዎም ደልየ” ትብል።

ሼን ዝስሙ ሰብኣይ ረኔ እውን ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመ ዚርከብን ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ሸቶታት ዘለዎን ሓው እዩ። ንሱ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ጓልና ምስ ተወልደት፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብናይ ውልቆም ጃልባ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓሲፊክ ናብ እተርከብ ቶንጋ እትብሃል ደሴት ከይዶም ብዛዕባ ዘገልገሉ ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንቢብና። * ነታ ዓንቀጽ እቲኣ ምንባብና፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድና ምእንቲ ኸነገልግል ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኒው ዚላንድን ናብ ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደብዳበ ኽንሓትት ድሪኹና እዩ። * ከም ምላሹ ኸኣ፡ ናብታ ኣቐዲምና ብዛዕባኣ ኣንቢብና ዝነበረት ቶንጋ ኽንግዕዝ ጻውዒት ቀሪቡልና።”

ጃኮብ፡ ረኔ፡ ስካይ፡ ሼን

ሼንን ረኔን እቶም ጃኮብን ስካይን ዚብሃሉ ደቆምን፡ ብሰንኪ ኣብታ ደሴት ቶንጋ እተላዕለ ተኸታታሊ ናዕቢ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ኣውስትራልያ ተመሊሶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዝገበርዎ ሸቶ ኣይረሰዑን። ብ2011፡ ናብታ ኻብ ኣውስትራልያ ብሸነኽ ምብራቕ 1500 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ፓሲፊክ እትርከብ ደሴት ኖርፎክ ግዒዞም እዮም። እንታይ ውጽኢትከ ረኺቦም፧ ሎሚ፡ እቲ ወዲ 14 ዓመት ዝዀነ ጃኮብ፡ “የሆዋ ተኸናኺንና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣገልግሎትና ባህ ዜብል ከም ዚኸውን እውን ገይሩልና እዩ” ይብል።

ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ምግልጋል

ከም ሼንን ረኔን ደቆምን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ስድራ ቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ኬይዶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

“ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ነይርዎም እዩ። ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣጋጣሚ ኽንህቦም ከኣ ደሊና።”—በርነት

በርነትን ሲሞንን ዚብሃሉ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመ ዚርከቡ ሰብ ሓዳርን 12ን 9ን ዝዕድሚኦም ኢስተንን ኬለብን ዚብሃሉ ደቆምን፡ ኣብ ኲንስላንድኣውስትራልያ  ናብ እትርከብ በርክታውን እትብሃል ግልልቲ ኸተማ ግዒዞም እዮም። ብዛዕባ እዚ፡ በርነት ከምዚ ይብል፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ ሰለስተ ወይ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ እዮም ዚሰብኩ ነይሮም። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ነይርዎም እዩ። ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ኣጋጣሚ ኽንህቦም ከኣ ደሊና።”

ጂም፡ ጃክ፡ ማርክ፡ ካረን

ማርክን ካረንን ዚብሃሉ ኣብ መጀመርታ 50ታት ዕድመ ዚርከቡ ሰብኣይን ሰበይትን ምስቶም ጀሲካን ጂምን ጃክን ዚብሃሉ ደቆም፡ ናብታ ኣብ ኖርዘርን ተሪቶሪ እትርከብ ማዕድን ዚወጻላ ንሁሉንበይ እትብሃል ቦታ ቕድሚ ምግዓዞም፡ ኣብ ጥቓ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት የገልግሉ ነይሮም እዮም። ማርክ፡ “ሰባት እፈቱ እየ። ስለዚ፡ ናይ ጉባኤ ዕዮን ኣገልግሎትን ኣብ ዚበዝሓሉ ቦታ ኽነብር እየ ዝደሊ” ይብል። ካረን ግና ብዛዕባ ምግዓዝ ዝመጸ ተዋላዊላ እኳ እንተ ነበረት፡ “ማርክን ካልኦት ሰባትን ምስ ኣተባብዑኒ ግና፡ ክፍትኖ ወሲነ። ከምኡ ብምግባረይ ድማ ሕጕስቲ እየ” ትብል።

በንጃሚን፡ ጄድ፡ ብሪያ፡ ካሮሊን

ብ2011፡ በንጃሚንን ካሮሊንን ምስተን ሕጻናት ዝነበራ ጄድን ብሪያን ዚብሃላ ደቆም ካብ ኲንስላንድ፡ ኣውስትራልያ ናብታ ኣብ እኩባት ደሴታት ኢንዶነዥያ እትርከብ ቲሞር-ለስተ እትብሃል ንእሽቶ ሃገር ተመሊሶም እዮም። በን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነን ካሮሊንን ኣብ ቲሞር-ለስተ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ኔርና ኢና። እቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ፣ እቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ እዮም ዚድግፉና ነይሮም። ካብኡ ኽንወጽእ ከለና ኣዚና ኢና ጕሂና ኔርና። ክንምለስ ከኣ ቈሪጽና ኢና ኔርና። ደቅና ምስ ተወልዳ ግና መደባትና ናብ ካልእ እዋን ኸነመሓላልፎ እኳ እንተ ነበረና፡ ኣይለወጥናዮን” ይብል። ካሮሊን ድማ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ደቅና ብሚስዮናውያንን ብቤት-ኤላውያንን ብፍሉያት ፈለምትን ኪኽበባ፡ ብሉጽ መንፈሳዊ ተመክሮ እውን ኪረኽባ ኢና ደሊና” ትብል።

ንምግዓዝ ምድላው

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሰርሕ ዚደሊ እሞ፡ . . . ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 14:28) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ናብ ካልእ ቦታ ቕድሚ ምግዓዛ፡ ጽቡቕ ምድላዋት ክትገብር ኣለዋ። እሞኸ እንታይ መዳያት ኪሕሰበሉ ይግባእ፧

መንፈሳዊ፦ በን፡ “ንኻልኦት ከነገልግሎም እምበር ጾር ክንኰኖም ኣይኰንናን እንደሊ። ስለዚ፡ ቅድሚ ምግዓዝና ንርእስና ብመንፈሳዊ መዳይ ሃኒጽና ኢና። ኣገልግሎትናን ካልእ ኣብ ጉባኤ ዝነበርና ንጥፈታትን እውን ኣስፊሕና ኢና” ይብል።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጃኮብ እውን፡ “ናብ ደሴት ኖርፎክ ቅድሚ ምግዓዝና፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ኣብ ንቕሑ!ን ዚወጽእ ብዙሕ ታሪኽ ህይወት እቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ስድራ ቤታት ኣንቢብና ኢና። ብዛዕባ ዘጋጠሞም ብድሆታትን የሆዋ ብኸመይ ከም እተኸናኸኖምን ከኣ ንመያይጥ ኔርና” ይብል። እታ ጓል 11 ዓመት ዝዀነት ስካይ ሓብቱ ድማ፡ “ብብሕተይን ምስ ማማን ባባን ኰይነን ብዙሕ እየ ጸልየ” ትብል።

ስምዒታዊ፦ ረኔ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ጥቓ ቤተ ሰብናን ፈተውትናን ከምኡ እውን ኣብ ዝፈትዎ ኸባቢ ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ኣብኡ ምንባር ምቐለለኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገድፎ ዘለኹ ነገራት ኣብ ክንዲ ዝሓስብ፡ ኣብቲ ስድራ ቤትና እትረኽቦ ረብሓ እየ ኣተኲረ” ትብል።

ባህላዊ፦ ብዙሓት ስድራ ቤታት ብዛዕባ እቲ ዝኸድዎ ሓድሽ ከባቢ ኺፈልጡ ይጽዕሩ እዮም። ምስዚ ብዚተኣሳሰር ማርክ ከምዚ ይብል፦ “ብእተኻእለና መጠን ብዛዕባ ንሁሉንበይ ኣንቢብና ኢና። ኣብታ ዚነብሩ ኣሕዋት ጋዜጣታት እታ ኸተማ ሰዲዶምልና ነይሮም፡ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ህዝብን ባህሎምን ክንፈልጥ ሓጊዙና እዩ።”

ናብ ደሴት ኖርፎክ ዝገዓዘ ሼን ድማ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “ኣነ ክርስትያናዊ ባህርያት ከንጸባርቕ እየ ዝጽዕር ነይረ። ከመይሲ፡ ቅኑዕን ልኡምን ሓቀኛን ህርኩትን እንተ ዀይነ፡ ኣብ ዝኸድክሉ ዘበለ ምስ ሰብ ተሓዊሰ ኽነብር ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ።”

ብድሆታት ምስጋር

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታታት ኬድካ ብምግልጋል እተዓወቱ ሰባት፡ ዘይተሓስበ ብድሆታት ኬጋጥም ከሎ፡ ተዓጻጽፍነትን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ዘለዎ ኣገዳስነት ይገልጹ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

ረኔ ኸምዚ ትብል፦ “ሓደ ነገር ብእተፈላለየ መገድታት ኪዕመም ከም ዚከኣል ተማሂረ እየ። ንኣብነት፡ ኣብ ደሴት ኖርፎክ እቲ ባሕሪ ዘይህዱእ እንተ ዀይኑ፡ ቀረብ ዝጸዓና መራኽብ ስለ ዘይመጻ፡ ኣስቤዛ ኣይርክብን እዩ፡ ክቡር ከኣ ይኸውን። ስለዚ፡ በቲ ዘሎኒ፡ ምግቢ ምድላው ተማሂረ እየ።” ሰብኣያ ሼን ከኣ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንሰሙን ዝመደብናዮ ገንዝብ ምእንቲ ኸይውዳእ፡ ኣብቲ እንዕድጎ ነገራት ምትዕርራይ ክንገብር ነይሩና” ይብል።

ወዶም ጃኮብ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካብዚ እተፈልየ ብድሆ እዩ ጠቒሱ፦ “እታ ሓዳስ ጉባኤና ሸውዓተ ኣባላት ጥራይ እዮም ነይሮምዋ፡ ኵላቶም ከኣ ዓበይቲ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ መሳቶይ ዝዀኑ ኣዕሩኽ ኣይነበሩንን። ምስቶም ካባይ ብዕድመ ዝዓብዩ ምስ ኣገልገልኩ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣዕሩኸይ ኰይኖም።”

ሕጂ ወዲ 21 ዓመት ዝዀነ ጂም እውን ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ብድሆ ኺገልጽ ከሎ፡ “እታ ንንሁሉንበይ ዝቐረበት እትብሃል ጉባኤ ልዕሊ 725 ኪ.ሜ. ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። ስለዚ፡ ንዓበይቲ ኣኼባታት ብግቡእ ኢና እንጥቀመሉ። ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእንቲ ኸነዕልል፡ ብእዋኑ ኢና ንኸይድ። ነዚ ኣኼባታት እዚ ሃንቀው ኢልና ኢና እንጽበዮ” ይብል።

“ብምምጻእና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ!”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም” ይብል። (ምሳሌ 10:22) ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ዜገልግሉ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋት፡ ሓቅነት እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ኣብ ህይወቶም ርእዮም እዮም።

ብዛዕባ እዚ ማርክ፡ “እቲ ዝዓበየ በረኸት፡ እቲ ምግዓዝና ኣብ ደቅና ዘሕደሮ ጽልዋ እዩ። እቶም ዓበይቲ ደቅና፡ የሆዋ ነቶም ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዘቐድሙ ኸም ዚከናኸኖም ምሉእ እምንቶ ኣለዎም። ነዚ ኸኣ ብገንዘብ ክትዕድጎ ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብል።

ሼን ድማ፡ “ምስ ብዓልቲ ቤተይን ምስ ደቀይን ዝያዳ ተቐራሪበ እየ። ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ኬዘንትዉ ኽሰምዕ ከለኹ፡ ናይ ብሓቂ እየ ዝሕጐስ” ይብል። ወዱ ጃኮብ እውን፡ “ባህ ዜብል ግዜ እየ ኣሕሊፈ። ብምምጻእና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ!” ብምባል ምስዚ ሓሳብ ከም ዚሰማማዕ ገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 3 ነታ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-11 ዝወጸት፡ “ኣብ ደሴታት ቶንጋ ዚርከቡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 3 ብ2012፡ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኒው ዚላንድን ዚርከባ ዝነበራ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን ጨንፈር ኣውስትራለዥያ ኣቚመን እየን።