ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መትከል ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ

መትከል ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ

ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኪቐርብ ትብዓት ኣድልይዎ እዩ። ከመይሲ፡ ጲላጦስ ብዘይ መጠን ተሪር እዩ ነይሩ። የሱስ ንቡር ቀብሪ ኺረክብ እንተ ዀይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ፡ ሬሳ የሱስ ኪልምን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምቕራብ፡ ከምቲ ዮሴፍ ተጸብይዎ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ከቢድ ኣይነበረን። ጲላጦስ ንሓደ ሓለቓ ጸዊዑ የሱስ ከም ዝሞተ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንዮሴፍ ሬሳ የሱስ ኪውሃቦ ፈቐደ። ዮሴፍ ብሞት የሱስ ኣዝዩ ጕህዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኡብኡ ናብቲ የሱስ እተሰቕለሉ ቦታ ኸደ።—ማር. 15:42-45

  • ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

  • ምስ የሱስ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ነይርዎ፧

  • ዛንታኡ ዜገድሰካኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣባል ዋዕላ ኣይሁድ

እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ወንጌል ማርቆስ ንዮሴፍ፡ “ሕፉር ኣባል ቤት ምኽሪ” ኸም ዝነበረ እዩ ዚገልጾ። እቲ ኣብዚ ቤት ምኽሪ ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዝለዓለ ኣካል ምምሕዳርን ዚሓቍፍ ዋዕላ ኣይሁድ ጥራይ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ማር. 15:1, 43) ስለዚ፡ ዮሴፍ ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኪቐርብ ኣጋጣሚታት ነይርዎ እዩ። ሃብታም ከም ዝነበረ እውን ፍሉጥ እዩ።—ማቴ. 27:57

ንየሱስ ንጉስካ ኸም ዝዀነ ብትብዓት ትእመነሉ ዲኻ፧

ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ ጸላእቲ የሱስ እዮም ነይሮም። ንየሱስ ኪቐትልዎ ድማ ውዲት ይኣልሙ ነይሮም እዮም። ዮሴፍ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ” ከም ዝነበረ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ሉቃ. 23:50) ካብቶም መዓይይቱ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ዋዕላ እተፈልየ ስለ ዝነበረ፡ ብእተኻእሎ መጠን ትእዛዝ ኣምላኽ ንምሕላው ዚጽዕርን ብቕንዕና ዚነብርን ሰብ እዩ ነይሩ። ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ እውን ይጽበያ’ ስለ ዝነበረ፡ ወደ መዝሙር እንተ ተባህለ ዜገርም ኣይኰነን። (ማር. 15:43፣ ማቴ. 27:57) ብዛዕባ ሓቅን ፍትሕን ዝነበሮ ተገዳስነት ብመልእኽቲ የሱስ ከም ዚስሓብ ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሕቡእ ወደ መዝሙር

ዮሴፍ፡ ኣብ ዮሃንስ 19:38፡ “ንኣይሁድ ብምፍራሁ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ” ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ንዮሴፍ እንታይ እዩ ዜፍርሆ ነይሩ፧ ኣይሁድ ንየሱስ ይንዕቅዎ ኸም ዝነበሩ፡ ብእኡ ንዝኣመነ ኸኣ ካብ ምኵራብ ኪሰጕግዎ ኸም እተሰማምዑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:45-49፣ 9:22) ሓደ ሰብ ካብ ምኵራብ እንተ ተሰጒጉ፡ ኣይሁድ ይንዕቕዎን የግልልዎን ይፍንፍንዎን ነበሩ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ብጋህዲ ብየሱስ ከይእመን ፈርሀ። ብየሱስ እንተ ተኣሚኑ፡ ክብሩን ስልጣኑን ኪስእን ይኽእል ነይሩ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ዝኣተወ ግና፡ ዮሴፍ ጥራይ ኣይነበረን። ዮሃንስ 12:42፡ “ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ [ብየሱስ] ኣመኑ፣ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን” ትብል። ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ዚርከብ ኣባል ዋዕላ ኣይሁድ ዝነበረ ኻልእ ውልቀ ሰብ ድማ፡ ኒቆዲሞስ እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 3:1-10፣ 7:50-52

ዮሴፍ ግና ብጋህዲ እኳ እንተ ዘይተዛረበ፡ ወደ መዝሙር እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣቕሊልካ ዚርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ከመይሲ የሱስ፡ “ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚእመነለይ ኵሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመነሉ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚኽሕደኒ ዘበለ ግና፡ ኣነ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 10:32, 33) ዮሴፍ ንየሱስ ቃል ብቓሉ እኳ እንተ ዘይከሓዶ፡ ኪእመነሉ ግና ትብዓት ኣይነበሮን። ንስኻኸ ንየሱስ ብትብዓት ትእመነሉ ዲኻ፧

እቲ ዜሐጕስ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ እቶም ኣባላት ዋዕላ ንየሱስ ንምቕታል ውዲት ምስ ኣለሙ፡ ዮሴፍ ኣይሓበሮምን። (ሉቃ. 23:51) ገሊኦም ከም ዚብልዎ፡ ኣብታ የሱስ ንፍርዲ ዝቐረበላ ህሞት፡ ዮሴፍ ኣይነበረን ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ፡ ዮሴፍ በቲ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ውሳነ ኪቕይሮ ግና ዓቕሚ ኣይነበሮን።

መትከሉ ኣፍለጠ

ኣብቲ የሱስ ዝሞተሉ እዋናት ግና፡ ዮሴፍ ነቲ ዝነበሮ ፍርሂ ኣሰኒፉ፡ ምስ ሰዓብቲ የሱስ ኪውግን ከም ዝወሰነ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ ማርቆስ 15:43“ተቢዑ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ” ትብለና እያ።

ኣብቲ የሱስ ዝሞተሉ እዋን፡ ዮሴፍ ኣብኡ ዝነበረ እዩ ዚመስል። የሱስ ከም ዝሞተ እኳ፡ ቅድሚ ጲላጦስ እዩ ፈሊጡ። ከመይሲ፡ ዮሴፍ ሬሳ የሱስ ምስ ሓተተ፡ ጲላጦስ፡ “ድሮ ሙማቱ” ገሪምዎ እዩ። (ማር. 15:44) የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪሳቐ ኸሎ፡ ዮሴፍ ርእይዎ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንሕልናኡ ብምትንካፍ፡ ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ኺእመን ደሪኽዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእስ ይትረፍ፡ ስጕምቲ ኺወስድ ተበጊሱ እዩ። ሕቡእ ወደ መዝሙር ምዃኑ ኸኣ ኣብቅዐ።

ዮሴፍ ንሬሳ የሱስ ቀበሮ

ሕጊ ኣይሁድ፡ ሞት እተፈርዶም ሰባት፡ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኪቕበሩ ኸም ዘለዎም ይእዝዝ ነበረ። (ዘዳ. 21:22, 23) ሕጊ ሮማውያን ግና፡ ሬሳ እቶም እተሰቕሉ ገበነኛታት፡ ኣብቲ ጕንዲ ኸም ዚብስብስ ወይ ከኣ ናብ ተራ መቓብር ከም ዚድርበ እዩ ዚገብር ነይሩ። ዮሴፍ ንየሱስ ከምዚ ኼጋጥሞ ኣይደለየን። ኣብ ጥቓ እቲ የሱስ ተሰቒሉሉ ዝነበረ ቦታ፡ ዮሴፍ ኣብ ከውሒ እተወቕረ ሓድሽ መቓብር ነበሮ። እዚ መቓብር እዚ ሓድሽ ምዃኑ፡ ዮሴፍ ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ ኻብ ኣርማትያስ * ናብ የሩሳሌም ከም ዝገዓዘ እሞ፡ ነቲ ቦታ እቲ፡ ስድራ ቤቱ ኪቕበሩሉ መዲብዎ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። (ሉቃ. 23:53፣ ዮሃ. 19:41) ዮሴፍ ንየሱስ ኣብቲ ንገዛእ ርእሱ ዘዳለዎ ሓድሽ መቓብር ምቕባሩ፡ ለጋስ ምዃኑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ፡ መሲሕ “ምስ ሃብታማት” ከም ዚቕበር ዚገልጽ ትንቢት ተፈጸመ።—ኢሳ. 53:5, 8, 9

ካብቲ ምስ የሆዋ ዝመስረትካዮ ርክብ ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርካ እትርእዮ ነገር ኣሎ ድዩ፧

ኣርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ንሬሳ የሱስ ካብቲ ጕንዲ ምስ ኣውረድዎ፡ ዮሴፍ ብጽሩይ ቅጭን በፍታ ገኒዙ፡ ኣብቲ ንርእሱ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ከም ዘንበሮ ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 27:59-61፣ ማር. 15:46, 47፣ ሉቃ. 23:53, 55፣ ዮሃ. 19:38-40) ንዮሴፍ ከም ዝሓገዞ ብንጹር እተጠቕሰ፡ እቲ ንቐብሪ ንምድላው ሽቱ ሒዙ ዝመጸ ኒቆዲሞስ ጥራይ እዩ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ምርኡያት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ሬሳ ባዕላቶም ከም ዘየውረድዎ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ሬሳ ኣብ ምስካምን ኣብ ምቕባርን ኣገልገልቶም ተጠቒሞም ኪዀኑ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እቲ ኽልቲኦም ዝገበርዎ ነገር ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ሰብ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይረክስ፡ ንሱ ዝተንከዮ ዘበለ ነገር እውን ርኹስ ይኸውን ነበረ። (ዘሁ. 19:11፣ ሃጌ 2:13) ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ከምኡ ምግባሮም ኣብታ ፋስጋ እትበዓለላ ሰሙን ከም ዚግለሉ ዚገብር እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 9:6) ዮሴፍ ንቐብሪ የሱስ ንምድላው መሰናድዎ ምግባሩ እውን ካብ መዓይይቱ ላግጺ ዜስዕበሉ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንየሱስ ንቡር ቀብሪ ኸም ዚረክብ ብምግባሩን ንርእሱ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ከም ዝዀነ ብምግሃዱን ንዝመጾ ሳዕቤናት ኪቕበል ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

መወዳእታ ዛንታ ዮሴፍ

የሱስ ምስ ተቐብረ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጠቕሰን። ድሕሪኡ እንታይ ኰን ኰይኑ ይኸውን፧ እንፈልጦ ነገር የለን። ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ግና፡ ክርስትያን ምዃኑ ኣግሂዱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ዘሕለፎ ጽንኩር እዋናት፡ እምነቱን ትብዓቱን ኣብ ክንዲ ዚደክም ደልዲሉ እዩ። እዚ መትከሉ ኸም ዘፍለጠ ዚሕብር እዩ።

እዚ ዛንታ እዚ፡ ኵላትና ኽንሓስበሉ ዘሎና ሕቶ የበግስ። ንዘሎና ስልጣን፡ ሞያ፡ ጥሪት፡ ፍቕሪ ስድራ ቤት፡ ናጽነት ወይ ካልእ ነገራት ካብቲ ምስ የሆዋ ዝመስረትናዮ ርክብ ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርና ዲና እንርእዮ፧

^ ሕ.ጽ. 18 ኣርማትያስ፡ እዛ ሎሚ ረንቲስ (ራንቲስ) እትብሃል ዘላ፡ ራማ ብዚብል ስም እትፍለጥ ዝነበረት ዓዲ ኽትከውን ትኽእል እያ። ካብ የሩሳሌም ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ 35 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ዓዲ ነብዪ ሳሙኤል ከኣ እያ ነይራ።—1 ሳሙ. 1:19, 20