ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 42

ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ

ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ

(ኤፌሶን 6:18)

  1. 1. ፈጣሪ ዅሉ፡ የሆዋ ኣቦ፡

    ’ቲ ዓብዪ ስምካ ኽብሪ ይውሃቦ።

    ዋላ የልቦን ዚስኣነካ።

    ቀልጢፋ ትምጻእ ’ታ መንግስትኻ።

    በረኸታ ይዛሪ፣

    ይምላኣያ ንምድሪ።

  2. 2. ነመስግነካ ስለ ውህበትካ፣

    መታን ክንዓግብ ትኸፍት ንኢድካ።

    ንስኻ ኢኻ ምንጪ ህይወት፡

    ወሃብ ልቦና፡ ዓዳሊ ፍልጠት።

    ተቐበል ምስጋናና፣

    ይብጻሕካ ውዳሰና።

  3. 3. ኣብዛ ዓለም፡ ጸበባ ኣሎና፣

    ንስኻ ግና ተጸናንዓና።

    ትስከመልና ዅሉ ጾርና፣

    ተሐይለና፡ ተበርትዓና።

    ዓድለና ልቦና፣

    ክንፍጽም መብጽዓና።