ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ምድርና ብዝዀነ ይኹን ዕንወት ኣይክትጠፍእን እያ። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ: ምድሪ “ንዘለኣለም ከይትናወጽ” ተመባጺዑ እዩ። (መዝሙር 104:5) መጽሓፍ ቅዱስ: “ወለዶ ይኸይድ: ወለዶ ኸኣ ይመጽእ: ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ይብል።—መክብብ 1:4

እቲ ኣብ መዝሙር 104:5 ዚርከብ ምድሪ ኸም እትቕጽል ዚገልጽ ሓሳብ: በተን ኣብ በዅሪ እብራይስጢ “ንዘለኣለም” ዚብል ትርጕም ዘለወን ኦህላም ከምኡውን ኣድህ ዚብላ ኽልተ ቓላት ጐሊሑ ይርከብ። እታ ኦህላም እትብል ቃል: “ሓያሎ ዓመታት” ወይ “ነባሪ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ብመሰረት እቲ ብሆርኮቪ እተዳለወ ስቱደንትስ ሄብሪው ኤንድ ካልዲ ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: ኣድህ እትብል ቃል: “ነባሪ: ዘለኣለማውነት: መወዳእታ ዘይብሉ: ንሓዋሩ” ማለት እያ። እዘን ክልተ ናይ እብራይስጢ ቓላት: ምድሪ ነባሪት ከም ዝዀነት የረጋግጻ። ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ንኽንኣምን ዜኽእለና: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሰለስተ ተወሳኺ መርትዖታት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ: ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ኽትባድም ኢሉ ዘይኰነስ: ምልእቲ ምድሪ ሰባት ዚነብሩላን ልምዕትን ሓጐስ ዝመልኣን ገነት ክትከውን እዩ። ኢሳይያስ 45:18 ንየሆዋ በዚ ኸምዚ ትገልጾ:- “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ።”

ካልኣይ: ኣምላኽ እቶም ንዕኡ ዚእዘዙ ሰባት: ኣብ ምድሪ ብሰላም ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ኣቐዲሙ ተመባጺዑ እዩ። እቲ ኣብ ሚክያስ 4:4 ዚርከብ መብጽዓ: “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። ስለዚ: ብመሰረት ዕላማ ኣምላኽ: ምድሪ ኸም መንበሪት ደቂ ሰብ ኰይና ንዘለኣለም ክትቅጽል እያ፣ እንተ ዘይኰነ ግን መብጽዓታቱ ኸንቱ ዀይኑ እዩ ዚተርፍ።—መዝሙር 119:90፣ ኢሳይያስ 55:11፣ 1 ዮሃንስ 2:17

ሳልሳይ: ኣምላኽ ንደቂ ሰብ: ንምድሪ ኺከናኸንዋ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ቃል ኣምላኽ: “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ይብል። (መዝሙር 115:16) ንውላዱ ጽቡቕ ህያብ ሂቡ ኼብቅዕ: ተመሊሱ ነታ ህያብ ዚሰባብራ ሓደ ፈቃር ኣቦ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ትኽእልዶ፧ ከምኡ ኺገብር ዘይሕሰብ እዩ! ብተመሳሳሊ: እቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ዝዀነ የሆዋ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብር ዘይሕሰብ እዩ።—1 ዮሃንስ 4:8

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣቦኡ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:17) እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ድማ: “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝሙር 37:29፣ ቲቶስ 1:2

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Globe: Based on NASA photo