ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 31

ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

(ሚክያስ 6:8)

  1. 1. ተመላለስ ብትሕትና፣

    ፍቶ ተኣማንነት።

    ተጸጋዕ ኣብ ያህ፡ ናብኡ’ውን ልገብ፣

    ተመላለስ ብለውሃት።

    ኣጽኒዕካ ሓዝ ነቲ እሙን ቃል፣

    መታን ከይትውሰድ።

    ንየሆዋ ተኣዘዞ፡

    ኪመርሓካ’ውን ፍቐድ።

  2. 2. ተመላለስ ቅዱስ ኴንካ፣

    ንጹህ ይኹን ሓሳብካ።

    ፈተናታት ’ኳ ’ተ ’ጋጠመካ፡

    እሙን’ዩ ረዳኢኻ።

    ዚንኣድ ዘበለ፡ ሃናጺ፡

    ተፈታዊ፡ ሓቂ፡

    ብዛዕባ ’ዚ ወትሩ ሕሰብ።

    ኪዀነልካ’ዩ ጽድቂ።

  3. 3. ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ፣

    ብእኡ ተሓጒስካ።

    ስለ ውህበቱ፡ ምስጋና ይኹን፡

    ወትሩ ኣብ ከናፍርካ።

    ተመላለስ ንኣምላኽ ሒዝካ፣

    ዘምር’ውን ብደስታ።

    ናይ የሆዋ ኣምላኽ ’ንዲኻ፡

    ናይቲ ሕያዋይ ጐይታ።