ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንዘይፍትሓውነትን ንዓመጻን ባዕለይ ክቃለሶ እጽዕር ነይረ

ንዘይፍትሓውነትን ንዓመጻን ባዕለይ ክቃለሶ እጽዕር ነይረ
  • ዓመተ ልደት፦ 1960

  • መበቈል ሃገር፦ ሊባኖስ

  • ታሪኽ፦ ክኢላ ኩንግ ፉ

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብታ ኣብ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን እትርከብ ከተማ ረሚሽ እየ ተወሊደ፣ እቲ እተወለድኩሉ እዋን፡ ውግእ ሓድሕድ ዚካየደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። ድምጺ ነታጕን መሓውሮም እተቘርጹ ንጹሃት ሰባትን፡ ክሳዕ ሕጂ እዩ ትዝ ዚብለኒ። ህይወት ኣመና ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፣ ገበንን ዓመጻን ከኣ ኣስፋሕፊሑ ነበረ።

ስድራ ቤትና ሰዓቢት እታ ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ ክርስትያን ምብራቓዊት ካቶሊክ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ማሮናይት እያ ነይራ። ኣቦይ ነታ 12 ኣባላት ዝነበሩዋ ስድራ ቤትና ብስጋዊ መዳይ ንምክንኻን ላዕልን ታሕትን ይብል ስለ ዝነበረ፡ ብስራሕ ትሑዝ እዩ ነይሩ፣ ኣደይ ግና ነቶም ዝተረፍና ናብ ቤተ ክርስትያን ሒዛትና ትኸይድ ነበረት። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ቤተ ክርስትያን እውን ልክዕ ከምቲ ሕብረተ ሰብ፡ ንድኹማት ከም ዘይትድግፍ ኰይኑ ተሰምዓኒ።

ኣብ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኩንግ ፉ ኽግደስ ጀመርኩ። ኣዝዩ ጽዑቕ ስልጠና ድማ ሰልጠንኩ፣ ብኢደይን ብእግረይን ገይረ ንሰብ ብኸመይ ከም ዝሃርምን እተፈላለየ ዓይነት መሳርያ ማርሻል ኣርት ብኸመይ ከም ዝጥቀምን እውን ክእለት ኣጥረኹ። ‘ንውግእ ደው ከብሎ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ካልእ ይትረፍ ግና ንዓመጸኛታት ደው ንኸብሎም ክፍትን እኽእል እየ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ክልተ ሰባት ኪብኣሱ ኸለዉ እንተ ርእየ፡ ኢደይ አእቱ ነበርኩ። ብተፈጥሮይ ቀልጢፈ ስለ ዝሓርቕ፡ ንክቝጣዕ ግዜ ኣይወስደለይን እዩ ነይሩ። ንዘይፍትሓውነትን ንዓመጻን ባዕለይ ክቃለሶ እጽዕር ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ መላእ ደቡባዊ ሊባኖስ ዚነብሩ ሰባት ይፈርሁኒ ነበሩ።

ብ1980 ኣብ በይሩት ምስ ዝነበረ ክበብ ኩንግ ፉ ሓበርኩ። በብመዓልቱ ቦምባታትን ተወንጨፍትን ይዘንም እኳ እንተ ነበረ፡ ስልጠናይ ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን እየ። ህይወተይ ኣብ ምብላዕን ኣብ ምድቃስን ኣብ ምስታይን ከም ናይ ብሩስ ሊ ዓይነት ህይወት ኣብ ምንባርን ዘተኰረት እያ ነይራ፣ ብሩስ ሊ ኣመሪካዊ-ቻይናዊ ዀይኑ፡ ክኢላ ኩንግ ፉ ዝነበረ ተዋሳኣይ እዩ ነይሩ። ኣቀማቕማ ጸጕሩን ኣካይዳኡን ኩንግ ፉ ኺጥቀም ከሎ ዜስምዖ ድምጽን ቀዳሕክዎ። ፍሽኽ ኢለ እውን ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ሸቶይ ኣብ ቻይና ኸይደ ኽኢላ ኩንግ ፉ ክኸውን እዩ ነይሩ። ሓደ ምሸት፡ ነቲ ናብ ቻይና ዝገብሮ ጕዕዞ ንኽዳሎ ኣበርቲዐ ኽለማመድ ከለኹ፡ ማዕጾ ቤተይ ተዃሕኵሐ። ሓደ ዓርከይ ምስ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ መጸ። ነቲ ዝለማመደሉ ዝነበርኩ ጸሊም ክዳን ተኸዲነ ሰብነተይ ብረሃጽ ጠልቅዩ ኸሎ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጦ የብለይን” በልክዎም። ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዘ ህይወተይ ከም እትቕየር ኣይፈለጥኩን ነይረ።

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ሰብ ንዘይፍትሓውነትን ንዓመጻን ምሉእ ብምሉእ ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዩኒ። ጠንቂ እዚ ዅሉ ጸገማት፡ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ድማ ገለጹለይ። (ራእይ 12:12) በቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ሰላምን ርእሰ ምትእምማንን ኣዝየ ተደነቕኩ። ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ምስ ነገሩኒ እውን፡ ልበይ ተተንከፈ። (መዝሙር 83:18NW) ብዘይካዚ፡ ነታ፡ “ኣካላዊ ልምምድ ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም” እትብል 1 ጢሞቴዎስ 4:8 ኣርኣዩኒ። እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ እየን ኣሕዲረን።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ስድራ ቤተይ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ንኸይመጹ ስለ ዝኸልከልዎም፡ ምሳታቶም ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጸ። ይኹን እምበር፡ ንኩንግ ፉ ኸቋርጾን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምርን ወሰንኩ። ኣሕዋተይ ነቲ ሓሳበይ እኳ እንተ ዘይፈተውዎ፡ ኣነ ግና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ኽረኽቦምን ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ቈሪጸ እየ ነይረ።

ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽረኽቦም እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ክዕወት ግና ኣይከኣልኩን። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ብሃንደበታዊ ሞት ኣቦይን ብኻልእ ኣብ ስድራ ቤትና ዘጋጠመ ዜሕዝን ኵነታትን ኣመና ሓዚነ ነበርኩ። ኣብ ሓደ ትካል ህንጸት ክሰርሕ ጀሚረ ነበርኩ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ኣደል ዝስሙ መሳርሕተይ፡ ስለምንታይ ከም ዝጐሃኹ ሓተተኒ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ምዉታት ድማ ኪነግረኒ ጀመረ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ትሽዓተ ወርሒ፡ እዚ ፈቃርን ለዋህን ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር እዚ፡ ብትዕግስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓለይ።

ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት እናገበርኩ ምስ ከድኩ፡ ኣብ ባህርያተይ ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ሓራቕን ብቐሊሉ ዝቝጣዕን ስለ ዝነበርኩ፡ ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓርቖተይን ንገዛእ ርእሰይን ብኸመይ ክቈጻጸሮ ኸም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:44፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ” ኢሉ መኺሩ ኣሎ። ኣብ ሮሜ 12:19 ድማ፡ “‘ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ዚብል መጠንቀቕታ ኣሎ። እዘን ጥቕስታት እዚአንን ካልኦትን፡ በብቝሩብ ውሽጣዊ ሰላም ንኽረክብ ሓጊዘናኒ እየን።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ስድራ ቤተይ ኣብ ፈለማ ነቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸጽንዕ ዝገበርክዎ ውሳነ እኳ እንተ ተጻረርዎ፡ ጸኒሖም ግና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬኽብርዎም ጀሚሮም እዮም። ሓደ ሓወይ ድማ ምሳይ ኰይኑ ንየሆዋ የምልኾ ኣሎ፣ ኣደይ ከኣ ክሳዕ ዕለት ሞታ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ንእምነትና ትጣበቐሉ ነበረት።

የሆዋ፡ ኣኒታ ዝስማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምሳይ እተገልግል ፍትውትን እምንትን ሰበይቲ ብምሃብ ባሪኹኒ እዩ። ኣነን ኣኒታን ካብ 2000 ጀሚርና ኣብ ኢስኪልስቱና፡ ሽወደን ኢና እንነብር ዘለና፣ ኣብኡ ኸኣ ነቶም ዓረብኛ ዚዛረቡ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምህሮም ኣለና።

እቶም ብሰንኪ ዓመጻ ዚሳቐዩ ሰባት፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኸብደይ ይበልዑኒ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ሰባት ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዜጋጥሞምን ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣምላኽ ነቲ ጠንቂ ስቓይ ከም ዜጥፍኦን ምፍላጠይ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ሰላምን እዩ ዜምጽኣለይ።—መዝሙር 37:29

ኣገልግሎት ንዓይን ንሰበይተይን ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር ድማ ባህ እዩ ዚብለና