ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 63

መሰኻኽር የሆዋ ኢና!

መሰኻኽር የሆዋ ኢና!

(ኢሳይያስ 43:10-12)

  1. 1. ሰባት ጣኦት ሰሪሖም፣

    ኣምላኽ ሓቂ ረሲዖም።

    ኵሉ ዚኽእል’ዩ፣

    ብብዙሕ ኣርእዩ።

    ኣይፈልጡን’ዮም ጣኦታት፡

    ናይ ዚመጽእ እዋናት።

    ብላሽ ’ደልዩ ዚምስክረሎም፡

    የሎን ዚቐውም ንዕኦም።

    (ኣዝማች)

    መሰኻኽር የሆዋ

    እዩ መጸውዒና፣

    ከም ስምና’ውን ንምስክር ኢና፣

    ናይ ሓቂ’ዩ ኣምላኽና።

  2. 2. ንጽዋዕ ብስም ኣምላኽ፣

    ተቢዕና’ውን ንሰብኽ።

    ብስራት መንግስቱ፡

    ኰነ መልእኽቱ።

    ንሰባት ንዕድሞም፣

    ሓቂ ኺፈልጡ መምዮም፣

    ኪውድሱ ድምጾም ኣልዒሎም፡

    ኬመስግንዎ ሓቢሮም።

    (ኣዝማች)

    መሰኻኽር የሆዋ

    እዩ መጸውዒና፣

    ከም ስምና’ውን ንምስክር ኢና፣

    ናይ ሓቂ’ዩ ኣምላኽና።

  3. 3. ዕዮ ምስክርነት

    ንስሙ ኽብ የብሎ፣

    መጠንቀቕታ’ውን’ዩ

    ንዜቃልሎ።

    እቲ ናብኡ ዚምለስ፡

    ይረክብ ምሕረት፡ ሞገስ፣

    ይረክብ’ውን ቅሳነት፡ ሰላም፣

    ዜሐጕስ ህይወት ዘልኣለም።

    (ኣዝማች)

    መሰኻኽር የሆዋ

    እዩ መጸውዒና፣

    ከም ስምና’ውን ንምስክር ኢና፣

    ናይ ሓቂ’ዩ ኣምላኽና።