ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 114

“ተዓገሱ”

“ተዓገሱ”

(ያእቆብ 5:8)

  1. 1. ልዑላዊ የሆዋ፡

    ቀናእ’ዩ ንቕዱስ ስሙ፣

    ስሙ ኺጥቀን ከሎ፡

    ኣየሐጕሶን ፈጺሙ፣

    ንውሉድ ወለዶታት

    ’ተ ተፈተነ ዓቕሉ፡

    ብፍቕሪ ተዓጊሱ፡

    ዓቃል እንደኣሉ።

    ፍቓዱ’ዩ ድሌቱ፡

    ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን፣

    ኣምላኽ ዘርኣዮ ዓቕሊ፡

    ጠሪሱ ኸንቱ ኣይኰነን።

  2. 2. ትዕግስቲ ኣድላዪት’ያ፡

    ኣብ ህይወትና፡ ኣብ ናብራና፣

    ንልብና ተህድኦ፡

    ካብ ነድሪ ትሕልወና፣

    ጽቡቕ’ያ እትርኢ፡

    ኣወንታዊት ኣብ ኵሉ፣

    ትሕግዘና ድማ፡

    ሚዛንና ኽንሕሉ፣

    ትዕግስቲ ወሳኒት’ያ፡

    ህድኣት ኬድልየና ኸሎ፣

    ዓቕሊ ትሕግዘና፡

    መታን ንኣምላኽ ክንመስሎ።