ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ሕቶታት ኣንበብትና

ብዛዕባ በዓል ልደት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ በዓል ልደት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዎም። ገሊኦም ምስ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ባህ ዜብል ግዜ ኼሕልፉ ኢሎም የብዕልዎ። ካልኦት ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺሓስቡ፡ ወይ ከኣ ንድኻታትን ደገፍ ንዜድልዮምን ንምሕጋዝ የብዕልዎ። እዚ ተግባራት እዚ ጽቡቕ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ በዓል ግና ኣሉታዊ ድሕረ ባይታ ኣለዎ።

ቀዳማይ፡ ብዙሓት ሰባት፡ በዓል ልደት ነታ የሱስ እተወልደላ ዕለት ከም ዜመልክት እዮም ዚኣምኑ። እንተ ዀነ ግና፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ የሱስ እተወልደሉ ዕለት ከም ዘይፍለጥ ምሉእ ብምሉእ ይሰማምዑ እዮም። ዘ ክርስትያን ቡክ ኦቭ ዋይ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ነታ የሱስ እተወልደላ መዓልቲ ብዚምልከት፡ ዕለት ኪፈልዩ ዘይደለዩሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ካብ ኣረማዊ ተግባራት ኪፍለዩ ስለ ዝደለዩ እዮም” ብምባል ገለጸት። እቲ ዜገርም፡ የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ ወይ ናይ ካልኦት ዕለተ ልደት ከም ዘብዓለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ንሰዓብቱ ንሞቱ ኺዝክሩ እዩ ኣዚዝዎም።—ሉቃስ 22:19

ካልኣይ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት፡ መበቆል ልምድታት በዓል ልደት ዘይክርስትያናውን ኣረማውን ከም ዝዀነ ይሰማምዑሉ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ከም ኣቦ ልደትን ጽሕዲ ልደትን ህያባት ልደትን ሽምዓ ልደትን ስልማት ልደትን መዝሙር ልደትን ዝኣመሰለ ልምድታት የጠቓልል። ብዛዕባ እዚ ልምድታት እዚ ኣመልኪታ፡ እታ ዘ ኤክስተርናልስ ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ህያባት ልደት ክንህብን ክንቅበልን ከለና፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣባይትና ዀነ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ስልማት ልደት ክንስልም ከለና፡ ክንደይ ካባና ኢና ንኣረማዊ ልምድታት ነኽብር ከም ዘለና እንፈልጥ፧” በለት።

“ህያባት ልደት ክንህብን ክንቅበልን ከለና፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣባይትና ዀነ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ስልማት ልደት ክንስልም ከለና፡ ክንደይ ካባና ኢና ንኣረማዊ ልምድታት ነኽብር ከም ዘለና እንፈልጥ፧” —ዘ ኤክስተርናልስ ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች

ይኹን እምበር፡ ‘ከምዚ ዝበለ ንጹህ ዚመስል ልምድታት ምስዓብ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚምልስ ሳልሳይ ነጥቢ እስከ ርአ። ኣምላኽ ንኣረማዊ ልምድታት ምስ ንጹህ ኣምልኾ ምትሕንፋጽ ኣይቅበሎን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ኣሞጽ ኣቢሉ፡ ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ፋሉል ዝኸዱ ኣምለኽቱ፡ ‘ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዐቕኩን ደሃይ ቅኔታትኩም ካባይ ኣርሕቑ’ በሎም።—ኣሞጽ 5:21, 23

ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ሓያል ቃላት እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ኣብ ጥንታዊት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዝነበሩ ህዝቢ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እስከ ርአ። እቲ ናይ መጀመርታ ንጉሶም ዝነበረ የሮብዓም፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ብግቡእ ኣብ ክንዲ ዜምልኽዎ፡ ነቶም ኣብ ዳንን ቤት-ኤልን ዝገበሮም ምራኹት ወርቂ ኸም ዜምልኹ ገበረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ንጉስ በዓላት ብምስራዕ፡ ነቲ ህዝቢ በዓላት ኣብ ምብዓል ዚሕግዙ ኻህናት ኣቘመ።—1 ነገስት 12:26-33

እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ነገር ንጽቡቕ ዕላማ ይመስል ነበረ። እቲ ዅሉ ዚገብርዎ ዝነበሩኸ፡ ንኣምላኽ ኬምልኹን ንዕኡ ኼሐጕሱን ስለ ዝደለዩ ደይኰነን ነይሩ፧ ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብኣሞጽን ብኻልኦት ነብያትን ኣቢሉ ሓያል ቃላት ምጥቃሙ፡ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከመይ ከም እተሰምዖ ብንጹር ዜርኢ እዩ። ኣምላኽ ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በለ። (ሚልክያስ 3:6) እዝስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ሎሚ ኣብ በዓል ልደት ዚግበር ሓያሎ ጽንብላት ከመይ ከም ዚስምዖ ደይኰነን ዜርእየና፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በዓል ልደት ካብ ምብዓል ንኪቝጠቡ ወሲኖም እዮም። ኣብ ዓመት ኣብ ዝዀነ ይኹን መዓልቲ፡ ምስ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ባህ ዜብል ግዜ የሕልፉን ህያባት ይውሃሃቡን እዮም። ከምኡ እውን ግዜ ኸይፈለዩ፡ ንድኻታትን ንእተሸገሩን ብምሕጋዝ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ እዮም።