ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ቻይና

ኣብ በይጂን፡ ኣብ 2013 ኣብተን ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝነበረ ቝጽሪ ፍትሕ ምስቲ ብ2012 ኣብተን ኣዋርሕ እቲአን ዝነበረ ቝጽሪ ኺነጻጸር ከሎ፡ ናብ 41 ሚእታዊት ደየበ። ክኢላታት ከም ዚብልዎ፡ እቲ ቝጽሪ ፍትሕ ዝወሰኸሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ቀረጽ መሸጣ ኣባይቲ ብ20 ሚእታዊት ከም ዚውስኽ ስለ እተገብረ፡ መጻምድቲ ነዚ ወሰኽ ቀረጽ እዚ ምእንቲ ኸይከፍሉ ኢሎም እዮም። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እተፋትሑ ሰብ ሓዳር ካልኣይ ቤቶም ኪሸጡ ኸለዉ፡ ቀረጽ ይንከየሎም እዩ።

ዓለም

ብጕድለት ኣመጋግባ ንዚመጽእ ጸገማት ንምውጋድ፡ ሓሸራታት ዚምገቡ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ኪኸይድ ከም ዚኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ እዞም ንዘይብላዕ ነገራት ብምብላዕ ናብ ጠቓሚ ምግቢ ዚቕይሩ ዚብልዑ ሓሸራታት ‘ኣብ ክንዲ ስጋ፡ ኣማራጺ ምግቢ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።’ ይኹን እምበር፡ “ኣብ ገሊኡ ሕብረተ ሰብ፡ [ሓሸራ] ምምጋብ ከም ዚጽላእ” እቲ ጸብጻብ ይገልጽ እዩ።

ካናዳ

ክሊኒካት ፍርያምነት፡ ነቲ “ዋናኡ” መን ምዃኑ ኺፍለጥ ዘይክኣል ኣብ መዝሓሊ እተቐመጠ ድቅታት፡ ንሕግን ንስነ ምግባርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ከም ዚገብራኦ ሓርቢትወን ኣሎ። ሓንቲ ክሊኒክ ጥራይ እኳ፡ 1,000 ዚኸውን ናይ “እተሰወሩ” ተሓከምቲ ህያው ድቅታት ከም ዝሓዘት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድቅታት እዚ፡ ንእንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምውህሃድ ከም ዚጸጊ ዚገብር ኢን ቪትሮ ፈርቲላይዜሽን ብዚብሃል መስርሕ ሕክምና እዩ ተቐሚጡ።

ኣይርላንድ

ኣብ ኣይርላንድ ዚምርዓዉ ዘለዉ ካቶሊካውያን መጻምድቲ፡ ክሳዕ 2013 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ካብ ሃይማኖታዊ ጽምብልን ካብ ስቪላዊ ጽምብልን ንሓዲኡ ኺመርጹ የድልዮም ነበረ፣ ጸኒሑ ግና ዓለማዊ መርዓታት፡ ሃይማኖታውያን ብዘይኰኑ ጕጅለ ሰባት ኪፍጸም ከም ኣማራጺ ኪቐርብ ጀመረ። ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ “እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ፡ ጽምብል ሃይማኖታዊ መርዓ ኺግበረሎም ዘይደልዩ ኽነሶም፡ ካብ ስቪላዊ ጽምብል ንላዕሊ ኺግበረሎም ግና ዚደልዩ መጻምድቲ ዘለዎም ድጉል ስምዒት” ንኣቕረብቲ እቲ ሓድሽ ኣማራጺ “ዓብዪ ውዙፍ ኰይንዎም ኣሎ።”