ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 83

“ኣብ በቤት”

“ኣብ በቤት”

(ግብሪ ሃዋርያት 20:20)

  1. 1. ፈቐዶ ቤት፡ ’ወ ኣብ በቤት፡

    ቃል ኣምላኽ ንነግር።

    ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን፡

    ቃሉ’ና ንምህር።

    እቲ የሱስ ’ተነበዮ፡

    ብስራት መንግስቲ፡

    ይእውጅዎ ኣለዉ

    ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ።

  2. 2. ፈቐዶ ቤት፡ ’ወ ኣብ በቤት፡

    ድሕነት ነበስሮም።

    ስም ኣምላኽ ንዚጽውዑ፡

    ነዚ ነብጽሓሎም።

    ከመይ ገይሮም ኪጽውዑ፡

    ንዘይፈልጥዎ ስም፧

    ሃየ እሞ ንስም ኣምላኽ

    ብንጹር ነፍልጦም።

  3. 3. ንዑ ንኺድ ፈቐዶ ቤት፡

    ክንነግር ብስራት።

    ዚደልይዎ፡ ዚመርጽዎ፡

    ይሕረዩ ’ቶም ሰባት።

    ’ተ ወሓደ መን ምዃኑ

    የሆዋ ኣምላኽና፡

    ጽቡቕ ገይሮም ኪፈልጥዎስ፡

    ንኺድ ከይሰልከና።

(ግብ. 2:21፣ ሮሜ 10:14 እውን ርአ።)