መዝሙር 42
ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ
-
1. ፈጣሪ ዅሉ፡ የሆዋ ኣቦ፡
’ቲ ዓብዪ ስምካ ኽብሪ ይውሃቦ።
ዋላ የልቦን ዚስኣነካ።
ቀልጢፋ ትምጻእ ’ታ መንግስትኻ።
በረኸታ ይዛሪ፣
ይምላኣያ ንምድሪ።
-
2. ነመስግነካ ስለ ውህበትካ፣
መታን ክንዓግብ ትኸፍት ንኢድካ።
ንስኻ ኢኻ ምንጪ ህይወት፡
ወሃብ ልቦና፡ ዓዳሊ ፍልጠት።
ተቐበል ምስጋናና፣
ይብጻሕካ ውዳሰና።
-
3. ኣብዛ ዓለም፡ ጸበባ ኣሎና፣
ንስኻ ግና ተጸናንዓና።
ትስከመልና ዅሉ ጾርና፣
ተሐይለና፡ ተበርትዓና።
ዓድለና ልቦና፣
ክንፍጽም መብጽዓና።
(መዝ. 36:9፣ 50:14፣ ዮሃ. 16:33፣ ያእ. 1:5 እውን ርአ።)