ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ክላውድያ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ባይፖላር ዲስኦርደር ዚብሃል ምዝንባል ኣእምሮን ድሕሪ ዜሰንብድ ፍጻመ ዜጋጥም ክቱር ጭንቀትን ከም ዘለዋ ምስ ተነግራ፡ “ትንፋስ ሓጸረኒ። ብሰንኪ እቲ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ካልኦት ሰባት ካባይ ዚርሕቁ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ኣመና ኣጨነቐኒ” በለት።

ማርክ ሰብኣይ ክላውድያ ድማ፡ “ንዅነታትና ኽንቅበሎ ነዊሕ እዩ ወሲዱልና። ኰይኑ ግና፡ ንሰበይተይ ኣብ ምድጋፍ ከተኵር ከም ዘሎኒ ተገንዚበ እየ” በለ።

ንስኻ ወይ እተፍቅሮ ሰብ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ከም ዘለዎ ምስ እትፈልጥ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧ እቲ ዜሐጕስ፡ ኣእምሮኣዊ ሕማም ብሕክምና ኺሓዊ ይኽእል እዩ። ቀጺልና እስከ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘሎካ ግንዛበ ንኸተስፍሕ ዚሕግዘካ ሒደት ነጥብታት ንርአ። a

ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል

“ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብኣማእታት ሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባትን ንህይወት ፈተውቶምን ዚጸሉ ሕማም እዩ። ካብ ኣርባዕተ ሰባት እቲ ሓደ፡ ኣብ ህይወቱ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል የጋጥሞ እዩ። ቀንዲ ጠንቂ እዚ ዓለምለኻዊ ጸገም፡ ጭንቀት እዩ። እቲ ኣዝዩ ኸቢድን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጕድኣት ዜስዕብን ኣእምሮኣዊ ሕማም፡ ስኪዞፍረኒያን ባይፖላር ዲስኦርደርን ይብሃል። . . . ብዙሓት ሰባት፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል የጋጥሞም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሕማም ብምስጢር ይትሓዝን ዕሽሽ ይብሃልን እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሳቐዩ ኸኣ ኣድልዎ የጋጥሞም እዩ።”—ውድብ ጥዕና ዓለም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ ብዙሓት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት፡ ካልኦት ሰባት ከይርሕቅዎም ስለ ዚፈርሁ፡ ናብ ሕክምና ኣይከዱን እዮም።

ናሽናል ኣላያንስ ኦን ሜንታል ኢልነስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል መብዛሕትኡ እዋን ብሕክምና ኺሓዊ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ዳርጋ 60 ሚእታዊት ዚዀኑ ኣባጽሕን ኣስታት 50 ሚእታዊት ዚዀኑ ኻብ 8 ኽሳዕ 15 ዝዕድሚኦም መንእሰያትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣይተሓከሙን።

እንታይነት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ምፍላጥ

ኣእምሮኣዊ ምዝንባል እንታይ እዩ፧ ክኢላታት ንኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ጠባይን ኪመዛበል ከሎ ዜጋጥም ሕማም ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። ኣእምሮኣዊ ምዝንባል መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ ሓደ ሰብ ንስምዒት ካልኦት ንኺርዳእ ዘለዎ ኽእለት የበላሽዎ እዩ፣ ነቲ ኣብ ናብራኡ ዚገብሮ ንጥፈታት እውን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ።

ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ብሰንኪ ውልቃዊ ድኽመት ወይ ከኣ ብሰንኪ ጸገም ባህርይ ዚመጽእ ኣይኰነን

ምልክት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ከከም እቲ ዚወስዶ ግዜን ዜስዕቦ ጕድኣትን ኪፈላለ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ውልቀ ሰብ፡ ከምኡ እውን ኣብቲ ሕማምን ኣብ ኵነታቱን ዚምርኰስ እዩ። ጾታ፡ ዕድመ፡ ባህሊ፡ ዘርኢ፡ ሃይማኖት፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ወይ ከኣ ኣታዊ ብዘየገድስ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬጥቅዕ ይኽእል እዩ። ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ብሰንኪ ውልቃዊ ድኽመት ወይ ከኣ ብሰንኪ ጸገም ባህርይ ዚመጽእ ኣይኰነን። ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት፡ ግቡእ ሕክምናዊ ኽንክን እንተ ረኺቦም፡ ኪሓውዩን ስራሖም ኪሰርሑን ባህ ዜብል ህይወት ኪነብሩን ይኽእሉ እዮም።

ሕክምና ኣእምሮኣዊ ምዝንባል

ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፡ ምስ ኣእምሮ ንዚተሓሓዝ ብዙሕ ዓይነት ሕማም ብዕዉት መገዲ ኺሕክሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎ ሰብ ኪወስዶ ዚግባእ ቀንድን ናይ መጀመርታን ስጕምቲ፡ ናብ ሓደ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ኣብ ምሕካም ብቑዕ ዝዀነ ብዓል ሞያ ጥዕና ኼድካ፡ ምሉእ መርመራ ምግባር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት ነቲ ዚግበረሎም ግቡእ ሕክምና ንኪቕበልዎ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ጥራይ እዮም ጥቕሚ ኺረኽቡ ዚኽእሉ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሕማሞም ንኻልኦት ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ኪብሉ የብሎምን። እቲ ዚግበረሎም ሕክምና፡ ንብዓል ሞያ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ምዝርራብ ዜጠቓልል እዩ፣ እቲ ብዓል ሞያ፡ ነቲ ሕማሞም ምእንቲ ኺርድእዎ ኺሕግዞም፡ ንዜጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከም ዚፈትሕዎ ኼረድኦም፡ ከምኡ እውን ነቲ ሕክምና ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ኪቕጽልዎ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት፡ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ፈታዊ፡ ምጽንናዕን ደገፍን ኪህብ ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ሰባት ንኣእምሮኣዊ ምዝንባል ብዝያዳ ስለ እተረድእዎን ነቲ ብሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እተዋህቦም ሕክምና ብዚግባእ ስለ እተኸታተልዎን፡ ንዅነታቶም ተቐቢሎም ኪነብሩ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማርክ፡ “ሰበይተይ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ከም ዘለዋ ቕድሚ ምፍላጥና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ሕጂ ግና ቀስ ብቐስ ንመሃርን ንዅነታትና ንለምዶን ኣለና። ክኢላታት ሰብ ሞያን ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን እውን ደጊፎምና እዮም” በለ።

እቲ ቀንድን ናይ መጀመርታን ስጕምቲ፡ ናብ ሓደ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ኣብ ምሕካም ብቑዕ ዝዀነ ብዓል ሞያ ጥዕና ኼድካ፡ ምሉእ መርመራ ምግባር እዩ

ክላውድያ እውን ምስዚ ትሰማማዕ እያ። ከምዚ በለት፦ “ኣብ ፈለማ፡ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ከም ዘሎኒ ምስ ተነግረኒ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እዚ ኣባይን ኣብ ማርክን ጽልዋ እኳ እንተ ኣሕደረ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ንዚመስል ዕንቅፋት እውን እንተ ዀነ፡ ክትዋጽኣሉ ኸም ዚክኣል ተማሂረ እየ። ስለዚ፡ ምስ ሓካይም ብምትሕብባርን ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎኒ ርክብ ብምድልዳልን ዓቕመይ ብምፍላጥን፡ ንኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክኢለዮ እነብር ኣለኹ።”

መንፈሳዊ ጥዕና ኣገዳሲ እዩ

መንፈሳውነት ንኣእምሮኣዊ ምዝንባል ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ምጽንናዕን ምብርታዕን ረኺበን እየን። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ነቶም ‘ስቡር ልቢ ዘለዎምን ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎምን’ ከም ዜጸናንዖም የረጋግጸልና እዩ።—መዝሙር 34:18

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ጥዕና ዚገልጽ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ዜጋጥመና ዜሕዝን ስምዒትን ዜጨንቕ ኵነታትን ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ዚኽእል ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ፡ ሕማምን ስቓይን ዘይብሉ እዋን ከም ዚመጽእ የተስፍወና እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ” ኢሉ ይመባጻዕ።—ኢሳይያስ 35:5, 6

a ንምጽሓፍ ምእንቲ ኺጥዕም፡ እታ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ “ኣእምሮኣዊ ምዝንባል” ተባሂላ ዘላ ሓረግ፡ ንኣእምሮኣዊ ሕማምን ንምልውዋጥ ጠባይን ንስምዒታዊ ጸገምን እተጠቓልል እያ።

b መጽሔት ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ክርስትያናት፡ ዝዀነ ይኹን ዚቕበልዎ ሕክምና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም።

c ነታ ኣብ ናይ ግንቦት 2014 ሕታም ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት” እትብል ዓንቀጽ እውን ርአ።