ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 6

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር

(መዝሙር 19)

  1. 1. ’ዚ ሰማያት፡ ክብሪ ኣምላኽ ይነግር።

    ጠፈር ብግዲኡ

    ንግብሩ ይዝቲ።

    ይዛረቡ መዓልቲ መዓልቲ።

    ባህርያቱ’ውን ይገልጹ

    ወትሩ ለይቲ ለይቲ።

  2. 2. ሕጊ ኣምላኽ ፍጹም’ዩ ዜበራትዕ።

    ትእዛዛቱ ጽሩይ

    ዚበልጽ ካብ ወርቂ።

    ፍርድታቱ ፍትሓዊ’ዩ ሓቂ።

    መዘኻኸሪታቱ’ውን

    ይመርሕ ናብ ጽድቂ።

  3. 3. ፍርሃት ኣምላኽ ንጹህ እዩ ነባሪ።

    ትእዛዛቱ ብሉጽ

    የብርህ ነዒንቲ።

    ስርዓታቱ ጻድቕ’ዩ መሃሪ።

    ቅዱስ ስሙ’ውን ይወደስ

    መዓልቲ ምስ ለይቲ።