ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 17

“እደሊ”

“እደሊ”

(ሉቃስ 5:13)

  1. 1. ፈቃር’ዩ፡ ለዋህ’ዩ ዕጉስ፣

    ጐይታና የሱስ ክርስቶስ።

    ብቓሉ ብግብሩ፡

    ሰባት ምሂሩ።

    ግዜኡ ሂቡ ብሓጐስ።

    ይግደስ ነይሩ ብምግዱር፣

    ብጽጉም ኰነ ብሽጉር።

    ብግብሪ ’መስኪሩ ኸም ዚሓሊ፣

    ብፍታው ኢሉ፦ “እደሊ።”

  2. 2. ክንስዕቦ እዩ ድሌትና፣

    ክንመስሎ ብተግባራትና።

    ከነርኢ ፍቕርና፡

    ከይፈላለና፡

    ኪእዘዙ ’ናመሃርና።

    ንሕግዝ ንጽጉም ኵሉ፣

    ኢድና’ውን ንዝርግሓሉ።

    ንውጹዕ ነርእዮ ኸም ’ንሓሊ፣

    ሃየ ንበሎ፦ “እደሊ።”