ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ ጥንታዊ ርኽበት፡ ንጉስ ዳዊት ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ኣሚቱ

ስነ ጥንታዊ ርኽበት፡ ንጉስ ዳዊት ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ኣሚቱ

 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. እዩ ዚነብር ነይሩ። ዘርኡ ድማ ንኣማእታት ዓመታት ገዚኦም እዮም። ገሊኦም ሓያስያን ግና፡ ሰባት ደሓር ኣብ ዝመሃዝዎ ናይ ሓደ ነገድ ጽውጽዋይ ዚርከብ ገጸ ባህርይ ከም ዝዀነ ይማጐቱ እዮም። እሞ ደኣ፡ ዳዊት ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ድዩ፧

 ብ1993፡ ኣቭራሃም ቢራን ዝስሙ ተመራማሪ ስነ ጥንትን ጕጅለኡን ኣብ ቴል ዳን፡ ሰሜናዊ እስራኤል፡ ን“ቤት ዳዊት” ዚጠቅስ ጽሑፍ ዝሓዘ ፍንጫል እምኒ ረኺቦም እዮም። እዚ ብጥንታዊ ሴማዊ ጽሑፍ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈ እዩ። ፍንጫል እቲ ኣራማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ንዝረኸብዎ ዓወት ኪጃሃሩ ኢሎም ዝተኸልዎ ሓወልቲ ኪኸውን ድማ ይኽእል እዩ።

 ኣብ ባይብል ሂስትሪ ደይሊ ዝወጸ ዓንቀጽ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ነይርዎ፦ “ብዛዕባ እቲ ‘ቤት ዳዊት’ ዚብል ጽሑፍ፡ ጥርጣረታት ነይሩ እዩ። . . . [ኰይኑ] ግና፡ መብዛሕትኦም ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስን ተመራመርቲ ስነ ጥንትን፡ ኣብ ቴል ዳን እተረኽበ ሓወልቲ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ንጉስ ዳዊት ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ ናይ ፈለማ ጭቡጥ መርትዖ ምዃኑ ብቐሊሉ ተቐቢሎምዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ብብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ጸብጻብ እተዋህበሉ ቐንዲ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ኣሎ።”