ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከነት ኩክን ብዓልቲ ቤቱ ጄሚን

ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ረቡዕ ንግሆ፡ 24 ጥሪ 2018፡ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ዘለዉ ስድራ ቤት-ኤል፡ ሓውና ከነት ኩክ ጁንየር ተወሳኺ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዜሐጕስ ምልክታ ተነግሮም።

ሓውና ኩክ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቕድሚ ምውዳኡ ኸኣ፡ ካብ ሓደ መማህርቱ ሓቂ ሰምዐ፣ ብ7 ሰነ 1980 ድማ ተጠምቀ። ብ1 መስከረም 1982 ከኣ፡ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ንኽልተ ዓመት ፈላሚ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ብ12 ጥቅምቲ 1984 ኣብ ዎልኪል ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ኬገልግል ጻውዒት ቀረበሉ።

ሓውና ኩክ ኣብ ክፍሊ ሕትመትን ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት-ኤልን ኣብ እተፈላለየ ቦታ ተመዲቡ ን25 ዓመት ኣገልገለ። ኣብ 1996 ድማ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ጄሚ ተመርዓወ፡ ንሳ እውን ኣብ ዎልኪል ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ምስኡ ከተገልግል ጀመረት። ኣብ ሕዳር 2009 ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ተመደቡ፣ ሓውና ኩክ ከኣ ኣብ ክፍሊ ምጽሕሓፍ ደብዳበታት ኬገልግል ተመደበ። ኣብ ሚያዝያ 2016 ናብ ዎልኪል ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምምላሶም፡ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ገዓዙ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ድማ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ገዓዙ። ኣብ ጥሪ 2017 ድማ፡ ሓውና ኩክ ሓጋዚ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኬገልግል ተሸመ።