ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 11

ፍጥረት ንኣምላኽ ይውድሶ

ፍጥረት ንኣምላኽ ይውድሶ

(መዝሙር 19)

  1. 1. ኦ ኣምላኽና፡ ድንቂ’ዩ ግብርኻ፣

    ሰማያት’ውን ይነግር ክብርኻ።

    ኵሎም ፍጥረት የውስኡ መልእኽቶም፣

    ከይተሰምዐ ኣብ ኣእዛንና ቓሎም።

    ኵሎም ፍጥረት የውስኡ መልእኽቶም፣

    ከይተሰምዐ ኣብ ኣእዛንና ቓሎም።

  2. 2. ዚፈርሃካ ጥበብ’ዩ ዜጥሪ፣

    ይልብም’ውን ብቓል ኰነ ግብሪ።

    ትእዛዛትካ የለብም ንዅሉ፣

    ብሉጽ እዩ ኣበር ዘይወጸሉ።

    ትእዛዛትካ የለብም ንዅሉ፣

    ብሉጽ እዩ ኣበር ዘይወጸሉ።

  3. 3. ትርጉም ህይወት ረኺብና ሳላኻ፣

    ጥዑም ህይወት ንመርሕ ብቓልካ።

    ክብሪ እዩ ምዃን ገላዉኻ፣

    ከነበርክት ኣብ ምቕዳስ ስምካ።

    ክብሪ እዩ ምዃን ገላዉኻ፣

    ከነበርክት ኣብ ምቕዳስ ስምካ።