ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ

ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ

ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዳዊት ክትሓስብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ ይመጸካ፧ እቲ ኣብ ልዕሊ ጎልያድ ዝስሙ ዓርሞሸሽ ፍልስጥኤማዊ ዝረኸቦ ዓወት ድዩ ዚመጸካ፧ ብንጉስ ሳኦል ምእንቲ ኸይቅተል ናብ በረኻ ኺሃድም ከሎ ድዩ ዚረኣየካ፧ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ብሰንኩ ዘጋጠሞ መከራን ድዩ ትዝ ዚብለካ፧ ወይስ ምናልባት እቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ግጥምታቱ ድዩ ዚዝከረካ፧

ህይወት ዳዊት ብፍሉይ መሰልን ብዓወትን ብዜሕዝን ፍጻመን እተመልአ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ልዕሊ ዅሉ ብእኡ ኸም እንሰሓብ ዚገብረና፡ እቲ ነብዪ ሳሙኤል ብዛዕባኡ እተዛረቦ፡ ‘ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ’ ከም ዝዀነ ዚገልጽ ሓሳብ እዩ።​—1 ሳሙኤል 13:14

እቲ ሳሙኤል እተነበዮ ትንቢት፡ ዳዊት ንእሽቶ ኸሎ እዩ ተፈጺሙ። ‘ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብ’ ተባሂልካ ኽትፍለጥ ኣይትደልንዶ፧ ህይወት ዳዊት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘሕለፎ ህይወት፡ ከም ልቢ የሆዋ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ እስከ ንመርምር።

ስድራ ቤትን ዕዮን

እቲ ኣቦ ዳዊትን ወዲ ወዶም ንሩትን ንቦኣዝን ዝነበረ እሴይ፡ ውፉይ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ዳዊትን ሸውዓተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን ገና ንኣሽቱ ኸለዉ፡ እሴይ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ይምህሮም ነበረ። ዳዊት ኣብ ሓንቲ ኻብተን ዝጸሓፈን መዝሙራት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ” ኢሉ ንየሆዋ ለሚንዎ ነበረ። (መዝሙር 86:16) ገሊኣቶም ነዚ ድሕሪ ምንባብ፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስማ ተጠቒሱ ዘይርከብ ኣደ ዳዊት እውን፡ ኣብ መንፈሳውነቱ ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዝነበራ ደምዲሞም እዮም። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ዳዊት “ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ዜደንቕ ታሪኽ፡” እንተላይ ነቲ ብዛዕባ ሩትን ቦኣዝን ዚገልጽ ታሪኽ “ካብ ኣፋ [ኣፍ ኣዲኡ] ሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ።

ዳዊት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ እዋን እተጠቕሰ፡ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኺጓሲ ኸሎ እዩ። ነተን ኣባጊዕ ሒዙ ኸኣ፡ ንነዊሕ መዓልትን ለይትን ንበይኑ ኣብ መሮር ይሓድር ነበረ። ነቲ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።

ስድራ ቤት ዳዊት ኣብታ ቤት-ልሄም እትበሃል ኣብ ጫፍ ኵድዅዶ ይሁዳ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እቲ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ዝነበረ ኣእማን ዝበዝሖ መሬት፡ ጽቡቕ እኽሊ እዩ ዜብቍል ነይሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣጻድፍ ዘይበዝሖ ቦታታትን ስንጭሮታትን፡ ፍረ ብዚህብ ኣእዋምን ብኣእዋም ኣውልዕን ብኣታኽልቲ ወይንን እተሸፈነ እዩ ነይሩ። ብግዜ ዳዊት፡ እቲ ዘይሕረስ መሬት ንመጋሃጫ የገልግል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክንዮኡ ኸኣ በረኻ ይሁዳ ነበረ።

ዳዊት ከም ጓሳ ዀይኑ ዚዓዮ ዝነበረ ዕዮ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዅድዅዶ ኸሎ እዩ ኣንበሳን ድብን ካብተን መጓሰ ንሓንቲ ኣባጊዑ ሒዞም ኪኸዱ ዝፈተኑ። * ኰይኑ ግና፡ እዚ ተባዕ መንእሰይ እዚ፡ ደድሕሪ እቶም ኣራዊት ብምኻድ፡ ንዓታቶም ቀቲሉ ንበጊዑ ኻብ ኣፎም የግድፎም ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:34-36) ምናልባት ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ወንጭፍ ናይ ምውንጫፍ ክእለት ኣማዕቢሉ ኪኸውን ዚኽእል። ብዘይካዚ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ዓዲ፡ ነገድ ብንያም ነበሩ። እቶም ካብዚ ነገድ እዚ ዝመጹ ጨመትቲ፡ “ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጕሪ ዘይስሕቱ” እዮም ነይሮም። ዳዊት እውን ከምኣቶም እዩ ነይሩ።​—መሳፍንቲ 20:14-16፣ 1 ሳሙኤል 17:49

ኣብ ጽቡቕ መዓላ ዝወዓለ ግዜ

መብዛሕትኡ እዋን፡ ጕስነት፡ ሰላም ዝመልኦን ንበይንኻ እትዀነሉ ኣጋጣሚ ዚፈጥርን ዕዮ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ኣይስልክዮን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሰላማዊ ሃዋህው፡ ንኼስተንትን ዜኽእሎ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ከፈተሉ። ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ሓሳባት፡ ብግዜ ንእስነቱ ኸሎ ዜስተንትኖ ዝነበረ እዩ። ምናልባት ንበይኑ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሰብ ኣብ ዩኒቨርስ ዘለዎ ቦታን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማያት ዚርከብ ዜደንቕ ነገራትን፡ ማለት ብዛዕባ እቶም “ስራሕ ኣጻብዕ” የሆዋ ዝዀኑ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ኣስተንቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ኣብቲ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ዚርከብ ጐላጕል ኣብ ዝነበረሉ እዋናት፡ ብዛዕባ እቲ ልሙዕ መሬት ከምኡውን ብዛዕባ ኸብትን ኣብዑርን ኣዕዋፍን “እንስሳታት በረኻ”ን የስተንትን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።​—መዝሙር 8:3-9፣ 19:1-6

ዳዊት ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዜርእዮም ለውሃት ብዝያዳ ንኺርዳእ ከም ዝሓገዞ ኣየጠራጥርን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝዘመረ፦ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።”​—መዝሙር 23:1, 2, 4

‘እዚ ዅሉ ደኣ እሞ ምሳይ እንታይ ዜራኽብ ኣለዎ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ዳዊት ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪህልዎን ‘ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ’ ኪበሃልን ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ ዕዮ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዘለዎ ርክብን ብርዝነት ኣዕሚቑ የስተንትን ስለ ዝነበረ እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ትገብርዶ ኣለኻ፧

ንገሊኡ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ምስ ረኣኻ፡ ክትውድሶን ከተመስግኖን ተደሪኽካዶ ትፈልጥ፧ የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዜንጸባርቖ ባህርያት ምስ ረኣኻ፡ ልብኻ ንዕኡ ብዘሎካ ፍቕሪ ተመሊኡዶ ይፈልጥ፧ ንየሆዋ ኸምዚ ዓይነት ሞሳ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽን ብዛዕባ ፍጥረቱን ብጸሎት ከተስተንትን ኣሎካ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካን ከተፍቅሮን ኢኻ። ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ፡ ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ዳዊት ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብኸመይ ንፈልጥ፧

ዳዊት ተቐብአ

ንጉስ ሳኦል ንህዝቢ ኣምላኽ ኪመርሖም ከም ዘይበቅዕ ምስ ተረጋገጸ፡ የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል፡ “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጕህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ” በሎ።​—1 ሳሙኤል 16:1

ነብዪ ሳሙኤል ኣብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሐ፡ እሴይ ንደቁ ኸም ዚጽውዖም ገበረ። ንመን እዩ እሞ ንጉስ ንኪኸውን ኪቐብኦ ዚኽእል፧ ነቲ በዅርን ምልኩዕን ዝነበረ ኤልያብ ምስ ረኣዮ፡ ‘እዚ እዩ እቲ ንጉስ’ ኢሉ ሓሰበ። የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” በሎ። ንኣሚናዳብን ንሳማን ነቶም ካልኦት ኣርባዕተ ውሉዳትን እውን ኣይመረጾምን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኵሎም እቶም ደቂ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ አሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ አሎ፡ በለ።”​—1 ሳሙኤል 16:7, 11

እሴይ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘እቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብ እሞ፡ ዳዊት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ዳዊት ንእሽቶን ኣብቲ ስድራ ቤት ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉን ስለ ዝነበረ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንዕኡ እዩ መሪጽዎ። ከመይሲ፡ የሆዋ ልቢ እዩ ዚርኢ፣ ኣብ ልቢ ዳዊት ከኣ ሓደ ኽቡር ነገር ርእዩ ነበረ። ስለዚ፡ እሴይ ንዳዊት ምስ ኣጸውዖ፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ “ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ” በሎ፣ “ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲአ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ።”​—1 ሳሙኤል 16:12, 13

ሽዑ ዕድመ ዳዊት ክንደይ ምንባሩ ዚሕብር ነገር የልቦን። ይኹን እምበር፡ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ሰለስቲኦም ኣሕዋት ዳዊት፡ ማለት ኤልያብን ኣሚናዳብን ሳማን ኣባላት ሰራዊት ሳኦል ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ፡ ኣባል ሰራዊት እስራኤል ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ፡ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ስለ ዝዀነ፡ ምናልባት እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ኣወዳት፡ ዕድሚኦም ኣይኣኸለን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሁልቍ 1:3፣ 1 ሳሙኤል 17:13) ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ንዳዊት ኪሓርዮ ኸሎ፡ ዳዊት ንእሽቶ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ እዩ ነይሩ። ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት የስተንትነሉ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ከምኡ ንኺገብሩ ኺተባብዑ ኣለዎም። ስለዚ፡ ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንኼስተንትኑን ንፍጥረት ኣምላኽ ንኼማስውሉን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈጣሪ ዚብሎ ነገራት ንኼጽንዑን ተተባብዕዎምዶ ኣለኹም፧ (ዘዳግም 6:4-9) መንእሰያት ዘበልኩምከ ኸምኡ ትገብሩዶ ኣለኹም፧ ከም ግምቢ ዘብዐኛ ንቕሑ!  * ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት፡ ከምኡ ንኽትገብሩ ኺሕግዘኩም ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ።

ክኢላ ወቓዕ በገና

እቲ ዳዊት ዝጸሓፎ መዝሙራት ብዛዕባ እቲ ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፎ ግዜ ኺሕብረና ኻብ ከኣለ፡ ብዛዕባ ሙዚቃ ዝነበሮ ኽእለት እውን ኪሕብረና ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ነቲ ቕዱስ መዝሙራት ዚስንዮ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ሙዚቃ፡ ሎሚ ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣዳላዊ እቲ መዝሙራት ክኢላ ሙዚቀኛ ምንባሩ ይሕብር እዩ። ዳዊት ካብ ጕስነት ናብ ንጉስ ሳኦል እተጸውዓሉ ምኽንያት እውን፡ ክኢላ ወቓዕ በገና ስለ ዝነበረ እዩ።​—1 ሳሙኤል 16:18-23 *

ዳዊት ነቲ ኽእለቱ ኣበይን መዓስን እዩ ኣማዕቢልዎ፧ ምናልባት ኣብ መሮር ኰይኑ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገና ንእሽቶ ኸሎ ንኣምላኽ ልባዊ ምስጋና የቕርበሉ ኸም ዝነበረ ምግማት፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። የሆዋ ንዳዊት ዝመረጾን መዝነት ዝሃቦን ብምኽንያት ተወፋይነቱን መንፈሳውነቱን ደይኰነን፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ግዜ ንእስነት ዳዊት እኳ እንተ ኣተኰርና፡ ዳዊት ምስ ዓበየ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መላእ ህይወቱ ዚልለየሉ ዝነበረ መንፈስ፡ ኣብተን ብንእሽቶኡ ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ከሎ ተዛሪብወን ኪኸውን ዚኽእል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። ዳዊት ንየሆዋ፡ “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ኢሉ ኺዝምር ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! (መዝሙር 143:5) ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዀነ ኣብ ካልኦት ዳዊት ዝጸሓፈን መዝሙራት እተንጸባረቐ ምዉቕ ስምዒት፡ ነቶም ከም ልቢ የሆዋ ዝበሉ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት ዚድርኽ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ ጥንቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዚርአ ዝነበረ ቡናዊ ዚሕብሩ ናይ ሶርያ ድቢ፡ ክብደቱ ኣስታት 140 ኪሎ ግራም እዩ፣ በቲ ገዚፍ ኢዱ ብምጽፋዕ ከኣ ሰብ ወይ እንስሳ ኪቐትል ይኽእል ነበረ። ኣናብስ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ኸባቢ ብብዝሒ ነበሩ። ኢሳይያስ 31:4 ኸም እትገልጾ፡ “ብዙሓት ጓሶት” እውን እንተ ዀኑ፡ ን“ሽደን ኣንበሳ” ግዳዩ ኼሕድግዎ ኣይክእሉን እዮም።

^ ሕ.ጽ. 20 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተማ።

^ ሕ.ጽ. 22 እቲ ዳዊት ናብ ቤተ መንግስቲ ኺመጽእ ሓሳብ ዘቕረበ ኣማኻሪ ንጉስ ሳኦል፡ ብዛዕባ ዳዊት ኪዛረብ ከሎ፡ “መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ” በለ።​—1 ሳሙኤል 16:18