ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

1 | ኣይተዳሉ

1 | ኣይተዳሉ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

የሆዋ * ኣምላኽ ብዓድና፡ ብዓሌትና፡ ብሕብሪ ቘርበትና፡ ወይ ብባህልና ኣይፈርደናን እዩ። የግዳስ፡ ኣብቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገር፡ ማለት ኣብ ውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዜተኵር። እወ፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7

ክትገብሮ እትኽእል፦

ልቢ ኸነንብብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣምላኽ ክንመስሎን ንኻልኦት ብዘይ ኣድልዎ ኽንርእዮምን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ንሰባት ብደረጃ ጕጅለ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ክትርእዮም ጽዓር። ንኻልኦት ሰባት፡ ንበል ንወዲ ኻልእ ዓሌት ወይ ንወዲ ኻልእ ዓዲ ኣሉታዊ ስምዒታት እንተ ኣልዩካ፡ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ነዚ ስምዒታት እዚ ኻብ ሱሩ ኽትምሕዎ ምእንቲ ኺሕግዘካ እውን ለምኖ። (መዝሙር 139:23, 24) ብዘይ ኣድልዎ ንምምልላስ ዜድሊ ብርታዐ ንምርካብ ንየሆዋ ኻብ ልቢ እንተ ለሚንካዮ፡ ንሱ ጸሎትካ ሰሚዑ ኸም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 3:12

^ ሕ.ጽ. 6 የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18

“ይትረፍዶ ናብ እንዳ ሓደ ጻዕዳ ሰብ ከይደ ምስኡ ምግቢ ኽበልዕሲ፡ ብሰላም እኳ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢለ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግን ኣባል እቲ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኰይነ እየ።”—ታይተስ