ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 59

ንወድሶ ንኣምላኽና!

ንወድሶ ንኣምላኽና!

(መዝሙር 146:2)

  1. 1. ንወድሶ

    ንኣምላኽና!

    ህይወትን እስትንፋስን ሂቡና።

    ንወድሶ

    ኣዘውቲርና፡

    ስለ ፍቕሩ እናኣመስገንና፡

    ስሙ ንሰባት እናኣፍለጥና።

  2. 2. ንወድሶ

    ንኣምላኽና!

    ሕያዋይ’ዩ ይሰምዕ ጸሎትና።

    የሐይሎም

    ብቕልጽሙ፡

    የበርትዖም’ውን ንዝደኸሙ፣

    ንውድሶ’ና ንቕዱስ ስሙ።

  3. 3. ንወድሶ

    ንኣምላኽና!

    ፈታው ፍትሒ’ዩ ዚግደሰልና።

    ኬወግድ’ዩ

    ዅሉ ኽፍኣት።

    ኬፍስሰልና’ዩ ብዙሕ በረኸት።

    ሃየ ነዚ ንኣውጅ ብቕንኣት!