መዝሙር 17
“እደሊ”
(ሉቃስ 5:13)
-
1. ፈቃር’ዩ፡ ለዋህ’ዩ ዕጉስ፣
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ።
ብቓሉ ብግብሩ፡
ሰባት ምሂሩ።
ግዜኡ ሂቡ ብሓጐስ።
ይግደስ ነይሩ ብምግዱር፣
ብጽጉም ኰነ ብሽጉር።
ብግብሪ ’መስኪሩ ኸም ዚሓሊ፣
ብፍታው ኢሉ፦ “እደሊ።”
-
2. ክንስዕቦ እዩ ድሌትና፣
ክንመስሎ ብተግባራትና።
ከነርኢ ፍቕርና፡
ከይፈላለና፡
ኪእዘዙ ’ናመሃርና።
ንሕግዝ ንጽጉም ኵሉ፣
ኢድና’ውን ንዝርግሓሉ።
ንውጹዕ ነርእዮ ኸም ’ንሓሊ፣
ሃየ ንበሎ፦ “እደሊ።”
(ዮሃ. 18:37፣ ኤፌ. 3:19፣ ፊል. 2:7 እውን ርአ።)