ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 71

ሰራዊት የሆዋ ኢና!

ሰራዊት የሆዋ ኢና!

(ዮኤል 2:7)

  1. 1. ሰራዊት የሆዋ’ና፡

    ሰዓብቲ የሱስ፣

    ጸላእቲ ’ኳ ’ተ’ለዉ፡

    ንቕድሚት ንግስግስ።

    ነገልግሎ ተጊህና፣

    ንስበኽ ኣብ ኵሉ።

    ብቘራጽነት’ውን፡

    ንኣውጅ ቃሉ።

    (ኣዝማች)

    ሰራዊት የሆዋ’ና፡

    ስሙራት ልቢ፣

    መንግስቱ ንእውጅ፡

    ንዅሉ ህዝቢ።

  2. 2. ገላዉ የሆዋ’ና፡

    ሰበኽቲ ጽድቂ።

    ነባጊዑ ንደሊ፡

    ንፈተውቲ ሓቂ።

    ደጋጊምና ንኸዶም፡

    ከይተሓለልና።

    ምእንቲ ኺመጹ፡

    ናብ ቤት ኣምላኽና።

    (ኣዝማች)

    ሰራዊት የሆዋ’ና፡

    ስሙራት ልቢ፣

    መንግስቱ ንእውጅ፡

    ንዅሉ ህዝቢ።

  3. 3. ሰራዊት የሆዋ’ና፡

    እተዓጠቕና፣

    ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ’ውን፡

    ጸኒዕና ዝቘምና።

    ጥንቁቓት ’ኳ ’ተ ዀንና፡

    ኢና ገርህታት፣

    ኣብ እዋን ፈተና፡

    ወትሩ እሙናት።

    (ኣዝማች)

    ሰራዊት የሆዋ’ና፡

    ስሙራት ልቢ፣

    መንግስቱ ንእውጅ፡

    ንዅሉ ህዝቢ።