ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትግስጾ

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትግስጾ

ጸገም

ኣብ ስድራ ቤትኩም፡ ድሕሪ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ሞባይል ምጥቃም ዘይፍቀድ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ግና፡ ጓልካ ኽልተ ሳዕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብሞባይል መልእኽቲ ኽትለኣኣኽ ረኺብካያ። ወድኻ ናብ ገዛ ኺኣትወሉ ዘለዎ ሰዓት፡ ሰዓት 10 ናይ ምሸት እዩ፣ ትማሊ ምሸት ግና ንኻልኣይ ሳዕ ድሕሪ ሰዓት 11 መጺኡ።

እቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉድካ ኸም እተጋገየ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ፈለማ፡ ንምንታይ ነቲ ዘውጻእካዮ ስርዓታት ከም ዘየኽብሮ ኽትፈልጥ ኣሎካ። እቲ ዜሐጕስ፡ እቲ ዓይኒ ዘውጽአ ዚመስል ዘይተኣዛዝነት፡ ከምቲ እትሓስቦ ኣዝዩ ኸቢድ ከይከውን ይኽእል እዩ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ዘይንጹር ደረት። ገሊኦም መንእሰያት፡ ስርዓት ጥሒሶም ካብ መቕጻዕቲ ኼምልጡ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ንምፍላጥ፡ ነቲ ስርዓታት ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ወላዲ ንውሉዱ፡ ገለ ነገር እንተ ገይሩ ኸም ዚቕጻዕ እንተ ነጊርዎ፡ እቲ ውሉድ፡ ወላዲኡ ኸምቲ ዝበሎ ይገብር እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ኣይእዘዝን ይኸውን። ከምዚ ዚገብሩ መንእሰያት፡ ዓለወኛታት እዮም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ወላዲ ኸምቲ ዝበሎ ዘይቀጽዕ እንተ ዀይኑ ወይ እቲ ደረት ንጹር እንተ ዘይኰይኑ፡ ውሉዳት ንስርዓታት ዕሽሽ ኪብልዎ ይኽእሉ እዮም።

ጥብቂ ስርዓታት። ገሊኦም ወለዲ ነቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉዶም፡ ማእለያ ብዘይብሉ ስርዓታት ኪቈጻጸርዎ ይፍትኑ። ሽዑ እቲ ውሉዶም እንተ ዘይተኣዚዙ፡ ኣመና ስለ ዚሓርቁ፡ ዝያዳ ስርዓታት ይውስኹሉ። መብዝሕትኡ እዋን ግና፡ ከምኡ ምግባር ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ። ፓረንት/ቲን ብሬክስሩ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ነቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉድካ ብዝያዳ ኽትቈጻጸሮ ብዝጸዓርካ መጠን፡ ብዝያዳ እዩ ዚቃወመካ” በለት፣ ከምኡ ምግባር፡ ኣብ ሓዊ ነዳዲ ምስ ምውሳኽ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ግቡእ ተግሳጽ ምሃብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። “ምግሳጽ” ካብቲ ምስ ስቓይ ዚተሓሓዝ “መቕጻዕቲ” እተፈልየ ዀይኑ፡ “ምምሃር” ማለት እዩ። እሞኸ ንውሉድካ ነቲ ዘውጻእካዮ ስርዓታት ንኺእዘዞ ኽትምህሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ነቲ ስርዓታት ንጹር ግበሮ። መንእሰያት፡ እንታይ ትጽቢት ከም ዚግበረሎምን ዘይምእዛዝ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ብንጹር ኪፈልጡ ኣለዎም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 6:7

ርእይቶ፦ ነቲ ናይ ቤትካ ስርዓታት ጽሓፎ። ድሕሪኡ፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ነቲ ስርዓታት ኣብዚሐዮዶ ወይስ ኣውሒደዮ፧ ገሊኡ ዘየድሊ ድዩ፧ ነቲ ውሉደይ ዚገብሮ ዘሎ ዕቤት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምትዕርራይ ክገብር ኣሎኒ ድዩ፧’

ዘይቀያየር ስርዓታት ኣውጽእ። መንእሰያት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ነገር ገይሮም ዘይቀጻዕካዮም ክነስኻ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ ምስ ፈጸሙ እንተ ቐጺዕካዮም፡ ኪደናገሩ ይኽእሉ እዮም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 5:37

ርእይቶ፦ መቕጻዕትኻ ምስቲ እተፈጸመ ጌጋ ዚተሓሓዝ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ እቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉድካ፡ ነቲ ኣብ ገዛ ዚኣትወሉ ሰዓት እንተ ዘይሓልዩ፡ ካብኡ ኣቐዲሙ ናብ ቤት ከም ዚኣቱ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሚዛናዊ ኹን። ውሉድካ ሓላፍነት ከም ዚስምዖ እንተ ኣርእዩ፡ ዝያዳ ናጽነት ብምሃብ ሚዛናዊ ወላዲ ምዃንካ ኣርኢ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 4:5

ርእይቶ፦ ምስቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ዘውጻእካዮ ስርዓታት ተዘራረቡ። ምናልባት እውን፡ ንገሊኡ ስርዓታት ምጥሓስ እንታይ መቕጻዕቲ ኺህልዎ ኸም ዘለዎ ርእይቶኡ ንኺህብ ኣጋጣሚ ኽትከፍተሉ ትኽእል ኢኻ። መንእሰያት መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ እተሳተፉሉ ስርዓታት ምሕላው ቀሊል እዩ ዚዀነሎም።

ውሉድካ ጽቡቕ ጠባይ ንኼማዕብል ሓግዞ። ቀንዲ ሸቶኻ፡ ውሉድካ ነቲ ዘውጻእካዮ ስርዓታት ንኺእዘዞ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዑይ ሕልና፡ ማለት ቅኑዕን ጌጋን ኪፈሊ ዚኽእል ውሽጣዊ ኽእለት ኬማዕብል ንኽትሕግዞ እውን እዩ። (ነታ፡ “ኣወንታዊ ጠባይ ንኼማዕብል ሓግዞ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጴጥሮስ 3:16

ርእይቶ፦ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝ ኣናዲ። ካብዚ መጽሓፍ እዚ፡ “ዜለብም ተግሳጽ” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ጥበብ፡ “ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን” ዚህብ እዩ።—ምሳሌ 1:1-4