መዝሙር 31
ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!
(ሚክያስ 6:8)
-
1. ተመላለስ ብትሕትና፣
ፍቶ ተኣማንነት።
ተጸጋዕ ኣብ ያህ፡ ናብኡ’ውን ልገብ፣
ተመላለስ ብለውሃት።
ኣጽኒዕካ ሓዝ ነቲ እሙን ቃል፣
መታን ከይትውሰድ።
ንየሆዋ ተኣዘዞ፡
ኪመርሓካ’ውን ፍቐድ።
-
2. ተመላለስ ቅዱስ ኴንካ፣
ንጹህ ይኹን ሓሳብካ።
ፈተናታት ’ኳ ’ተ ’ጋጠመካ፡
እሙን’ዩ ረዳኢኻ።
ዚንኣድ ዘበለ፡ ሃናጺ፡
ተፈታዊ፡ ሓቂ፡
ብዛዕባ ’ዚ ወትሩ ሕሰብ።
ኪዀነልካ’ዩ ጽድቂ።
-
3. ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ፣
ብእኡ ተሓጒስካ።
ስለ ውህበቱ፡ ምስጋና ይኹን፡
ወትሩ ኣብ ከናፍርካ።
ተመላለስ ንኣምላኽ ሒዝካ፣
ዘምር’ውን ብደስታ።
ናይ የሆዋ ኣምላኽ ’ንዲኻ፡
ናይቲ ሕያዋይ ጐይታ።
(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ ፊል. 4:8፣ 1 ጢሞ. 6:6-8 እውን ርአ።)