ንቕሑ! ጥሪ 2014 | ፍሉይ ወብ ሳይት

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትርድኦን ንናብራ ስድራ ቤትካ ኸተመሓይሾን ትደሊዶ፧ ምኽሪ እተናዲ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ወግዓዊ ወብ ሳይትና ንዅሉ ሰብ ዚጠቅም ምኽሪ ዝሓዘ እዩ።

ገበር

ፍሉይ ወብ ሳይት

ምስ ወብ ሳይትና ተላለ፣ ንስኻን ስድራ ቤትካን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜኡ ዘይሓልፎ ጥበብ ብኸመይ ክትጥቀሙ ኸም እትኽእሉ ድማ ርአ።

ካብ ከባቢ ዓለም

ዛዕባታት፦ መሰል ቈልዑ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢጣልያ ዜጋጥም ፍርሒ መጥቃዕቲ ኢንተርነት፡ ምውሳኽ ቍጽሪ እቶም ኣብ ቦታ ስራሖም ዝያዳ ሽመት ኪውሃቦም ዘይደልዩ መንእሰያት ጃፓናውያን።

ቃለ መጠይቕ

ሓንቲ ኽኢላ ማይክሮባዮሎጂ ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ከሚስትሪ ዋህዮታት እተሓላለኸ ምዃኑ፡ ነታ ኣብ ጃፓን እትነብር ፌንግ-ሊንግ ያንግ ዝስማ ተመራማሪት ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ፍልቀት ዝነበራ እምነት ከም እትቕይር ገይሩዋ። ስለምንታይ፧

ንስድራ ቤት

ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ጥዑያት ሰባት ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ ሕማቕ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ጸቕጢ መዛኑ እንታይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዘሎካ፧ ብኸመይከ ኢኻ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ፍጥረት

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን ኣምላኽ ንህይወት ዝፈጠረለን ሽዱሽተ “መዓልቲ” ይገልጽ እዩ። እተን መዓልትታት፡ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ድየን ነይረን፧

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኢጣልያ እተገብረ ምብጻሕ

ኢጣልያ በቲ ሃብታም ታሪኻን እተፈላለየ ዓይነት ኣከባቢኣን ወኻዕታ ዚፈቱ ህዝባን እያ እትፍለጥ። ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣን ብዛዕባ ንጥፈት እቶም ኣብኡ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ፍለጥ።

ተነዲፉ ድዩ፧

ምስጢር ዓለባ ሳሬት

ሓንቲ ሳሬት፡ ሓዲኡ ኣዝዩ ዚጣበቕ፡ ሓዲኡ ኸኣ ብቐሊሉ ዚብጠስ ዓለባ ኽትኣልም ትኽእል እያ። ብኸመይን ስለምንታይን ከምኡ ኸም እትገብር መርምር።