ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 142

ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

(1 ጢሞቴዎስ 2:4)

  1. ኣምላኽና ፍጹም’ዩ ዘየዳሉ፡

    ድሌትና’ዩ ኽንመስሎ ኣብ ኵሉ፣

    ድሕነት ኵሉ ዓይነት ሰብ ይደሊ፡

    ሓላዪ’ዩ ዋላ ዘይፈላሊ።

    (ኣዝማች)

    ሰብ ካብ ሰብ ከይፈለና፡

    ቦታ’ውን ከይመረጽና፡

    ንዅሉ ንነግር ቃል ኣምላኽና።

    ንዓዪ’ና ብትግሃት፡

    ተደሪኽና ብሓልዮት፡

    ነበስር ንዅሎም ዓይነት ሰባት።

  2. ኣየገድሰናን’ዩ ትርኢቶም፡

    መንበሪኦም፡ ኣከዳድናኦም፡

    ዜገድስሲ ’ቲ ዅነታት ልቦም፡

    ‘ቲ የሆዋ ዚርእዮ ኣብ ውሽጦም።

    (ኣዝማች)

    ሰብ ካብ ሰብ ከይፈለና፡

    ቦታ’ውን ከይመረጽና፡

    ንዅሉ ንነግር ቃል ኣምላኽና።

    ንዓዪ’ና ብትግሃት፡

    ተደሪኽና ብሓልዮት፡

    ነበስር ንዅሎም ዓይነት ሰባት።

  3. ንዚመጹ ንዓለም ጠንጢኖም፡

    የሆዋ ብታሕጓስ ይቕበሎም፣

    ’ዚ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ፡

    ንሰብከሉ ንዅሉ ዓይነት ሰብ።

    (ኣዝማች)

    ሰብ ካብ ሰብ ከይፈለና፡

    ቦታ’ውን ከይመረጽና፡

    ንዅሉ ንነግር ቃል ኣምላኽና።

    ንዓዪ’ና ብትግሃት፡

    ተደሪኽና ብሓልዮት፡

    ነበስር ንዅሎም ዓይነት ሰባት።