መዝሙር 49
ልቢ የሆዋ ነሐጕስ
-
1. ቃልና’ዩ ምምላእ ፍቓድካ፣
ብጥበብ ምዕማም ዕዮኻ።
ሽዑ’ና ነሐጕሰካ፡
ባህ ’ነብሎ ንልብኻ።
-
2. እቲ ባርያኻ መጋቢ፡
ይእውጅ ኣሎ ንህዝቢ፣
ኣብ እዋኑ’ውን ይምግብ፡
ከነገልግል ምኽሪ ይህብ።
-
3. ንጡፍ ሓይልኻ ሃበና፣
ክንሕዝ ናይ እምነት ጐደና።
ኣብ ኵሉ ኽንውድሰካ፡
ወትሩ ኸነሐጕሰካ።
(ማቴ. 24:45-47፣ ሉቃ. 11:13፣ 22:42 እውን ርአ።)