ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 65

ንገስግስ!

ንገስግስ!

(እብራውያን 6:1)

  1. 1. ንገስግስ፡ ንገስግስ ናብ ብስለት ገጽና!

    ብርሃን ሓቂ ይብራህ ኣብ ኣነባብራና።

    ሃየ ነመሓይሽ ኣገልግሎትና፣

    ኪባረኽ’ዩ ዕዮና።

    ’ዚ ዕዮ ኽፉት’ዩ ንዅሉ፣

    ፈሊምዎ ክርስቶስ ባዕሉ።

    ኣብ ኣምላኽ ንጸጋዕ ክንሕዝ ንሓቂ፡

    ክንጸንዕ’ውን ኣብ ጽድቂ።

  2. 2. ንገስግስ፡ ንገስግስ፡ ንስበኽ ብትብዓት!

    ንዅሉ ሰብ ንስበኽ ናይ ዘልኣለም ብስራት።

    ንወድሶ ንያህ፡ ንሱ’ዩ ኣምላኽ፣

    ኣብ በቤት ሃየ ንስበኽ።

    ኬፍርሁ ይጽዕሩ እኩያት፣

    ንሕና ግን ነፍልጦም ንሰባት።

    ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነበስር፣

    ንሰባት ሓቂ ንንገር።

  3. 3. ንገስግስ፡ ንገስግስ፡ ንዕየ ተጊህና፣

    ክእለትና ነማዕብል ገና ብዙሕ ኣሎና።

    ብመንፈስ ኣምላኽና’ውን ንመላለስ፣

    ንርከብ ልባዊ ሓጐስ።

    ንሰባት ካብ ልቢ ነፍቅሮም፣

    ከይተሓለልና ንብጽሓዮም።

    ንሓግዝ ቀጻሊ መታን ኪዓብዩ፣

    ብርሃን ሓቂ ኺርእዩ።