ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ

ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ

ደቂ ሰብ ኣብ ነዳዲ ዘይቲ ጥራይ ምእንቲ ኸይውከሉ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንኣጠቓቕማ ጸሓያዊ ጸዓት ንኼመሓይሽዎ፡ ህርድግ እዮም ዚብሉ። ሓደ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት፡ ‘ነዚ ጸገም እዚ ዚኸውን መፍትሒ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና እዩ ዘሎ’ በለ።

ኣብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ ዚርከብ ቀጸላታት፡ ንጎጎ መዓር ዚመስል ነዃላት ኣለዎ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጽምብላሊዕ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ሙቐት ምእንቲ ኺረኽባ፡ ንመንገብገበን ኣብ ጸሓይ ይዝርግሓኦ እየን። መንገብገብ ገሊአን ዓይነት ጽምብላሊዕ፡ ንብርሃን ጸሓይ ብውጽኢታዊ መገዲ ይስሕቦን ይዕቅቦን እዩ። ከምኡ ኺገብራ ዚኽእላሉ ምስጢር፡ ጸሊም ሕብሪ ስለ ዘለወን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ መንገብገበን ብዓይኒ ኺርአ ዘይክእል እተደራረበ ቐጸላታት ስለ ዘለወን እውን እዩ። እቲ ቐጸላታት ድማ ብርሃን ብዜእቱ ኮናዊ ቕርጺ ዘለዎ ጤረራት እተፈልየ፡ ንጎጎ መዓር ዚመስል ነዃላት ኣለዎ። እዚ ኽእለት ዚንጸባረቖ ቕርጺ እዚ፡ ነቲ ዚመጽእ ብርሃን ጸሓይ ስሒቡ ስለ ዚዕቅቦ፡ እቲ መንገብገብ ኣዝዩ ጸሊም ሕብሪ ይህልዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እታ ጽምብላሊዕ ብዜደንቕ መገዲ ሙቐት ትረክብ።

ሳይንስ ደይሊ፡ “መንገብገብ ጽምብላሊዕ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ነገራት እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንተመራመርቲ፡ ብከላ ኼስዕብ ዘይክእል ሃይድሮጅን ጋዝ ካብ ማይን ካብ ጸሓይን ኬዳልዉ ዚኽእሉሉ ሓድሽ ተክኖሎጂ ንኺምህዙ ዚድርኽ እዩ” በለ። ብዘይካዚ፡ ንመርኣዪ ዚኸውን መሳርያታትን ንብርሃን ጸሓይ ናብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኪቕይሮ ዚኽእል መሳርያታትን ንምስራሕ እውን ኪጠቅም ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧