ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይኣምኑ፧ ገሊኦም ብገለ መገዲ ምንባር ከም እንቕጽል ኪኣምኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ትኣምን፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” (መክብብ 9:5) ምስ ሞትና፡ ህልውናና የብቅዕ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ናብ ሓመድ እዩ ተመሊሱ። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም መወትቲ ናብ ሓመድ እዮም ዚምለሱ።—መክብብ 3:19, 20

  • ዝሞቱ ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ሓራ ይዀኑ እዮም። (ሮሜ 6:7) ሰብ ምስ ሞተ፡ ብሓጢኣቱ ዚቕጽዖ ተወሳኺ መቕጻዕቲ የልቦን።

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

‘ትንሳኤ ኪኸውን እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንሞት ምስ ድቃስ የመሳስሎ። (ዮሃንስ 11:11-14) ከምቲ ንሕና ንዝደቀሰ ኸነበራብር እንኽእል፡ ኣምላኽ ከኣ ንምዉታት ኬበራብሮም ይኽእል እዩ።—እዮብ 14:13-15

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እተፈላለዩ ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ድልዱል መርትዖ ይዀነና።—1 ነገስት 17:17-24፣ ሉቃስ 7:11-17፣ ዮሃንስ 11:39-44