መዝሙር 65
ንገስግስ!
-
1. ንገስግስ፡ ንገስግስ ናብ ብስለት ገጽና!
ብርሃን ሓቂ ይብራህ ኣብ ኣነባብራና።
ሃየ ነመሓይሽ ኣገልግሎትና፣
ኪባረኽ’ዩ ዕዮና።
’ዚ ዕዮ ኽፉት’ዩ ንዅሉ፣
ፈሊምዎ ክርስቶስ ባዕሉ።
ኣብ ኣምላኽ ንጸጋዕ ክንሕዝ ንሓቂ፡
ክንጸንዕ’ውን ኣብ ጽድቂ።
-
2. ንገስግስ፡ ንገስግስ፡ ንስበኽ ብትብዓት!
ንዅሉ ሰብ ንስበኽ ናይ ዘልኣለም ብስራት።
ንወድሶ ንያህ፡ ንሱ’ዩ ኣምላኽ፣
ኣብ በቤት ሃየ ንስበኽ።
ኬፍርሁ ይጽዕሩ እኩያት፣
ንሕና ግን ነፍልጦም ንሰባት።
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነበስር፣
ንሰባት ሓቂ ንንገር።
-
3. ንገስግስ፡ ንገስግስ፡ ንዕየ ተጊህና፣
ክእለትና ነማዕብል ገና ብዙሕ ኣሎና።
ብመንፈስ ኣምላኽና’ውን ንመላለስ፣
ንርከብ ልባዊ ሓጐስ።
ንሰባት ካብ ልቢ ነፍቅሮም፣
ከይተሓለልና ንብጽሓዮም።
ንሓግዝ ቀጻሊ መታን ኪዓብዩ፣
ብርሃን ሓቂ ኺርእዩ።