ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 126

ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

(1 ቈረንቶስ 16:13)

  1. 1. በርትዑ፡ ሰብኡት’ውን ኩኑ፡

    ኣጆኹም ንቕሑ፡ ጽንዑ፣

    ዓወትኩም ዘይተርፍ እዩ፡

    ኣይትሸበሩ፡ ትብዑ።

    ትእዛዛት ክርስቶስ ንሕሉ፣

    ኣብ ጐድኑ ኢና፡ ኣብ መትከሉ።

    (ኣዝማች)

    በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!

    ብትብዓት’ውን ወስኑ!

  2. 2. ብንቕሓት ተመላለሱ፡

    ንበሩ ተጠንቂቕኩም፣

    ስዓቡ መምርሒ የሱስ፡

    ባርያኡ ዚህበኩም፣

    ንሽማግለታት’ውን ስምዑ፣

    ዚኣልዩ ነተን ኣባጊዑ።

    (ኣዝማች)

    በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!

    ብትብዓት’ውን ወስኑ!

  3. 3. ብንቕሓት ተመላለሱ፡

    ንበሩ ብሓድነት፣

    ጸላኢ እኳ እንተሎ፡

    ስበኹ’ቲ ብስራት፣

    ኣውጁ፡ ንምድሪ ምልእዋ፣

    ቀሪባ መዓልቲ የሆዋ!

    (ኣዝማች)

    በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!

    ብትብዓት’ውን ወስኑ!