መዝሙር 59
ንወድሶ ንኣምላኽና!
-
1. ንወድሶ
ንኣምላኽና!
ህይወትን እስትንፋስን ሂቡና።
ንወድሶ
ኣዘውቲርና፡
ስለ ፍቕሩ እናኣመስገንና፡
ስሙ ንሰባት እናኣፍለጥና።
-
2. ንወድሶ
ንኣምላኽና!
ሕያዋይ’ዩ ይሰምዕ ጸሎትና።
የሐይሎም
ብቕልጽሙ፡
የበርትዖም’ውን ንዝደኸሙ፣
ንውድሶ’ና ንቕዱስ ስሙ።
-
3. ንወድሶ
ንኣምላኽና!
ፈታው ፍትሒ’ዩ ዚግደሰልና።
ኬወግድ’ዩ
ዅሉ ኽፍኣት።
ኬፍስሰልና’ዩ ብዙሕ በረኸት።
ሃየ ነዚ ንኣውጅ ብቕንኣት!
(መዝ. 94:18, 19፣ 145:21፣ 147:1፣ 150:2፣ ግብ. 17:25 እውን ርአ።)