ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2018 | መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧

ኣብዛ ብቴክኖሎጂ ማዕቢላ ዘላ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ምሃላዉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ይገብሮ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃር . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኺመርሓና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።

 

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧

ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣዝዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኺርከብ ዚከኣል ክነሱ፡ ነቲ ቕድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ እተዛዘመ መጽሓፍ ቅዱስ ምውካስ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ—ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ግብራውን ግዜ ኣብ ዘይሓልፎን ስርዓታት እተመስረተ እዩ።

ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ስነ ፍልጠታዊ ሓሳባት ግና ኬደንቐካ ይኽእል እዩ።

1 ካብ ጸገማት ክትርሕቕ ይሕግዝ

ጥበብ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ከቢድ ጸገማት ኬወግዱ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ርአ።

2 ጸገማት ክትፈትሕ ይሕግዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ንኸም መጠኑ ዝሓለፈ ጭንቀትን ዕዮኻ ምውዛፍን ጽምዋን ዝኣመሰለ ቐጻልን ተስፋ ዜቝርጽን ጸገማት ክንፈትሕ ዚሕግዘና ጥበብ ይህበና እዩ።

3 ንጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ

ከም ሕዱር ሕማም ወይ ሞት ዝኣመሰለ ኸነወግዶ ወይ ክንፈትሖ ዘይንኽእል ጸገማት ክንጾር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስን መጻኢኻን

ቃል ኣምላኽ ነዚ ኣብዛ ዘይተተኣማምን ዓለም መዓልታዊ ዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧

ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ገሊኦም እንታይ ከም ዚኣምኑን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ርአ።