መዝሙር 112
የሆዋ፡ ኣምላኽ ሰላም
(ፊልጲ 4:9)
-
1. የሆዋ ኣምላኽና፡
ሰላም ኣተስፊኻና፣
’ሞ መንፈስካ ኣፍስሰልና፣
ፍሪኡ ኺፈርየልና።
ሳላ ’ታ እምነትና፡
በቲ እሙን ወድኻ፡
ኴንና ’ለና ፈተውትኻ፡
ተዓሪቕና ምሳኻ።
-
2. ቃልካ የብርሃልና፣
መንፈስካ ይገልጸልና፣
ኣብዛ ጸልማት ከንቱ ዓለም፡
ነእጋርና ይመርሓና።
ውግእን ሽበራን፡
ክሳዕ ዚውገደልና፣
ብመንፈስካ ሓግዘና፡
ክንሕልዎ ሰላምና።
-
3. ኣኪብካና ’ለኻ፡
በታ ዓባይ ፍቕርኻ፣
ሓደ ዄንና ብመንፈስካ፡
ክንእውጅ መንግስትኻ።
ውግእ ኪተርፍ’ዩ፡
ኪውገድ ንዘልኣለም፣
ዓቃላት’ውን ደስ ኪብሎም’ዩ፡
ኪነብሩ’ዮም ብሰላም።
(መዝ. 4:8፣ ፊል. 4:6, 7፣ 1 ተሰ. 5:23 እውን ርአ።)