ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧

ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧

“ሕልሚ ኣሎኒ።” እዘን ቃላት እዚአን፡ ሓምሳ ዓመት ይገብር፡ ማለት ብ28 ነሓሰ 1963 መራሕ ሲቪላዊ መሰላት ኣመሪካ ዝነበረ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ጀይኣር፡ ኣብቲ ፍሉጥ መደረኡ እተዛረበን ቃላት እየን። ኪንግ፡ በዘን ዚማርኻ ቓላት ገይሩ፡ ሰባት ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ሓራ ዚወጹላ መዓልቲ ኽትመጽእ፡ ሕልሚ ወይ ተስፋ ኸም ዘለዎ ገለጸ። ትምኒቱ ዝገለጸሎም፡ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ተቐማጦ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ንፍረ ነገር ሕልሙ ወይ ትምኒቱ ተቐቢሎምዎ እዮም።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ጀይ ኣር. ብዛዕባ ሲቪላዊ መሰላት መደረ ኺህብ ከሎ

ኪንግ ነዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረበን፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ማለት ብ20 ሕዳር 1963፡ ልዕሊ 100 ዝዀና ሃገራት ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ጽልኢ ኺውገድ ዘውጽኦ ኣዋጅ ተቐቢለናኦ እየን። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት እውን ተመሳሳሊ ኣዋጃት ተገይሩ እዩ። ንዅሉ እቲ እተገብረ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘እሞኸ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧’ ዚብል ሕቶ ኸነበግስ ንኽእል ኢና።

ብ21 መጋቢት 2012፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪ-ሙን ከምዚ በለ፦ “ዓሌታውነት፡ ዓሌታዊ ጽልኢ፡ ጽልኢ ወጻእተኛታት፡ ከምኡውን ምስኡ እተተሓሓዘ ኻልእ ዘይተጻዋርነት ንምውጋድ፡ ሓያሎ ጠቓሚ ውዕላትን ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ዛዕባታትን ተገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ግዳያት ዓሌታዊ ጽልኢ ዀይኖም ኣለዉ።”

ብዛዕባ እተን ዓሌታውን ካልእ ዓይነት ጽልእን ንምጥፋእ ኣብ ዝገበራኦ ቓልሲ ብመጠኑ እተዓወታ ሃገራት እውን ከይተረፈ፡ ‘እዚ ምምሕያሻት እዚ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ሱር ዝሰደደ ስምዒታት ብሓቂዶ ምሒውዎ እዩ፡ ወይስ ንኸይገሃድ ተቘጻጺርዎ ጥራይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ምምሕያሻት፡ ኣድልዎ ንኸይርአ ኺከላኸል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ንጽልኢ ኻብ ሱሩ ኺምሕዎ ኸም ዘይክእል እዮም ዚኣምኑ። ከመይሲ፡ ኣድልዎ፡ ኪርአን ብሕጊ ኬቕጽዕን ዚኽእል ተግባር እዩ፣ ጽልኢ ግና ብቐሊሉ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከብ ሓሳባት ወይ ስምዒት እዩ።

ስለዚ፡ ጽልኢ ንምጥፋእ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ፡ ኣድልዎ ኺቈጻጸር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዘለዎ ኣተሓሳስባን ስምዒትን እውን ኪቕይሮ ኣለዎ። እዚ ግና ብሓቂዶ ኺግበር ይከኣል እዩ፧ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ፧ ሰባት ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኪቕየሩ ኺሕግዞም ዚኽእል ነገር ከም ዘሎ ንኽንርዳእ ዚሕግዘና ናይ ሓቂ ተመክሮታት ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽልኢ ንኼወግዱ ሓጊዝዎም

“ሕጂ ኻብ ጽልኢ ሓራ ወጺአ እየ።”—ሊንዳ

ሊንዳ፦ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እየ ተወሊደ። ንዅሎም እቶም ጸዓዱ ዘይኰኑ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከም ታሕተዎትን ዘይተማህሩን ዘይእመኑን ኣገልገልቲ ጸዓዱ ጥራይ ከም ዝዀኑን ገይረ እየ ዚርእዮም ነይረ። ብኣተሓሳስባይ ጽልኢ ኣሕዲረ ነበርኩ፡ እዚ ጽልኢ እዚ ኸም ዘሎኒ እውን ኣይግንዘብን እየ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ኣተሓሳስባይ ኪቕየር ጀመረ። “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ኸምኡውን ልቢ ኻብ ሕብሪ ቘርበትና ወይ ቋንቋና ብዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተመሃርኩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ምሳሌ 17:3) እታ ኣብ ፊልጲ 2:3 እትርከብ ጥቕሲ፡ ንዅሉ ሰብ ልዕለይ ከም ዝዀነ ገይረ እንተ ርእየዮ፡ ንጽልኢ ኸሰንፎ ኸም ዝኽእል ንኽግንዘብ ሓጊዛትኒ እያ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ፡ ዝዀነ ይኹን ሕብሪ ቘርበት ንዘለዎም ሰባት ንኽግደሰሎም ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ ኻብ ጽልኢ ሓራ ወጺአ እየ።

“ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ተረድኣኒ።”—ማይክል

 ማይክል፦ ኣብቲ ጸዓዱ ኣውስትራልያውያን ብብዝሒ ዚነብሩሉ ኸባቢ ስለ ዝዓበኹ፡ ንእስያውያን፡ ብፍላይ ከኣ ንቻይናውያን ኣጸቢቐ እጸልኦም ነበርኩ። ማኪና እናዘወርኩ ኸለኹ፡ እስያዊ እንተ ርእየ፡ መስኮት ከፊተ፡ “ንዓድኻ ኺድ፡ እስያዊ!” እናበልኩ እጻረፍ ነበርኩ። ጸኒሐ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ተረድኣኒ። ኣምላኽ ንሰባት፡ ዓዶም ወይ ትርኢቶም ብዘየገድስ፡ የፍቅሮም እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ስለ ዝተንከፈትኒ፡ ጽልአይ ናብ ፍቕሪ ተቐየረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ለውጢ ምግባረይ፡ ብሓቂ ዜገርም እዩ። ሕጂ ምስቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እውን ዘለዎም ሰባት ኪሓብር ከለኹ ብሓቂ እዩ ባህ ዜብለኒ። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎኒ ኣተሓሳስባ ኣስፊሑለይን ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡለይን እዩ።

“ኣተሓሳስባይ ኣዐርየ . . . ተዓረቕኩ።”—ሳንድራ

ሳንድራ፦ ዓዲ ኣደይ ኣብ ግዝኣት ደልታ፡ ናይጀርያ፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ኡሙነደ እዩ። ዓዲ ኣቦይ ግና፡ ግዝኣት ኤዶ እዩ፣ ቋንቋኦም ድማ ኤሳን እዩ። ብምኽንያት እዚ ፍልልያት እዚ ኸኣ፡ ስድራ ቤት ኣቦይ ንኣደይ ክሳዕ ግዜ ሞታ ይጸልእዋ ነበሩ። ስለዚ ድማ፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ቋንቋኡ ኤሳን ዝዀነ ሰብ ከይቀራረብ ወይ ካብ ግዝኣት ኤዶ ኸይምርዖ መሓልኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ኽርእዮ ጀመርኩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ዘበለ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ዚገልጽ ካብ ኰነ፡ ኣነ እንታወይቲ ዀይነ እየ ንሰባት ብዓሌቶም ወይ ብቛንቋኦም ዝጸልኦም፧ ኣተሓሳስባይ ኣዐርየ ድማ ምስ ስድራ ቤት ኣቦይ ተዓረቕኩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ፡ ከም ዝሕጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዝረክብን ገይሩኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ድሕረ ባይታኡ፡ ዓሌቱ፡ ቋንቋኡ፡ ወይ ዜግነቱ ብዘየገድስ፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ተሳንየ ንኽነብር ሓጊዙኒ እዩ። እቲ እተመርዓኽዎ ሰብኣይከ ዓዱ ኣበይ ይመስለኩም፧ ካብ ግዝኣት ኤዶ እዩ፡ ቋንቋኡ ድማ ኤሳን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚኣቶምን ንሓያሎ ኻልኦትን ነቲ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ንኼሰንፍዎ ኺሕግዞም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ  ኻልኦት ዘለዎ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ዓይነት ጽልኢ ንምጥፋእ እንታይ ካልእ ነገር ከም ዜድሊ እውን ይገልጽ እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ጽልኢ ተወግዶ

ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሱር ዝሰደደ ኣሉታዊ ስምዒታትና ንምቍጽጻርን ንምምሓውን ኪሕግዝ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጽልኢ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጥፋኡ ግና ኪግበር ዘለዎ ኽልተ ነገራት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ፡ “ሰብሲ ዘይብድል የልቦን” ይብል። (1 ነገስት 8:46) ስለዚ፡ ንጽልኢ ኻብ ውሽጥና ንኸነወግዶ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ንዓና እውን ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጋጠሞ የጋጥመና እዩ። ጳውሎስ፡ ‘ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ኣሎ’ በለ። (ሮሜ 7:21) ስለዚ፡ እቲ ዘይፍጹም ልብና ሓሓሊፉ፡ ናብቲ ጽልኢ ኺወልድ ዚኽእል “ጐዳኢ ሓሳብ” እዩ ዚምለስ።—ማርቆስ 7:21

ካልኣይ፡ ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን፡ “ቀታል ነፍሲ” ኸም ዝዀነ፡ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” እውን ንሱ ምዃኑ ይገልጽ። (ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:9) እዚ ኸኣ፡ ጽልኢ ስለምንታይ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎን፡ ሰባት ከኣ ድርቅናን ኣድልዎን ጃምላዊ ቕትለትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን ዘይተጻዋርነት ኬወግድዎ ዘይክኣሉ ስለምንታይ ምዃኑ ዚገልጽ እዩ።

ስለዚ፡ ጽልኢ ምሉእ ብምሉእ ንኺጠፍእ፡ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስን ካብ ሰባት ኬልግስ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኸም ዚፍጸም ይገልጽ።

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ንኺጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ግፍዒ፡ እንተላይ ንዅሉ ዓይነት ዘይተጻዋርነትን ጽልእን ዜጥፍኦ፡ በታ መንግስቱ ገይሩ እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት እሞ ንዅሉ ጕዳያት ምድሪ ምስ ተቘጻጸረቶ፡ ሰይጣን፡ “ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ‘ኪእሰር’ እዩ። (ራእይ 20:2, 3) ድሕሪኡ፡ ‘ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ምድሪ’ ወይ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ኪህሉ እዩ። *2 ጴጥሮስ 3:13

እቶም ኣብቲ ጻድቕ ሕብረተ ሰብ ዚነብሩ ሰባት፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም፡ ፍጹማት ኰይኖም ኪነብሩ እዮም። (ሮሜ 8:21) ኣብዞም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” ምኽንያቱ፡ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ፡ መገድታት የሆዋ ኣምላኽ ኪመሃሩ፡ ነቲ ጽድቃዊ ባህርያቱ ኸኣ ኪቐድሕዎ እዮም። ኵሉ ዓይነት ጽልኢ ኸኣ ኪውገድ እዩ፣ “ከመይሲ፡ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣድልዎ የልቦን።”—ሮሜ 2:11

^ ሕ.ጽ. 17 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እትፍጽሞ ነገራትን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3፡ 8፡ ከምኡውን 9 ርአ