ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 143

ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት

ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት

(ሮሜ 8:20-25)

  1. 1. ግዝኣት ያህ ቅኑዕ ምዃኑ፡

    የሆዋ ጻድቕ ምዃኑ፡

    እዚ ዚረጋገጸሉ፡

    ቀሪቡ’ዩ እዋኑ።

    (ኣዝማች)

    ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡

    ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡

    ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።

  2. 2. እቲ ወዱ ዚስዕረሉ፡

    ጸላእቱ ዜወግደሉ፡

    ተመዲቡ’ዩ እዋኑ፡

    ዓወት ዜበስረሉ።

    (ኣዝማች)

    ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡

    ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡

    ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።

  3. 3. ኵሉ ፍጥረት ’ናስቈርቈረ፡

    ንሕና ግን ንጽበ ’ለና፡

    ’ታ መዓልቲ ኽትመጸልና፡

    ክንነብር ሓራ ዄንና።

    (ኣዝማች)

    ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡

    ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡

    ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።

(ማቴ. 25:13፣ ሉቃ. 12:36 እውን ርአ።)