ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 54

“እታ መገዲ እዚኣ እያ”

“እታ መገዲ እዚኣ እያ”

(ኢሳይያስ 30:20, 21)

  1. 1. መገዲ ሰላም’ያ፡

    እተምሃርካያ፣

    ጥንታዊት መገዲ፡

    ጻድቕ ዚምነያ።

    የሱስ ዝሰርዓ፡

    ’ስኻ ዝሓዝካያ፣

    ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላ፡

    መገዲ ሰላም’ያ።

    (ኣዝማች)

    እዚኣ’ያ ’ታ መገዲ ህይወት፣

    ኣይተላግስ ዋላ’ኳ ንቕጽበት።

    እታ መገዲ እዚኣ’ያ፣

    ’ወ ’ዚኣ’ያ ኣምላኽ ዝሓረያ።

  2. 2. መገዲ ፍቕሪ’ያ፡

    ካልእ ኣይተናዲ፣

    ኣምላኽ ገሊጹ’ሎ

    ’ታ ናቱ መገዲ።

    ፍቕሩ ፍጽምቲ’ያ፡

    ሓያል ከም ሃልሃልታ፡

    ከቶ ዘይተቋርጽ

    ክሳዕ መወዳእታ።

    (ኣዝማች)

    እዚኣ’ያ ’ታ መገዲ ህይወት፣

    ኣይተላግስ ዋላ’ኳ ንቕጽበት።

    እታ መገዲ እዚኣ’ያ፣

    ’ወ ’ዚኣ’ያ ኣምላኽ ዝሓረያ።

  3. 3. መገዲ ህይወት’ያ፡

    ካብ ኵለን ክብርቲ፣

    ኣምላኽ’ዩ መስኪሩ፡

    ምዃና ብልጽቲ፣

    ፍቕሪ ዀነ ሰላም

    ፍጹም ዘይፍለያ፣

    ኣምላኽ ዘርኣየና

    መገዲ ’ዚኣ’ያ።

    (ኣዝማች)

    እዚኣ’ያ ’ታ መገዲ ህይወት፣

    ኣይተላግስ ዋላ’ኳ ንቕጽበት።

    እታ መገዲ እዚኣ’ያ፣

    ’ወ ’ዚኣ’ያ ኣምላኽ ዝሓረያ።