ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ወፈራ፡ ፍረ ኣፍርዩ

ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ወፈራ፡ ፍረ ኣፍርዩ

ማሪያ ኢዛቤል ኣብታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገረ ቺለ፡ ኣብ ከተማ ሳን በርናርዶ እትነብር ቀናእ መንእሰይ ኣስፋሒት እያ። ንሳን ስድራ ቤታን፡ ካብ ደቀባት ማፑቺ እዮም። እቶም ስድራ ቤት ብምሉኦም፡ ማፑዱንጉን እውን ዚብሃል ቋንቋ ማፑቺ እትጥቀም ጉባኤ ንኽትምስረት ኣብ እተገብረ ጻዕሪ ብውዕዉዕ ስምዒት ተኻፊሎም እዮም።

ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብማፑዱንጉን ከም ዚግበርን 2,000 ወረቐት ዕድመ በቲ ቛንቋ ተሓቲሙ ኸም እተዳለወን ምስ ተነግረ፡ ማሪያ ኢዛቤል ብኸመይ ክትሕግዝ ከም እትኽእል ክትሓስብ ጀመረት። ንመማህርቶምን ንመምህራኖምን ብምስባኾም ብዛዕባ እተዓወቱ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ተመክሮታት ዘከረት። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ወለዳ ተዘራረበት፣ ብሓባር ኰይኖም ድማ፡ ማሪያ ኢዛቤል ነቲ ወረቐት ዕድመ ኣብ ቤት ትምህርታ ብኸመይ ክትዕድሎ ኸም እትኽእል ንኽትሓስብ ወሰኑ። እሞኸ ማሪያ ኢዛቤል እንታይ ክትገብር ሓሰበት፧

ፈለማ፡ ማሪያ ኢዛቤል ንሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብቲ ቐንዲ ኣፍ ደገ ወረቐት ዕድመ ኽትልጥፍ ትኽእል እንተ ዀይና ፍቓድ ሓተተቶም። ንሳቶም ድማ ፈቐዱላ፣ በቲ ተበግሶኣ እውን ነኣድዋ። ሓደ መዓልቲ፡ ንግሆ ስም ተመሃሮ ኣብ ዚጽውዓሉ እዋን፡ እቲ ርእሰ መምህራን ብመጕልሕ ድምጺ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ወረቐት ዕድመ ምልክታ ነገረ።

ድሕሪኡ፡ ማሪያ ኢዛቤል ናብ ኵሉ ኽፍልታት እናኸደት ክትዕድል ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተት። ካብቶም መምህራን ፍቓድ ምስ ረኸበት፡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እናኣተወት፡ ማፑቺ ዝዀነ ተመሃራይ እንተ ኣልዩ ትሓትት ነበረት። “ኣብ ብምሉኡ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ 10 ወይ 15 ማፑቺ ጥራይ ዘለዉ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ልዕሊኡ እዮም ግና ነይሮም፣ 150 ወረቐት ዕድመ ድማ ዓደልኩ” በለት።

“ዓብዪ ሰብ እያ እትጽበ ነይራ”

ሓንቲ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ትምህርቲ እተለጠፈ ወረቐት ዕድመ ዝረኣየቶ ሰበይቲ፡ ብዛዕባ እቲ በዓል ዝኽሪ ንመን ከተዘራርብ ከም እትኽእል ሓተተት። ምስ ሓንቲ ጓል ዓሰርተ ዓመት ምስ ኣራኸብዋ ድማ፡ ኣዝያ ተገረመት። ማሪያ ኢዛቤል ፍሽኽ እናበለት፡ “ዓብዪ ሰብ እያ እትጽበ ነይራ” በለት። ነታ ሰበይቲ ወረቐት ዕድመ ምስ ሃበታን ቍሩብ ምስ ገለጸትላን፡ ንሳን ወለዳን ካልእ መዓልቲ ናብ ቤታ መጺኦም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ምእንቲ ኺነግርዋ፡ ኣድራሻኣ ኽትህባ ሓተተታ። እቶም ኣብታ ቛንቋ ማፑዱንጉን እትጥቀም ጉባኤ ዜገልግሉ 20 ኣስፋሕቲ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ነታ ሰበይትን ንኻልኦት 26 ተገዳስነት ዘለዎም ማፑቺን ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ሕጂ እታ ጕጅለ፡ እናዓበየት እትኸይድ ዘላ ጉባኤ ዀይና ኣላ።

ዕድሜኻ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንመማህርትኻ ወይ ንመሳርሕትኻ ናብ በዓል ዝኽሪ፡ ናብ ህዝባዊ መደረ፡ ወይ ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትዕድሞም ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧ ዕዉት ንኽትከውን ኪሕግዘካ ዚኽእል ተመክሮታት ንምርካብ፡ ንምንታይ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ዘይትገብር፧ ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንኽትዛረብ ዜኽእለካ ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ፡ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ለምኖ። (ሉቃ. 11:13) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ በቲ ኻብቲ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ጻዕርኻ እትረኽቦ ውጽኢት ክትግረምን ኣዚኻ ኽትተባባዕን ኢኻ።