ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ነቲ ብቕንዕና እነቕርቦ ጸሎትና ኺሰምዖ ይደልን ባህ ይብሎን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ጸሎት ኣይኰነን ዚምልሶ። ስለምንታይ፧ ክንጽሊ ኸለና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ዘሎና ነገርከ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መምርሒታት ንርአ።

“ክትጽልዩ ኸለኹም፡  . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ።”—ማቴዎስ 6:7

የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና እተሸምደደ ጸሎት ክንደግም ወይ ካብ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ከነንብብ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ልቢ ኽንዛረብ እዩ ዚደልየና። ፈታዊኻ በብመዓልቱ ሕደ ዓይነት ቃላት እናደጋገመ እንተ ዚዛረበካ፡ ከመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ናይ ሓቂ ፈተውቲ ብጋህድን ብቕንዕናን እዮም ዚዘራረቡ። ክንጽሊ ኸለና ናይ ገዛእ ርእስና ቓላት ምስ እንጥቀም፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኸም ፈታዊና ጌርና ኸም እንርእዮ እዩ ዚሕብር።

“ክትልምኑ ኸለኹም ከኣ፡  . . . ብኽፉእ ሓሳብ ስለ እትልምኑ፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:3

ኣምላኽ ክንገብሮ ወይ ክንውንኖ ዘይደልየና ነገራት ብጸሎት ምስ እንሓትቶ፡ ኪምልሰልና ኸም ዘይንጽበ መቸም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኻብ ስስዐን ከም ዕድል ካብ ዝኣመሰለ ማሪታዊ እምነትን ክንርሕቕ ብንጹር ኣጠንቂቑና ኽነሱ፡ ሓደ ተጣላዒ ጽቡቕ ዕድል ኪረክብ እንተ ዚልምን፡ ምመለሰሉዶ፧ (ኢሳይያስ 65:11፣ ሉቃስ 12:15) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኪምልሶ ምጽባይ ርትዓዊ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ እንተ ደሊና፡ ልማኖና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓታቱ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።

“ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።”—ምሳሌ 28:9

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንጽድቃዊ ሕግታቱ ዚነጽጉ ዝነበሩ ሰባት ኣይምልሰሎምን እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 1:15, 16) ኣምላኽ ሕጂ እውን ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብእተኻእለና መጠን ምስ ሕግታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ነገራት ንገብር እንተ ደኣ ኔርናኸ፧ የሆዋ ፈጺሙ ኣይሰምዓናን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እንተ ተመሊስናን ከነሐጕሶ እንተ ጽዒርናን፡ ኣምላኽ ብፍታው ይቕረ ይብለልና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19