ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዚግበር ዝነበረ ንግዲ ባርያ ብዙሕ ዜኽስብ ንግዲ እዩ ነይሩ

ካብ ባርነት ሓራ ምውጻእ—ቀደምን ሎምን

ካብ ባርነት ሓራ ምውጻእ—ቀደምን ሎምን

ብለሲንግ፡ * መሻጢት ኰይና ኸም እትሰርሕ ቃል ስለ እተኣትወላ ናብ ኤውሮጳ ኸደት። ንዓሰርተ መዓልቲ ብቐጻሊ ምስ ተወቕዐትን እቶም ኣብ ዓዳ ዘለዉ ስድራ ቤታ ጕድኣት ከም ዚወርዶም ምፍርራህ ምስ ኣጋጠማን ግና ኣመንዝራ ዀይና ኽትሰርሕ ተገደደት።

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ናይ እተታሕዙ ባሮት ዜርኢ ምስሊ

ብለሲንግ ነቲ እመቤታ ናብ ኤውሮጳ ኸተእትዋ ዝኸፈለትላ ልዕሊ 40,000 ዩሮ ዚኸውን ዕዳ ንምኽፋል፡ ኣብ ሓደ ምሸት ካብ 200 ኽሳዕ 300 ዩሮ ኸተእቱ ነይርዋ። * ብለሲንግ፡ “ኵሉ ግዜ እየ ኽሃድም ዝሓስብ ነይረ፡ ንስድራይ ገለ ኸይገብርዎም ፈሪሀ ግና እሓድጎ፣ ኣብ መቐራቕሮ እየ ኣትየ ነይረ” ብምባል ትገልጽ። ተመክሮ ብለሲንግ ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ኣህጉራዊ ኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ባሮት ዝዀኑ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ዚመሳሰል እዩ።

ኣስታት 4,000 ዓመት ይገብር፡ ዮሴፍ ዝስሙ ዀተቴ ብኣሕዋቱ ተሸጠ፣ ኣብ ቤት ሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ድማ ባርያ ዀነ። ዮሴፍ ከም ብለሲንግ ኣብ ፈለማ ብጐይታኡ ኣይተገፍዐን። ሰበይቲ ጐይታኡ ምሳይ ደቅስ እናበለት ላሕ ኣቢላቶም ምስ ኣበያ ግና፡ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ጌርካ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኸስሰ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮም ድማ ብሓጺን ኣሰርዎ—ዘፍጥረት 39:1-20፣ መዝሙር 105:17, 18

ዮሴፍ፡ ጥንቲ ዝነበረ ባርያ ዀይኑ፡ ብለሲንግ ድማ ኣብ መበል 21 ዘመን ዝነበረት ባርያ እያ። ክልቲኦም ግና ግዳይ እቶም ንሰባት ከም ኣቕሓ ገይሮም ዚርእዩን ረብሓኦም ጥራይ ዜገድሶምን ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንሰባት ዚሸጡ ነጋዶ እዮም ነይሮም።

ውግእ ንባርነት ዓብዪ ንግዲ ገይርዎ

ሓያሎ ሃገራት ብውግእ ኣቢለን ብቐሊሉ ባሮት ኬጥርያ ኽኢለን እየን። ንጉስ ግብጺ ዝነበረ ቱትሞሰ ሳልሳይ፡ ኣብ ከነኣን ብዝገበሮ ሓደ ወተሃደራዊ ወራር ጥራይ 90,000 ማሪኹ ኸም እተመልሰ እዩ ዚንገረሉ። ግብጻውያን ከኣ ነዚኣቶም ኣብ ዕደናን ኣብ ህንጸት ኣብያተ መቕደስን ኣብ ኵዕታ መትረባትን ከም ባሮት ገይሮም የስርሕዎም ነበሩ።

ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዚካየድ ዝነበረ ውግኣት፡ ንብዙሓት ባሮት ገይርዎም እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ ባሮት ንምርካብ ዝነበረ ድሌት ናብ ውግእ መሪሑ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ካብ ተቐማጦ ኸተማ ሮሜ እቶም ፍርቂ ባሮት ከም ዝነበሩ እዩ ዚግመት። ብዙሓት ባሮት ግብጽን ሮሜን ብዘይ ንሕስያ ተመዝሚዞም እዮም። ንኣብነት፡ ዕምሪ ሓደ ኣብ መዐደኒ ሮሜ ዚዓዪ ባርያ ኣስታት 30 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ባርነት እውን እናኸፍአ እዩ ኸይዱ። እቲ ኻብ 16 ኽሳዕ 19 ዘመን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣመሪካን እተገብረ ንግዲ ባርያ፡ ዝበዝሐ መኽሰብ ዚርከቦ ንግዲ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ዩኔስኮ፡ ‘ካብ 25 ክሳዕ 30 ሚልዮን ዚዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከም እተጨውዩን ከም እተሸጡን እዩ ዚግመት።’ ኣማእታት ኣሽሓት ድማ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኪሰግሩ ኸለዉ ኸም ዝሞቱ እዩ ዚንገር። ብህይወት ዝተረፈ ኦላውዳ ኤኲዋኖ ዚብሃል ሓደ ባርያ፡ “ኣውያት እተን ኣንስትን ቃንዛ እቶም ኣብ ኣፍ ሞት ዝቐረቡ ሰባትን ምስማዕ ኣዝዩ ዜስካሕክሕን ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣልን እዩ ነይሩ” በለ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ባርነት ዜስካሕክሕ ታሪኻዊ ፍጻመ ጥራይ ኰይኑ ኣይተረፈን። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ገና እውን 21 ሚልዮን ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ብውሑድ ክፍሊት ወይ ብዘይ ክፍሊት ባሮት ኰይኖም ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ባሮት ኣብ መዐደኒታትን ፋብሪካ ዓለባን ፋብሪካ ሕጡብን እንዳ ኣመናዝርን ናይ ብሕቲ ኣባይትን እዮም ዚሰርሑ። ከምዚ ዓይነት ባርነት ዘይሕጋዊ እኳ እንተ ዀነ፡ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።

ገና እውን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ባሮት ኰይኖም ይዓይዩ ኣለዉ

ሓራ ምውጻእ

ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ንብዙሓት ባሮት ንናጽነቶም ከም ዚቃለሱ ገይርዎም እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣብ ጥንታዊት ሮሜ ብኣጽዋር ንምቅላስ ዝሰልጠነ ስፓርታከስ ዚብሃል ሰብኣይን ገለ 100,000 ዚዀኑ ባሮትን፡ ኣንጻር ሮሜ ፍሹል ፈተነ ዕልወት ኣካየዱ። ኣብ መበል 18 ዘመን፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደሴታት ካሪበያ ዝዀነት ሂስፓኖላ ዝነበሩ ባሮት ኣንጻር ጐይተቶም ተላዕሉ። እቲ ኣብቶም ኣብ ሕርሻ ሽኮር ዚዓይዩ ዝነበሩ ባሮት ዝወረደ ግፍዒ ን13 ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ኣለዓዓለ፣ እዚ ድማ ኣማስያኡ ብ1804፡ ሀይቲ ርእሳ ኽኢላ እትመሓደር ሃገር ናብ ምዃን ኣምርሐ።

ኰይኑ ግና፡ ምውጻእ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ፡ ኣብ ታሪኽ እቶም ካብ ባርነት ሓራ ዝወጹ ሰባት፡ እቲ ዝዓበየ ዓወት እተመዝገበሉ ፍጻመ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ሰለስተ ሚልዮን ዚዀኑ ህዝቢ፡ ማለት ሃገር ምሉእ እዮም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኦም። ብሓቂ ድማ ሓርነት ዚግብኦም እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሕለፍዎ ህይወት፡ ‘ብዅሉ ዓይነት ባርነት ብጭከና ኸም ዝለፍዑ’ ይገልጽ። (ዘጸኣት 1:11-14) አረ ሓደ ፈርኦንሲ፡ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ እስራኤል ደው ንምባል፡ እተወልዱ ዕሸላት ናይ ምቕታል ወፈራ ኣካይዱ ነበረ።—ዘጸኣት 1:8-22

እቲ እስራኤላውያን ካብቲ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ መገዲ ፍሉይ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ጣልቃ ኣትዩ። የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ስቓዮም ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ። ከናግፎም ክወርድ እየ’ በሎ። (ዘጸኣት 3:7, 8) ክሳዕ ሎሚ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚርከቡ ኣይሁድ ነቲ ፍጻመ እቲ ንምዝካር ኣብ ዓዓመት ፋስጋ የብዕሉ እዮም።—ዘጸኣት 12:14

ባርነት ንሓዋሩ ዚጠፍኣሉ ግዜ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣብ የሆዋ ኣምላኽናስ ዓመጻ የልቦን’ ይብል፣ ኣምላኽ ከም ዘይልወጥ ድማ የረጋግጸልና። (2 ዜና መዋእል 19:7፣ ሚልክያስ 3:6) ኣምላኽ ንየሱስ፡ ‘ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ ኺእውጅ፡ ንግፉዓት ሓራ ኼውጽእ’ ለኣኾ። (ሉቃስ 4:18) ቃል ብቓሉ ባርያ ንዝዀነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓራ ኼውጽኦ እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ንሰባት ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እዩ ተላኢኹ። ንሱ ድሕሪ ግዜ፡ ‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’ ብምባል ተዛረበ። (ዮሃንስ 8:32) ሎሚ እውን እታ የሱስ ዝመሃራ ሓቂ ንሰባት ብብዙሕ መገድታት ሓራ ተውጽኦም ኣላ።—ነታ “ ካብ እተፈልየ ዓይነት ባርነት ሓራ ምውጻእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኣምላኽ ንዮሴፍን ንብለሲንግን ካብ ባርነት ሓራ ኺወጹ ብእተፈላለየ መገድታት ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ብዛዕባ ዮሴፍ ዚገልጽ ዜደንቕ ጸብጻብ፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ ካብ ምዕራፍ 39 ክሳዕ ምዕራፍ 41 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ብለሲንግ ሓራ ንኽትወጽእ ዝገበረቶ ጻዕሪ እውን ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን።

ብለሲንግ፡ ካብ ሓንቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ምስ ተሰጕጐት ናብ ስጳኛ ኸደት። ኣብኡ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት እሞ፡ ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ህይወታ ኸተዐሪ ስለ ዝቘረጸት፡ ሓደ ቐዋሚ ስራሕ ረኸበት፣ ነታ ናይ ቀደም እመቤታ ድማ ነቲ ወርሓዊ እትኸፍሎ ዕዳኣ ኽትንክየላ ኣእመነታ። ሓደ መዓልቲ፡ ብለሲንግ ካብ እመቤታ ተሌፎን ተደወለላ። ንሳ ንዕዳ ብለሲንግ ክትስርዞን ይቕሬታ ኽትሓትታን እያ ደልያ። ከምኡ ኽትገብር ዝደለየት ንሳ እውን ንባዕላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀሚራ ስለ ዝነበረት እያ። ብለሲንግ፡ “ሓቂ ብዜደንቕ መገድታት ሓራ ተውጽኣካ እያ” በለት።

የሆዋ ኣምላኽ፡ ከምቲ እስራኤላውያን ባሮት ኣብ ግብጺ ብዘሕለፍዎ ግፍዒ ዝሓዘነ፡ በቲ ሎሚ ዘሎ ዘይፍትሓውነት እውን ከምኡ ይስምዖ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ንዅሉ ዓይነት ባርነት ንምውጋድ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ዓብዪ ለውጢ ኼድሊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ኼምጽእ ምዃኑ ኣተስፍዩና እዩ። “ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና።”—2 ጴጥሮስ 3:13

^ ሕ.ጽ. 2 ስም ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዋጋ ዩሮ ዳርጋ ማዕረ ዶላር ኣመሪካ እዩ ነይሩ።