ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ግጭት ምፍታሕ

ግጭት ምፍታሕ

ንሱ ዚብሎ:- “ኣነን ሳራን a ምስ ተመርዓና ብስድራና እንዳ ወለደይ ንነብር ነበርና። ሓደ መዓልቲ ዓርኪ ሓወይ ብማኪናና ገዛኣ ኸብጽሓ ሓተተትኒ። ፍቓደኛ ዀይነ: ነቲ ንእሽቶ ወደይ ምሳና ሒዘዮ ኸድኩ። ንገዛ ምስ ተመለስኩ ግን ሳራ ብነድሪ ተቐበለትኒ። ቈይቊ ጀመርና: ኣብ ቅድሚ ወለደይ ከኣ: ምስ ደቂ ኣንስትዮ ሕስይስይ ትብል: ኢላ ኣዋረደትኒ። ነብሰይ ምቍጽጻር ስለ ዝሰኣንኩ ዝያዳ ዜቘጥዓ ነገራት ተዛረብኩ።”

ንሳ እትብሎ:- “ወድና ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ነበሮ: ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ናይ ገንዘብ ሽግር ነበረና። ስለዚ: ፈርናንዶ ምስ ዓርኪ ሓዉን ምስ ወድናን ማኪና ሒዙ ምስ ከደ: ብእተፈላለየ ምኽንያት ሓረቕኩ። ገዛ ምስ ተመልሰ ስምዒተይ ገለጽኩሉ። ኛኽ ተባሂልና ኸኣ ንሓድሕድና ተጸራረፍና። ድሕሪኡ ኣዝዩ ሕማቕ ተሰምዓኒ።”

ሰብኣይን ሰበይትን እንተ ደኣ ተቛይቖም ኣይፋቐሩን እዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ፈርናንዶን ሳራን ኣጸቢቖም እዮም ዚፋቐሩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ስሙር ሓዳር እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ግጭት የጋጥም እዩ።

ግጭት ዜጋጥም ስለምንታይ እዩ፧ ንሓዳርካ ንኸየፍርሶኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሓዳር ዝሰርዐ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ምምርማሩ ርትዓዊ እዩ።—ዘፍጥረት 2:21, 22፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ነቲ ጸገም ምርዳኡ

መብዛሕትኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ሕያውነትን ኬንጸባርቑ እዮም ዚደልዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢሉ ይነግረና። (ሮሜ 3:23) ስለዚ: ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከሎ ስምዒትካ ምቍጽጻር ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ቈየቛ እንተ ደኣ ተጀሚሩ ታዕታዕን ጸርፍን ኬርሕቑ የጸግሞም እዩ። (ሮሜ 7:21፣ ኤፌሶን 4:31) ካልእ ወጥሪ ኺፈጥር ዚኽእል ረቛሒኸ እንታይ እዩ፧

ሰብኣይን ሰበይትን ሓሳቦም ዚገልጹሉ ኣገባብ መብዛሕትኡ ግዜ እተፈላለየ እዩ። ሚቺኮ ኸምዚ በለት:- “መጀመርታ ምስ ተመርዓና: ንሓድሕድና እንመያየጠሉ ኣገባብ ኣዝዩ እተፈላለየ ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ኣነ: እንታይ ከም እተፈጸመ ጥራይ ዘይኰነስ: ስለምንታይን ብኸመይን ከም እተፈጸመ ኽዛረብ እደሊ። ሰብኣየይ ግን ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ጥራይ ዚግደስ እዩ ዚመስል።”

እዚ ንሚቺኮ ዘጋጠማ ጸገም ፍሉይ ኣይኰነን። ኣብ ሓያሎ ሰብ ሓዳር: ሓዲኦም ብዛዕባ ዘየሰማምዖም ጕዳይ ብዝርዝር ኪዛረብ ኪደሊ ኸሎ: እቲ ሓደ ግን ዘረባ ስለ ዚጸልእ እቲ ጕዳይ ኪለዓል ኣይደልን። ሓድሓደ ግዜ ሓዲኦም ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣልዒሉ ኺዛረብ ብዝደለየ መጠን: እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ጕዳይ ኬርሕቖ ጥራይ ይደሊ። ኣብ ሓዳርካ ኸምዚ ዓይነት ምፍልላይ ኪቕልቀል ኣስተብሂልካ ዲኻ፧ ሓዴኹም ወትሩ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣልዒሉ ኺመያየጥ ኪደሊ ኸሎ: እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኪብሎ ጥራይ ድዩ ዚድሊ፧

ካልእ ኪሕሰበሉ ዜድሊ ረቛሒ ኸኣ ሓደ ሰብ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝነበሮ ኣተዓባብያ: ብዛዕባ እቲ መጻምድቲ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡሉ ኣገባብ ከመይ ኪኸውን ከም ዚግባእ ንዘለዎ ምርዳእ ዚጸልዎ ምዃኑ እዩ። ካብ ዚምርዖ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረ ጀስቲን ከምዚ ይብል:- “ካብ ህዱኣት ስድራ ቤት ስለ ዝመጻእኹ: ብዛዕባ ስምዒታተይ ኣልዒለ ብጋህዲ ኽዛረብ የጸግመኒ እዩ። እዚ ንብዓልቲ ቤተይ የበሳጭዋ እዩ። ስድራ ቤታ ብቐሊሉ ስምዒቶም ዚገልጹ እዮም: እንታይ ከም እተሰምዓ ንኽትገልጸለይ ከኣ ኣይጽግማን እዩ።”

ጸገም ንምፍታሕ ጻዕሪ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ሓዳር መጽናዕቲ ዝገበሩ ኽኢላታት ከም ዚሕብርዎ: ሰብ ሓዳር ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ ንምውሳን እቲ ዝበለጸ ምልክት ዚኸውን ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፋቐሩ ምግላጾም ኣይኰነን። ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ ወይ ከኣ እኹል ገንዘብ ምህላው እውን እንተ ዀነ ዝበለጸ ረቛሒ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡ: ናይ ሓደ ዕዉት ሓዳር ምልክት ዚኸውን ሰብኣይን ሰበይትን ንዝዀነ ይኹን ዚለዓል ግጭት ክሳዕ ክንደይ ብዚግባእ ከም ዚፈትሕዎ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን: የሱስ መጻምድቲ ኺምርዓዉ ኸለዉ: ዜጋጥሞም ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰብ ከም ዘይኰነ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:4-6) ስለዚ እምበኣር: ዕዉት ሓዳር ንኣምላኽ እዩ ዜኽብር። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘየፍቅራን ዘይሓልየላን እንተ ደኣ ዀይኑ: የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎት እቲ ሰብኣይ ዕሽሽ ኪብሎ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘይተኽብር እንተ ደኣ ዀይና: ነቲ ንሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ዝገበረ የሆዋ እያ እትንዕቕ ዘላ።—1 ቈረንቶስ 11:3

መፍትሕ ዓወት —ጐዳኢ ኣዘራርባ ኣወግድ

እትረዳድኣሉ ኣገባብ ወይ ኣተዓባብያኻ ብዘየገድስ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንግጭት ብዕዉት መገዲ ኽትፈትሖ እንተ ደኣ ዄንካ: ከተወግዶ ዚግባእ ገለ ጐዳኢ ኣገባብ ኣዘራርባ ኣሎ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት:-

‘ሕንሕነ ኸይፈዲ እቃለስ ድየ፧’

ሓደ ጥበብ ዘለዎ ምስላ: “ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ: ደም የውጽእ: ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል” ይብል። (ምሳሌ 30:33) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ርአ። ባጀት ስድራ ቤት ብሚዛናዊ መገዲ ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ብዚምልከት: (ንኣብነት: “ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብና ኽንጥንቀቕ ኣሎና” ዝኣመሰለ) እተፈላለየ ርእይቶ ብምሃብ ዝጀመረ ዘረባ: ብኡንብኡ ባህርያት ሓድሕድ ኣብ ምጥቕቓዕ (ንኣብነት: “ኣይ ንስኻ እንዲኻ እትዘሩ” ናብ ምባል) ኪዓቢ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ: መጻምድትኻ ኣብ ባህርይካ መጥቃዕቲ ብምፍናው ‘ኣፍንጫኻ እንተ ደኣ ወቒዓትካ:’ ንስኻ እውን ከምኡ ጌርካ ‘ኽትውቕዓ’ ትድረኽ ትኸውን። b ይኹን እምበር: ሕነ ምፍዳይ ናብ ቍጥዓ ብምምራሕ ነቲ ዘይምስምማዕ ከም ዚዓቢ ጥራይ እዩ ዚገብር።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ: “እንሆ: ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 3:5, 6) መጻምድቲ ልሳኖም ምቍጽጻር እንተ ደኣ ስኢኖም: ንኣሽቱ ዘይምስምማዓት ቀልጢፉ ናብ ዓብዪ ግጭት ኪድይብ ይኽእል እዩ። ወትሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስምዒት ሃልሃልታ ሓዊ ዜምበድብዱ ሰብ ሓዳር: ፍቕሪ ኽትስስነሉ እትኽእል ሃዋሁ ኣይፈጥሩን እዮም።

ሕንሕነ ኣብ ክንዲ እትፈዲ እምበኣር: ነቲ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ” የሱስ ክትመስሎዶ ትኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 2:23) እቲ ቘየቛ ኸተህድኣሉ እትኽእል ቅልጡፍ መገዲ: ንርእይቶ መጻምድትኻ ኣፍልጦ ሂብካ እቲ ግጭት ከም ዚለዓል ብምግባርካ ይቕረታ ምሕታት እዩ።

ነዚ ፈትኖ:- ካልእ መዓልቲ ኽርክር ኪለዓል ከሎ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ምስዚ ንመጻምድተይ ዜተሓሳስባ ዘሎ ነገር እንተ ተሰማሚዐ እንታይ ይጐድኣኒ፧ እቲ ግጭት ንኺፍጠር ብወገነይ እንታይ እየ ገይረ፧ ብዝገበርክዎ ጌጋታት ይቕረታ ንኸይሓትት እንታይ ይኽልክለኒ፧’

‘ንስምዒታት መጻምድተይ አስተናዕቖ ወይ አቈናጽቦ ድየ፧’

ቃል ኣምላኽ: “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትደናገጹ . . . ኩኑ:” ኢሉ ይእዝዝ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸም ዘይተውዕሎ ኺገብረካ ዚኽእል ክልተ ኣብነታት ንርአ። እቲ ሓደ: ሓሳባት ወይ ስምዒታት መጻምድትኻ ዘይምስትውዓል እዩ። ንኣብነት: መጻምድትኻ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ካባኻ ንላዕሊ ትጭነቕ እንተ ደኣ ዀይና: “ስምዒታዊት ትዀኒ ኣሎኺ” ንኽትብላ ትድረኽ ትኸውን። እዚ ድማ ነቲ ጸገም ብምምዝዛን ንኽትምልከቶ ምእንቲ ኽትሕግዛ ኢልካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዘራርባ ኣይጸናንዑን እዮም። ሰብኡትን ኣንስትን: እቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ከም ዚርድኡሎምን ከም ዚድንግጹሎምን ኪፈልጡ የድልዮም እዩ።

ትዕቢት እውን ንሓደ ሰብ ንስምዒት መጻምድቱ ኸም ዜቈናጽብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ሓደ ዕቡይ ሰብ ንኻልኦት ብተደጋጋሚ ብምቍንጻብ ንርእሱ ኽብ ኬብል ይፍትን። ነዚ ኸኣ ብምጽራፍ ወይ ብኣሉታዊ መገዲ ብምንጽጻር ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ኣብነት እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ርአ። ዝዀነ ይኹን ሰብ—ብጻዮም ፈሪሳዊ እውን ከይተረፈ—ካብዞም ዕቡያት ፈሪሳውያን እዚኣቶም እተፈልየ ርእይቶ እንተ ደኣ ሂቡ: ይጻረፍዎ ወይ የዋርድዎ ነበሩ። (ዮሃንስ 7:45-52) የሱስ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ካልኦት ሓሳባቶም ኪገልጹሉ ኸለዉ ይርድኣሎም ነበረ።—ማቴዎስ 20:29-34፣ ማርቆስ 5:25-34

መጻምድትኻ ሓሳባታ ኽትገልጽ ከላ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ሕሰብ። ቃላትካን ቃና ድምጽኻን ኣጠማምታኻን ድንጋጽ የንጸባርቕ ድዩ፧ ወይስ ቀልጢፍካ ንስምዒት መጻምድትኻ ትነጽጎ ኢኻ፧

ነዚ ፈትኖ:- ኣብ ዚመጽእ ሰሙናት: ንመጻምድትኻ ብኸመይ ከም እትዛረባ ኣስተብህል። ገታር እንተ ደኣ ዄንካ ወይ ከኣ ዜቈናጽብ ዘረባ እንተ ደኣ ተዛሪብካ ቐልጢፍካ ይቕረታ ሕተት።

‘መጻምድተይ ብዛዕባ ርእሳ ጥራይ ከም እትግደስ ገይረ ድየ ዝሓስብ፧

“እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ አየሎኻን፧” (እዮብ 1:9, 10) ሰይጣን በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ንድራኸ እቲ እሙን ሰብኣይ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ።

ሰብ ሓዳር እንተ ደኣ ዘይተጠንቂቖም: ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: መጻምድትኻ ጽቡቕ ነገር ክትገብረልካ ኸላ ሓደ ነገር ኪግበረላ ኸም ዝደለየት ወይ ክትሓባብእ ትፍትን ከም ዘላ ጌርካ ዲኻ እትትርጕሞ፧ መጻምድትኻ ጌጋ ኽትገብር ከላ ንርእሳ ጥራይ እትሓስብን ዘይትሓልን ከም ዝዀነት ዜረጋግጽ መርትዖ ጌርካ ዲኻ እትምልከቶ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበረቶ ጌጋ ቐልጢፍካ ብምዝካር ነዚ ኸኣ ትድምረሉ ዲኻ፧

ነዚ ፈትኖ:- መጻምድትኻ ቕድሚ ሕጂ ዝገበረትልካ ኣወንታዊ ነገራትን ነዚ ንምግባር ኣለዓዒልዋ ኪኸውን ዚኽእል ጽቡቕ ድራኸታታን ዘርዝር።

ሃዋርያ ጳውሎስ: “ፍቕሪ . . . ኣይትቕየምን እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዕውርቲ ኣይኰነትን። ምስናይዚ ግን ቂም እውን ኣይትሕዝን እያ። ጳውሎስ: ፍቕሪ “ዅሉ ትአምን” ምዃና እውን ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:7) እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ብቐሊሉ እትታለል እያ ማለት ዘይኰነትስ: እምነት ንኸተሕድር ድልውቲ እያ ማለት እዩ። ጠርጣሪት ኣይኰነትን። እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንጸባርቓ ዜተባብዓና ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ንይቕሬታ ድልውቲ እያ፣ ድራኸ ኻልኦት ክፉእ ዘይኰነስ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ገይራ ንኽትሓስብ ፍቓደኛ እያ። (መዝሙር 86:5፣ ኤፌሶን 4:32) መጻምድቲ ኣብ ንሓድሕዶም ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ምስ ዜንጸባርቑ: ሓዳሮም ሓጐስ ዘለዎ ኪዀነሎም እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

እቶም ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ጌጋ እዮም ገይሮም፧

ኣብ ሓዳረይ ከምኡ ዓይነት ጌጋ ንኸይፍጸም እንታይ ክገብር እኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኻብ እተጠቕሰ ነጥብታት ብዝያዳ ኽዓየሉ ዜድልየኒ ኣየናይ እዩ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሰብኣይ ቀሪቡሉ ዘሎ ሓሳባት ንሰበይቲ እውን ዚምልከት እዩ።