ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት

ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት

ዘላሊት ሳሬት፡ እትዘልለሉ ልክዕ ርሕቐት ንምግምጋም ዚሕግዛ ፍሉይ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣለዋ። እዚ ኽእለት እዚ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እታ ዘላሊት ሳሬት፡ ካብ ሓደ ነገር ዘለዋ ርሕቀት ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ነተን ፍልይ ዝበላ ኽልተ ቐንዲ ኣዒንታ ትጥቀመለን እያ፣ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣዒንታ፡ ከም “መደያይቦ” ዝበለ ብዙሕ ቀጸላታት ዘለዎ ረቲና ኣለወን። እቲ ሓደ ቐጸላ፡ ንቐጠልያ ብርሃን ኣነጺሩ እዩ ዚርእዮ፣ እቲ ኻልኣይ ግና፡ ብንጹር ኣይርእዮን እዩ። እቲ እታ ሳሬት እትርእዮ ነገር ብዝያዳ ናብ ኣዒንታ ብዝቐረበ መጠን፡ እቲ ኣብቲ ኻልኣይ ቀጸላ ዚርአ ምስሊ ጽልግልግ ዝበለ ይኸውን። እዚ ኸኣ፡ እታ ሳሬት ንግዳያ ንምሓዝ ክንደይ ርሕቀት ክትዘልል ከም ዘለዋ ንኽትግምግም ይሕግዛ።

ተመራመርቲ ነቲ እታ ዘላሊት ሳሬት እትጥቀመሉ ሜላ ብምቕዳሕ፡ 3-D ዚብሃላ ፍሉያት ካሜራታትን ንርሕቀት ሓደ ነገር ናይ ምልካዕ ዓቕሚ ዘለዎም ሮቦትን ኪምህዙ ይደልዩ እዮም። እቲ ሳይንስናው ዚብሃል ኣብ ኢንተርነት ዚወጽእ ዜና ኸም ዝሓበሮ፡ እቲ እታ ዘላሊት ሳሬት እትርእየሉ መገዲ፡ “ፍርቂ ሰንቲ ሜተር ዝንውሓታን ካብ ናይ ሃመማ ዚንእስ ሓንጎል ዘለዋን እንስሳ፡ ሕልኽልኽ ዝበለ ሓበሬታ ኽትእክብን ኣብኡ ተመርኲሳ ስጕምቲ ኽትወስድን እትኽእል ብኸመይ ምዃና ዜርኢ ዜደንቕ ኣብነት እዩ።”

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧