ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ኣምላኽ ንምትካኽ ሽጋራ ብኸመይ ይርእዮ፧

ዓለምለኻዊ ለበዳ

ዓለምለኻዊ ለበዳ

ምትካኽ ሽጋራ ዘይምሕር ቀታሊ እዩ።

  • ኣብ ዝሓለፈ ዘመን 100,000,000 ሰባት ቀቲሉ።

  • ኣብ ዓመት ኣስታት 6,000,000 ሰባት ይቐትል።

  • ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኻልኢት፡ ሓደ ሰብ ይቐትል።

ከም ዜቋርጽ ዚሕብር ምልክት እውን የለን።

ሰበ ስልጣን ከም ዝገምገምዎ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣንፈት ከም ዘለዎ እንተ ቐጺሉ፡ ብ2030፡ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዚመጽእ ዓመታዊ ቝጽሪ ሞት ናብ ልዕሊ 8,000,000 ኪድይብ እዩ። ኣብ መወዳእታ መበል 21 ዘመን ድማ ቍጽሪ እቶም ብምትካኽ ሽጋራ ዚሞቱ ሰባት 1,000,000,000 ኣቢሉ ኸም ዚበጽሕ እቶም ሰበ ስልጣን ተነብዮም ኣለዉ።

ግዳያት ትምባኾ ዚዀኑ ኸኣ፡ ሽጋራ ዜትክኹ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ብህይወት ዝተረፉ ስድራ ቤት እቶም ሽጋራ ዜትክኹ ሰባት እውን ስምዒታውን ቍጠባውን ጕድኣት የጋጥሞም እዩ። ኣብ ዓዓመት 600,000 ዚዀኑ ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት፡ ካልኦት ዜትክኽዎ ትኪ ብምስሓቦም ይሞቱ እዮም። ብሰንኪ እዚ፡ ቍጽሪ እቲ ንኽንክን ጥዕና ዚወጽእ ወጻኢታት እውን ስለ ዚውስኽ፡ እቲ ጸገም ገንዘብ ንዅሉ ይትንክፎ እዩ።

እዚ መቕዘፍቲ እዚ፡ ካብቲ ዶክተራት መድሃኒት ንኺረኽቡሉ ሃሰስ ዚብልሉ ተመሓላላፊ ሕማማት እተፈልየ እዩ። እወ፡ ኪፍወስ ይከኣል እዩ፣ መፍትሒኡ ኸኣ ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀነት ዶክተር ማርጋሬት ቻን፡ “ለበዳ ትምባኾ፡ ብምሉኡ ብሰብ እዩ ዚመጽእ፣ መንግስትታትን ትካላት ሕብረተ ሰብን ብሓድነት እንተ ጽዒሮም ከኣ ኬቋርጽ ይኽእል እዩ” በለት።

ነዚ ንጥዕና ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ ንምቅላስ ብደረጃ ኣህጉር ሰፊሕ ቃልሲ እዩ ዚግበር ዘሎ። ካብ ነሓሰ 2012 ንነጀው፡ ኣስታት 175 ሃገራት፡ ንኣጠቓቕማ ትምባኾ ቐይዲ ንኺገብራሉ ስጕምቲ ኺወስዳ ተሰማሚዐን እየን። * ይኹን እምበር፡ ብርቱዓት ሓይልታት ነዚ ለበዳ እዚ ኸም ዚቕጽል ይገብርዎ ኣለዎ። ኢንዱስትሪ ትምባኾ ንመዋዓውዒ ኣብ ዓዓመት ብቢልዮናት ዚቝጸር ዶላር ኣመሪካ የውጽእ ኣሎ። ነዚ ዚገብረሉ ምኽንያት ከኣ ንሓደስቲ ዓማዊል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዚርከባ ሃገራት ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ንምስሓብ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ወልፊ ዜትሕዝ ትምባኾ ኣብ ርእሲ እቶም ብወልፊ እተታሕዙ ሓደ ቢልዮን ሰባት፡ ንኻልኦት ሓደስቲ ሰባት እውን ብወልፊ ኸም ዚተሓዙ ይገብር ኣሎ። እዞም ሎሚ ሽጋራ ዜትክኹ ዘለዉ ሰባት ምትካኾም እንተ ዘየቋሪጾም፡ ኣብ ዚቕጽል ኣርብዓ ዓመት ቍጽሪ እቶም ብሰንኪ እዚ ዚሞቱ ሰባት ኪድይብ እዩ።

መዋዓውዕን ወልፍን ንሓያሎ ሰባት ኣብ መጻወድያ ኣእትዩ፡ ኪወጹ እኳ እንተ ተመነዩ ኺወጹ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚገብሮም። ተመክሮ ናኦኮ ነዚ ዚሕብር እዩ። ናኦኮ ኣብ ጕርዝውና ኣብ ዝነበረትሉ ዕድመ፡ ሽጋራ ኸተትክኽ ጀመረት። ነቲ መዋዓዋዕቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዜቕርብዎ ሽጋራ ዚትከኸሉ መገዲ ኽትቀድሖ ብምኽኣላ፡ ዝሰልጠነት ኰይኑ ተሰምዓ። ክልቲኦም ወለዳ ብሰንኪ መንሽሮ ሳንቡእ ኪሞቱ ኸለዉ እኳ እንተ ረኣየት፡ ንኽልተ ደቃ እውን ተዕቢ እኳ እንተ ነበረት፡ ሽጋራ ምትካኻ ግና ኣየቋረጸትን። ከምዚ ድማ ትብል፦ “መንሽሮ ሳንቡእ ከይሕዘኒ እሻቐል ነይረ እየ፣ ብዛዕባ ጥዕና ደቀይ ከኣ የተሓሳስበኒ ነይሩ እዩ፣ ምስናይዚ ግና፡ ሽጋራ ምትካኸይ ኣየቋረጽኩን። ኬቋርጾ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ” በለት።

ይኹን እምበር፡ ናኦኮ ኸተቋርጾ ኽኢላ እያ። ሽጋራ ምትካኽ ንኸተቋርጾ ዝደረኻ፡ እቲ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ካብ ትምባኾ ናጻ ዀይኖም ንኺነብሩ ዝሓገዞም ምንጪ እዩ። እቲ ምንጪ እቲ እንታይ እዩ፧ ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ኣንብባ።

^ ሕ.ጽ. 11 እቲ ዚውሰድ ስጕምቲ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ምትካኽ ሽጋራ ዜስዕቦ ሓደጋ ምምሃር፡ ንዕዳጋ ኢንዱስትሪ ትምባኾ ምቍጽጻር፡ ንዋጋ ቐረጽ ትምባኾ ኸም ዚውስኽ ምግባር፡ ከምኡ ድማ ሰባት ምትካኽ ሽጋራ ንኼቋርጹ ዚሕግዝ መደባት ምውጻእ ዜጠቓልል እዩ።