ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 6 2017 | ብሉጽ ውህበት ኣየናይ እዩ፧

እንታይ ይመስለካ፧

ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝለዓለ ወሃብ ውህበት መን እዩ፧

“ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡ ካብቲ . . . ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።”ያእቆብ 1:17

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ውህበታት ዝበለጸ ውህበት ከነማስወሉ ትሕግዘና።

 

ገበር

“ቅድሚ ሕጂ ኻብ እተቐበልክዎ ውህበት ዝበለጸ እዩ”

ልቢ ዚትንክፍ ውህበት ክትህብ ወይ ክትቅበል ትደሊዶ፧

ገበር

ብሉጽ ውህበት ምንዳይ

ብሉጽ ዝዀነ ውህበት ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ እቲ ውህበት ዘለዎ ዋጋ በቲ ተቐባሊ እዩ ዚውሰን።

ገበር

ብሉጽ ውህበት ኣየናይ እዩ፧

ካብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ብዙሕ ውህበታት ዚዓቢ ሓደ ውህበት ኣሎ።

የሱስ ብሓቂ ኸመይ ይመስል ነይሩ፧

ማእለያ ዘይብሎም ስነ ጥበባውያን ኣብ ስራሕቶም ንዘመናት ኣቕሪቦምዎ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ብዛዕባ ትርኢት የሱስ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ብዛዕባ ጌጋታት ግቡእ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ዕድመና ወይ ተመክሮና ብዘየገድስ ኵላትና ንጋገ ኢና። ግናኸ ንጌጋታትና ብኸመይ ክንሕዞ ኣሎና፧

ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወሉ ምኽንያት ክትርዳእ ዚሕግዘካ ኣገዳሲ ነገር።

ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧

ፈተውቲ የሱስ በዓል ልደት የብዕሉ ነይሮምዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣርማጌዶን እትብል ቃል ንብዙሓት እተፍርህ ቃል እያ፣ ግናኸ፡ ንምንታይ እያ እተመልክት፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓያሎ ሰባት፡ በዓል ልደት ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ እናፈለጡ የብዕሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ስለምንታይ ከም ዘየብዕሉ ፍለጥ።