ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 112

የሆዋ፡ ኣምላኽ ሰላም

የሆዋ፡ ኣምላኽ ሰላም

(ፊልጲ 4:9)

  1. 1. የሆዋ ኣምላኽና፡

    ሰላም ኣተስፊኻና፣

    ’ሞ መንፈስካ ኣፍስሰልና፣

    ፍሪኡ ኺፈርየልና።

    ሳላ ’ታ እምነትና፡

    በቲ እሙን ወድኻ፡

    ኴንና ’ለና ፈተውትኻ፡

    ተዓሪቕና ምሳኻ።

  2. 2. ቃልካ የብርሃልና፣

    መንፈስካ ይገልጸልና፣

    ኣብዛ ጸልማት ከንቱ ዓለም፡

    ነእጋርና ይመርሓና።

    ውግእን ሽበራን፡

    ክሳዕ ዚውገደልና፣

    ብመንፈስካ ሓግዘና፡

    ክንሕልዎ ሰላምና።

  3. 3. ኣኪብካና ’ለኻ፡

    በታ ዓባይ ፍቕርኻ፣

    ሓደ ዄንና ብመንፈስካ፡

    ክንእውጅ መንግስትኻ።

    ውግእ ኪተርፍ’ዩ፡

    ኪውገድ ንዘልኣለም፣

    ዓቃላት’ውን ደስ ኪብሎም’ዩ፡

    ኪነብሩ’ዮም ብሰላም።